ኣብ ገማገም ባሕሪ ብንፋስ ዝፈሪ ተተካኢ ሕርሻ ጸዓት እንታይ እዩ?

ቴርባይን

ጸዓት ሕብሪ የብሉን - ግን ምንጪ ኣለዎ። እቲ ካብ ነዳዲ ዝምንጩ ጸዓት ንኩነታት ኣየር ስለ ዝሃሲ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ተተካኢ ጸዓት ጸሓይን ንፋስን ዝምንጩ ሓምላይ ጸዓት እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ።

ዓለምና ብዋዕን ብከላ ኣየርን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ትርከብ ስለ ዘላ ከኣ ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ፡ ሃገራት ካብቲ ዝጸንሐ ኣገባብ መፍረ ጸዓት ነዳዲ ወጺአን ንክሊማ ናብ ዘይሃሲ ምንጪ ክሰጋገራ ብቐጻሊ ይጽውዑ ኣለው።

ዴንማርክ ኣብ ባሕሪ ብዝተኸለቶ ናይ ንፋስ ተርባይን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ን13,000 ስድራ ቤታት ኢንግሊዝ ጸዓት ክምግብ ዝኽእል ናይ 15 ሜጋ ዋት ጸዓት ከተቕርብ እያ።

እቲ ኣብ ባሕሪ ተተኺሉ ዘሎ ተርባይን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ እዩ።

ግን ከኣ ንነዊሕ ግዜ ክቕጽል ዝኽእል ኣይመስልን፤ ካብቲ ኵሉ ሰብ ዝተንበዮ ንላዕሊ ናህሪ ንፋስ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሚንጋንግ ዝተባህለ ቻይናዊ ትካል ብውሕዱ 16 ሜጋ ዋት ጸዓት ዘፍሪ መሳርሒ ከፍሪ ከም ዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ኣብ ሓደ መስመር ዘሎ ተርባይናት 8 ሜጋ ዋት ጥራሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ቬስታስ ሓላፊት ዕዳጋ ፍርያት ኣሪሊ ናስ፡ "እቲ ኩነታት ካብቲ እንደልዮ ንላዕሊ እዩ ዝቕልጥፍ ዘሎ። እቲ ኩባንያ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ተርባይናት ዝሰርሑ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ትካላት እዩ። ይኹን እምበር ምስ ምህናጽ ዓበይቲ ማሽናት ዝተሓሓዝ ሓድሽ ሕማም ርእሲ ከኣ ይጅምር ኣሎ'' ኢላ።

ወይዘሮ ናስ "እቲ ኢንዱስትሪ ንኹሉ ክወዳደር ዝደሊ ውሕሱን ዘተኣማምን ምዃኑን ከነረጋግጽ ኣሎና" ትብል።

ነቲ ተርባይን ንምትካል ዓበይቲ ሞርሳታትን፡ ነቲ መሳርሒ ዘጓዓዕዝን ንምትካሉ ዝሕግዝን መሳርሒታትን ከም ዘድሊ ተረድእ።

ድሕሪኡ ናብቲ ደረጃ እቲ ንምብጻሕ ከቢድ ወፍርን ሓያል ጻዕርን የድሊ። እንተኾነ ናይቲ ኣፍራይ ትካል ናይ ፋይናንስ ትውጊት እንተርኢና፡ ሓደ እኳ ካባና ገንዘብ ክረክብ ዝኽእል ኣይመስለንን።

"እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ " ትብል ሓላፊት ዕዳጋ ፍርያት ቬስታስ ኣውረሊ ናስ።

ኣውረሊ ናስ፡ ዓበይቲ ተርባይናት ምምዕባል ዓብዪ ቝጠባዊ ሓደጋ ከም ዘለዎ ትሕብር።

ይኹን እምበር፡ ናይ ኢንዳስትሪ ንፋስ ነቲ ጸዓት ናይ ምፍራይ ዝጸንሐ ገደብ ስለ ዝጠሓሶ እቲ ዝዓበየ ብርታዐኡ እዩ።

እቲ ስራሕ ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ክረአ ይከኣል እዩ። እቲ ናብ 20 ሜጋ ዋት ናይ ምዕባይ ዝግበር ቅድድም ክድንጕ ከም ዝኽእል ምልክታት ኣሎ።

ኣፈኛ ሲመንስ ጋይ ዶርል "ካብ ሓደ ናይ ንፋስ ሕርሻ ዝምንጩ ጸዓት ንሓደ ሚልዮን ኣባይቲ ከገልግል ምኽኣሉ ዘገርም እዩ" ይብል።

እቲ ኩባንያ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ካብ 14 ሜጋ ዋት ናብ 15 ሜጋ ዋት ንምዕባይ ዝሕግዝ ተርባይናት ክተክል መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።

"ሓንቲ ናይ 14 ሜጋ ዋት ተርባይን ንሓንቲ ተራ ሞዴል-3 ቴስላ ን352 ኪ.ሜ. (218 ማይል) ንክትዓዝ ዘኽእላ ጸዓት ከም ዝምንጩ ገይርና ኣሎና" ኢሉ።

