ቅልውላው ዩክረይን፡ ምስ ምውታት ተጸጋጊዕኻ ምንባር - ኣዝዩ ዘፍርሕ ተጓንፎ

ኣብቲ ጻዕዳ መንደቕ ቤት ትምህርቲ ያሂድነ፡ ብቐይሕ ሕብራዊ ኵርሽ ዝተሳእለ ዓውደ ኣዋርሕ ይርአ። ንነበርቲ 'ታ ዓዲ ኸኣ፡ ነቲ ትጽቢት ዘይተነብሮ ካብ መጋቢት 5 ክሳብ 2 ሚያዝያ ዝነበረ እዋን ራዕዲ የዘኻኽር።

ያሂድነ፡ 140 ኪሎ ሜትር ንሰሜን ሸነኽ ርእሰ ከተማ ኪቭ፣ ካብ ከተማ ቸርኒቭ ውጽእ ኢላ፣ ኣብ ዶብ ቤላሩስን ሩስያን እትርከብ፣ ንዳርጋ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ሩስያ ዝነበረት ቁሸት እያ።

እቶም ወተሃደራት ናብታ ዓዲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ገለ 130 ዝዀኑ ሰብኡት፡ ኣንስትን ህጻናትን ብኣፈሙዝ ኣገዲዶም ኣብ 65 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓታ ክፍሊ ትሕቲ ምድሪ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንኣርባዕተ ሳምንቲ ኣጽኒሖምዎም።

ሚኮላ ክሊምቹክ ዝተባህለ ወዲ ስሳ ዓመት ሰብኣይ ከኣ ካብኣቶም ነይሩ። ነቲ ዝነበረዎ ክፍሊ ከርእየና ፍቓደኛ ኰይኑ፣ ንታሕቲ ክንወርድ እንከለና፡ ዝሃድሃደ ብትንሕ ይሽትት ነይሩ። እቲ ክፍሊ ኣመና ረሳሕ፡ ገለ መተርኣሳት፡ ክዳውንቲ፡ ጫማታትን መጻሕፍቲን ፋሕ ኢልዎ፣ ዝተዓጽፉ ዓራውቲ፡ ገለ ኣቝሑ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ይረኣዩ።

ሚኮላ ብቐጥታ ናብ ሓንቲ ጸግዒ ወሰደና።

"እዚኣ ፍርቂ ሜትሮ ትኸውን ኣነ ዝነበርኩዋ ቦታ እያ። ኣብዚኣ እድቅስን ደው እብልን ነይረ፡" ይብል። ንእለቱ ሕንቕንቕ ኢሉ ክበኪ ጀመረ፣ "ንኸይወድቕ ብሻርባይ ነብሰይ ኣብዚ ኣሲረዮ፣ ን25 ለይቲ ብኸምዚ ጸኒሐ።"

ኣብ ርእሲ ሰብ ምእንቲ ከይትወድቕ ብዙሕ ኣይትንቀሳቐስን ኢኻ። 40-50 ዝዀኑ ህጻናት፡ ንኣሽቱ ቈልዑ ከይተረፈ ከም ምሩኻት ተሓሲቦም ኣብዚ ተታሒዞም ነይሮም። እቲ ዝነኣሰ ወዲ ክልተ ወርሒ ነይሩ።

ወተሃደራት ሩስያ፡ ኣብ ቸርኒቭ መጥቃዕቲ ምስ ከፈቱ፡ ንከም ያሂድነ ዝኣመሰላ ኣቝሻት ብቕጽበት እዮም ተቘጻጺሮምወን። ንሰሙናት ዝኣክል፡ ኣብታ 300 ሽሕ ህዝቢ ዝነብራ ከተማ፡ ተቓውሞ ስለዝገጠሞም ኣኽቢቦም ብዘይዕረፍቲ እዮም ደብዲቦምዋ። ነቲ ምስ ኪቭ ዘራኽብ ቢንቶ'ውን ኣፍሪሶምዎ፣ ነበርቲ መህደሚ ዘይብሎም ከኣ ገይሮምዎም።

