ኣብ ዓይኒ ለያቡ ዝኣተወ ፍርያት ኣቮካዶ ሓረስቶት ኬንያ

ኬንያ ኣቮካዶ

ኣብ ኬንያ ሓደ ተኽሊ ኣቮካዶ፡ ክሳብ 600 ዶላር ኣታዊ የምጽእ። ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ድማ፡ ተደላይነት ኦቮካዶ ይውስኽ ኣሎ ምባሉ ስዒቡ፡ ኬንያ ፍርያታ ክብ ኣቢላ ኣላ።

ነዚ ድማ እዩ፡ ምህርቲ ኣቮካዶ ኣፍሪቃ ብዓብላላይነት ደቡብ ኣፍሪቃ ተታሒዙ እንተነበረ’ኳ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ግን ኬንያ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ኣቮካዶ ብመራኸብ ናብ ደገ ከምዝለኣኸት ይግለጽ።

‘ሓምለዋይ ወርቂ’ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እዚ ተኽሊ ካብ ለያቡ ንምክልካል፡ ኣፍረይቲ ዘይስሩዕ ናይ ሓለዋ ጉጅለታት ኣብ ምጥያስ ይርከቡ።

ኣብ ኬንያ ሙራንጋ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ፡ ምስይ እንትብል ሽድሽተ መናእሰይ መከላኸሊ ዝናብ ተኸዲኖም፣ ላምባዲና ወሊዖም፣ ገለ ዝኸኣልዎ ዕጥቅታት ሒዞም ይረአዩ።

እቶም መናእሰይ ጎዞሞ፣ በትርን ዝኣመሰሉን መሳርሕታት ሒዞም እዮም ነቲ ሕርሻ ዝሕልውዎ። እቶም መናእሰይ በቶም ሰብ ዋና እዮም ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

እንተኾነ ሐደገኛ ስራሕ እዩ፤ ገለ እዋናት ጉድኣት ይበጽሖም ሓሓሊፉ ድማ ህይወቶም ዝስእንሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እቶም ሰብ ዋና ሕረሻ ናብዚ ተገዲዶም ከምዝኣተዉ እዮም ዝዛረቡ።

ምኽንያቱ፡ ኣቮካዶ ንምስራቕ ተወዲቦም ምሸትምሸት ዝመጽኡ ገበነኛታት ብምብዘሖም እዩ። ''ካብ ናቶምን ናትናን ህይወት ክንመርጽ ኣለና፤ እቲ ዘሕዝን ንሕና ንባዕልና ንምክልኻል ዘኽእል ኩሉ ዓይነት መገዲ ምጥቃምና እዩ” ኢሉ ሓደ ካብቶም ሓረስቶት።

ክልተ ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝኸውን ስፍሓት መሬት ኣቮካዶ ዘፍሪ ዘሎ እዚ ሓረስታይ ዓበይቲ መንደቓት ብምስራሕ’ውን ካብቶም ለያቡ ከምዝከለኸል ይዛረብ።

“ዓመት ሙሉእ ተንከባኺብካን እቶም ኣትክልቲ ዘድልዮም ኩሉ ኣማሊእኻን ፍረ ከፍርዩ እንትጅምሩ፡ ናይ ዓመት ልፍዓትካ ብሓንቲ ምሸት ከምዘይነበረ ይገብርዎ” ብምባል ነቲ ጸገም የረድእ።

ካልእ ሓረስታይ ድማ ከምኡ ተመሳሳሊ ሐሳብ እዩ ዘለዎ። “ዝዓበየ መንደቕ [ሓጹር] እንተሰራሕኻ’ውን ይሰብርዎ ወይ ድማ ይዘልዎ'' ኢሉ።

ናይዚ አካባቢ ሐረስቶት ብዚ ምኽንያት ፍርያቶም ከይጉዳእ ዘስግእ እዩ።

መብዛሕተኦም ኣብ ዓበይቲ ሕርሻታት ኣቮካዶ ተቖጾሮም ዝሰርሑ ኾይኖም፡ ገሊኦም ድማ ንእሽቶ እንተኾነ’ውን ናይ ውልቀኦም ናይ ሕርሻ ቦታ ይውንኑ።