ሓደ ካብ ጥቕሚ ዓበይቲ ተርባይናት ኣብ ንሸመታን ምትካሉን ዝግበር ወጻኢታት ዝሓሸን ስሉጥን ምዃኑ እዩ።

ን14 ሜጋ ዋት ተርባይንን ንኽልተ ነናይ 7 ሜጋ ዋት መሽናት ሓደ ናይ ሰረት መዋቕርን ኣግማድን ጥራሕ እዩ ዘድሊ።

ተርባይን

ምንጪ ስእሊ, VESTAS

ኣብዚ እዋን'ዚ ዓባይ ብሪጣንያ ኣስታት 10.5 ጊጋ ዋት (GW) ናይ ገማገም ባሕሪ ናይ ንፋስ ዓቕሚ ኣለዋ።

እዚ ዓቕሚ ግን ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከተዕብዮ ሓሳብ ኣለዋ።

ይኹን እምበር እቲ ጸዓት ነቲ ኣብ 2035 ግና ጽሩይ ተተካኢ ጸዓትን ዜሮ ኤሌትሪክን ንምፍራይ ገና እኹል ከም ዘይኮነ ኣብ ኢምፔርያል ለንደን ዝርከቡ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ብድሕሪኡ ግን ጠለብ ዓበይቲ ተርባይናት ብብዝሒ ከም ዝህልዉ ክግመት ከም ዝክኣል ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዝሰርሕ ክሪስቶፍ ዚፕፍ ይዛረብ።

ድሕሪ 20 ዓመት፡ 15 ሜጋ ዋት ከም "ገምጋም" ክረአ ይከኣል እዩ። ምናልባት ቅድሚኡ እውን ከጋጥም ይኽእል ይኸውን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ (North Sea)፡ ድሮ ብዶገር ባንክ 13ን 14ን ሜጋ ዋት ናይ ንፋስ ጸዓት ተርባይናት ንምህናጽ ዝተታሕዘ ፕሮጀክት ኣሎ።

ይኹን እምበር እዚ ቕርጺ እዚ ማዕረ ክንደይ ዓቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ገና ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብ ኩባንያ ቤስታስ ኣብ 15 ሜጋ ዋት ተርባይን ዘሎ ነብሲ ወከፍ ክንፊ 115.5 ሜትር ወይ ከኣ (379 ጫማ) ንውሓት ኣለዎ።

እዚ ማለት ከኣ ክንዲ እቲ ሓደ ካብ መለለይ ለንደን ዝኾነ ለንደን ታወር እዩ።

እቲ ቱቦ ናይቲ ተርባይን ንባዕሉ 236 ሜትር ሰንጣቒት ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ክንዲ እቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ 310 ሜትር ቁመት ዘለዎ ሻርድ ዝተባህለ ህንጻ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም፡ ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ተርባይን ክንድዚ ቁመቱን ስፍሓቱን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣሃዝ ዘቐመጠ ሰብ እንተዘየሎ፡ ፕሮፈሶፍ ሳይሞን ሆግ "ፍሉጥ ደረት ክህልዎ ኣለዎ" ይብል።

እቲ ቐንዲ ጸገም ነቲ መሽናት ምትካል፣ ምክትታልን ምጽጋንን እዩ በሃላይ እዩ። እቲ ዕቤት ናይ ብሓቂ ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሊምዝ እትምህር ፕሮፈሰር ዴቦራ ግሪቭስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝትከል ዘሎ ዕምቈት ዘለዎ ተርባይናት፡ "ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝፍጠር ከባቢያዊ ጽልዋ ገና ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣሎ" ትብል።

ኣውረልያ ናስ

ምንጪ ስእሊ, VESTAS

ናይ ንፋስ ተርባይናት ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም ዝተወሰነ ኣሉታዊ ጽልዋ እኳ እንተሃለዎ፡ መጠኑ ንምልካዕ ግን ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ኣብ ባሕሪ ዝትከል ዓበይቲ ናይ ንፋስ ሕርሻታት ኣቑሑ ክጓዓዓዝ እንከሎ ግጭትን ሓደጋን ከየጋጥም ብጥንቃቐ ክተሓዝ ኣለዎ ትብል።

ፕሮፈሰር ሆግ ብምውሳኽ ኣብ ባሕሪ ዝትከል ብኣማኢት ዝቝጸር ኣዝዩ ዓብዪ ተርባይናት ንምዕቃብን ካብ ርሑቕ ከባቢታት፡ ሓያሎ ኪሎ ሜትራት እናተጓዓዝካ ንምክትታሉን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ ይብል።

ድሕሪኡ፡ ቴክኒካዊ ምልሕጻጽ ኣሎ። እቲ ብሓቂ ዓብዪ ተርባይናት ካብ መሬት ርሒቑ እዩ ዝትከል፤ እዚ ማለት ግን እቲ ዘመንጭውዎ ኤሌክትሪክ ነዊሕ ርሕቀት ክጐዓዕዝ ኣለዎ።

ብዘይካ እዚ፡ እቲ ክንፊ ክሳዕ ክንደይ ክጥወን ክሕምበብን ከም ዝኽእል ውሱን እኳ እንተኰነ፡ ጽቡቕ ብቕዓት ንክህሉ ኣብ መንጎ ግዝፍን ቅልጣፈን ደረት ኣለዎ።

ብሓጺር ኣዘራርባ፡ እቲ ሎሚ ዓርሞሸሽ ተርባይናት ጽባሕ ንግሆ ንምጽጋኑን ምዕቃቡን ዝግበር ወጻኢ ክግደብ ይኽእል እዩ።

ከምቲ ናስ ዝበለቶ፡ "ብዛዕባ እቲ ንምትካሉ ዝግበር ቅድድም ቍሩብ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና"።