ሕጂ ግን፡ ኣብ ኪቭ ድሕሪ ዘጋጠሞም ተደጋጋሚ ስዕረት፡ ሩስያውያን ከንሳሕቡ ተገዲዶም ኣለው። ቢቢሲ ድማ ኣብቲ ቦታ ቀዲመን ካብ ዝበጽሓ ትካላት ዜና ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘጋጠመ ኵነታት ክዕዘብ ክኢሉ'ሎ። ኣብ ጥቓ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ግን፡ ሓይልታት ሩስያ ከይምለሱ ኣብ ስግኣት እዩ ወዲቝ።

ናስታሲያ፡ ምስ ኣቦኣን ዓባያን ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ ተዳጕና ዝነበረት፡ ጓል ሓምሳ ዓመት ሰበይቲ እያ።

"ቦታ ዳርጋ እይነበረን፡ ንድቅስ፡ ኮፍ ንብል፣ በቃ ከምኡ እናበልና ኢና ኔርና። ብዙሕ ኣጽዋር ኣብ ከባቢና ይዓልብ ነይሩ። ፈጺሙ ዘይጽወር እዩ ነይሩ፡" ትብል።

እቲ ኽፍሊ መተንፈሲ ኣይነበሮን፡ እተን ክልተ መሳዂቲ'ውን ተለኲተን ነይረን።

"ኣብተን ኣብዚ ዝጸናሕኩለን መዓልታት፡ 12 ሰባት ሞይቶም፡" ይብል ሚኮላ።

ምስ ምዉታት ምንባር

መብዛሕትኦም ዓበይቲ እዮም ነይሮም። ጠንቂ ሞቶም እንታይ ምዃኑ 'ኳ ብርግጽ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ፡ ብሕጸረት እስትንፋስ ተዓፊኖም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ግን ሚኮላ ይግመት።

ወተሃደራት ሩስያ ስለዘይፈቐዱ፡ ሰባት ምስ ሞቱ ሬሳታት መዓልታዊ ክለዓል ኣይተኻእለን። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ደገ'ውን ዕረፍቲ ዘይነበሮ ተዅስን ደብዳብን ስለዝነበረ፡ ሓደገኛ'ውን እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ቈልዑን ህጻናትን ዝነበርዎም ሕዩራት፡ ንሰዓታት ሓሓሊፉ'ውን ንመዓልታት ምስ ሬሳታት ክድቅሱ ይግደዱ ነይሮም።

"ኣመና ዘፍርሕ ኵነታት እዩ ነይሩ፣ እቶም ዝሞቱ ሰባት እፈልጦም እየ፡" ትብል ኣናስታሲያ። "ጽቡቕ እዮም ዝከናኸኑና ነይሮም፣ ዘሕዝን እዩ ኣብዚኣ ንዋያ ጠፊኦም።"

"ኣብ ንቡር ህይወት ኣይምመቱን ነይሮም፣ ፑቲን ገበነኛ እዩ፡" ይብል ሚኮላ።

"ኣእጋረይ ክሓብጥ ጀሚሩ ነይሩ። ክነብር ኣለኒ ዝብል ኒሕ ሒዘ ግን፡ ምስ ነብሰይ እሓስብ ነይረ፣ ንጓለይን ንኽልተ ደቂ ጓለይን ክነብረለን ኣለኒ።"

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት፡ ሳንኬሎታት ክጥቀሙ እንተዘይኰይኑ ሽቓቕ ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቶም ወተሃደራት በጃ ምእንቲ ክዀንዎም ሰባት ካባና ይወስዱ ነይሮም፡" ይብል ሚኮላ። ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ፡ ኣብ ደገ ወጺኦም መግቢ ክሰርሑ ጥራይ ይፈቕዱሎም። እታ ዓዲ ግን እኹል ትሕዝቶ መግብን ማይን ነይርዋ።"

ሓደ ካብ ወተሃደራት ሩስያ ንሚኮላ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ንኪቭ ክቈጻጸርዋ እሙን ገይሮምዎ ከም ዝነበረ እዩ።

ሰብካ ኣብ መቓብር ምእላሽ

ሓይልታት ሩስያ፡ ብ 03 ሚያዝያ ካብ ያሂድነ ኣንሳሒቦም።

ኣብዚ እዋን እታ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ዩክረይን እያ ዘላ። መብዛሕትኦም ካብዞም ተዳጕኖም ዝነበሩ ካብቲ ከባቢ ግዒዞም እዮም።