“ንሕና ከም ገለ ኢሉ ድቃስ እንተወሲዱና ስድራና ዝጠዓም የብሎምን” ይብል።

ኣብ ውሽጢ ኬንያ ምህርቲ ኣቮካዶ ዝእከብ፡ ካብ ለካቲት ክሳዕ ጥቅምቲ ኣብ ዘለዉ ኣወርሕ እንተኾነ’ኳ እቶም ለያቡ ግን ከይበሰለ’ውቆሪጾም ናብ ዕዳጋ የውርድዎ።

መንግስቲ ኬንያ ነዚ ንምክልኻል ካብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ኣቮካዶ ናብ ወጻኢ ዓዲ ከይስደድ ዝኽልክለ ሕጊ ኣውጺኡ ኣሎ። እንተኺነ እዚ ስጉምቲ እምብዛ ኣይሰርሐን።

ርግጽ እቶም ሓረስቶት በዓልቶም፡ ፍርያቶም ካብቶም ዝተወደቡ ለያቡ ንምክልኻል ክብሉ፤ ቀዲሞም ብጒዑ ንምእካብ ይግደዱ እዮም።

ፍረ ኣቮካዶ ምርኣይ እንተጀሚሩ ኣብ ዓይኒ ለያቡ እዩ ዝኣቱ።

ሜሩ ኣብ እትበሃል ካልእ ግዝኣት ድማ እቲ ኩነተት ዝኸፍአ እዩ። ናይቶም ሓረስቶት ናይ ሓለዋ መገዲ’ውን ኣዝዩ ብርቱዕን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን እዩ። ኣብዚ ከባቢ መዓልታዊ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸር ፍረታት ኣቮካዶ ይእረ።

ሓደ ኣቮካዶ ድማ 19 ናይ ኬንያ ሽሊነግ ወይ ድማ ናብ ከባቢ 7 ቕርሺ ይሽየጥ። ሓደ ዘዘራረብናዮ ሓረስታይ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ሕርሻ ሻሂ ዘይኮነስ ናይ ኣቮካዶ ሕርሻ እዩ ክህልዎም። ኣቮካዶ ኣዝዩ ዝገርም ተኽሊ ከምዝኾነ ይገልጽ።

“ወደይ ምሩቕ መጽናዕቲታት ፊልሚ እዩ። ኣብ ቀረባ ድሮናት ብምጥቃም 200 ዝኣኽሉ ኣትክልቲ ኣቮካዶ ን24 ሰዓታት ሓለዋ ንሰርሕ ኣለና። ወጻኢኡ ሓብዙሕ እንተኾነ’ኳ፡ ምስቲ ካብቲ ፍርያት እንረኽቦ ጥቕሚ ኣንጻር ግና ኣብዚ እቶ ዝበሃልን ኣይኮነን” ኢሉ።

እዚ ሓረስታይ ከምዝነገረና እንተኾይኑ፡ ገለ ለያቡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት መኻዝን ተኻርዮም ነቲ ዝሰረቕዎ ኣቮካዶ እንትኽዝኑ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ኣለዉ። ገለ ሓረስቶት’ውን ባዕልቶም ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ነጊሩና።

“ኣብ ገለ ምሸታት ለያቡ እንትተሓዙ፡ ነቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብፊሽካ ነፍልጦ ኢና። ሰባት ሽዑ ንሽዑ ተኣኪቦም ብኢዶም ስጉምቲ ይወስዱ። ሓደሓደ ግዜ እቶም ለያቡ ብዕስለ ዝቕተልሉ ኩነታት ኣሎ። ሰባት ዓመት ሙሉእ ዝጸዓርሉ ምህርቲ ኣብ ሓንቲ ለይቲ እንትሰሪቖምዎ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን” ኢሉ።

ሚኒስተር ንግዲ ኬንያ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ሓረስቶት ኬንያ ካብ መሸጣ ምህርቲ ኣቮካዶ ኣስታት 132 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቦም። ከምኡ ኾይኑ’ውን 10 ሚኢታዊ ጥራይ እዩ ሰደድ ዝተገብረ።