"ለይተ-ለይቲ ብቐጻሊ እየ ዝብህርር፣ ድምጺ ተዅሲ እሰምዕ'ሞ ከምዚ ናብ ወለደይ ዝሃድም ዘለኹ ኰይኑ እስምዓኒ፣ እፈርሕ፡" ትብል ኣናስታሲያ።

ሓይልታት ሩስያ ንከም ያሂድነ ዝኣመሰላ ኣብ ከባቢ ቸርኒቭ ዝርከባ ዓድታት ዘኽበቡሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ መወዳእታ ነታ ከተማ ንምቍጽጻር ብምሕላን'ኳ እንተነበረ፡ ክዀነሎም ግን ኣይከኣለን። ኰይኑ ግን ብዙሕ ዕንወት ኣስዒቦም፣ ክሳብ 350 ሲቪል ሰባት ድማ ተቐቲሎም እዮም።

ሓይልታት ሩስያ ካብ ቸርኒቭ ካብ ዘንሳሓቡሉ ግዜ፡ ወለንተኛታት ንዝሞቱ ይቐብሩ ኣለው። ሓደ ክፋል እቲ መቓብር ከኣ ብሓደስቲ መሊኡን መለለዪ ምልክታት ተገይሩሉ ይርከብ።

እቶም ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤታት፡ ኣብቲ መቓብር እናመጽኡ ድማ ኣዝማዶም ከናድዩ ይረኣዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዝሓበሮ፡ ሓደ ስታድዩም 'ቲ ከባቢ ብደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ተወቒዑ'ሎ። ኣብቲ ከባቢ'ቲ ስታድዩም፡ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ጥንታዊ ህንጻ ዝነበረ ቤት ንባብ ህጻናት'ውን ሕሱም ዓንዩ'ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ቸርኒቭ፡ ኣብ ኖቨሰሊቭካ እውን ብዙሕ ዕንወት ይርአ።

ኣባይቲ ክህነጸሉ ኣብ ዝግባእ ዝነበረ ከባቢ፡ ኩምራ ኣእማንን ሕጡብን፣ ክዳውንቲ ቈልዑ፡ ዝተፈላለየ ሌጎታትን መጻወትን ፈቘደኡ ፋሕ ኢሉ ይርአ።

ኣብቲ መገዲ ድማ ፍሓር ቦምባታት ብብዝሒ ይርአ።

"ስለምንታይ ዘየጠንቅቝና?"

ሓንቲ ሰበይትን፡ ሓደ ህጻንን ኣብ ብሽክለታ ኰይኖም ንክንስዕቦም ምልክት ገበሩልና።

ጓል ስሳን ክልተን ዓመት ኒና ቪኒክን፡ ወዲ 10 ዓመት ወዲ ጓላ -ዳኒሎን፡ ነታ ኵሉ ነገራን ከባቢኣን ዓንዩ፡ ንእሽቶ መጽለሊ ጥራይ ዘተረፈታ ገዛኦም ከርእዩና ደለዩ።

እታ ጓል 39 ዓመት ጓላ ንኒና - ኣደኡ ነቲ ቘልዓ - እግራ ተቘሪጹ ኣብ ሆስፒታል እያ ዘላ።

ገዛአን ክድብደብ እንከሎ፡ ነብሰን ንኸድሕና ናብ ካልእ እንዳ ዘመድ እየን ሃዲመን፣ እንተዀነ እቲ ከጽልለን ዝሓሰባኦ ገዛ'ውን ተደብዲቡ።

በቲ ደብዳብ ብዙሓት ዝተፈላለየ ማህረምቲ ከም ዝወረዶም ትገልጽ ኒና፡ "ጓለይ፡ 'ማማ ማማ፡ እግረይ የላን፡' እናበለት ከተእዊ እንከላ ርእየያ፣ ኣሰቃቒ ኵነታት እዩ ነይሩ፡" ትብል።

"ሕልሚ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ክኸውን ኣይነበሮን፡ መንግስቲ ስለምንታይ ዘየጠንቅቐና? ስለምንታይ ዘየውጽኡና?" ትብል ኒና።

ኣርባዕተ ወለዶኦም ኣብታ ገዛ እዮም ነቢሮም፣ "ኣብ ሓደ ቅጽበት ግን ኵሉ ነበረ ዀይኑ፣ ዝተረፈ የለን። ኣበይ ከም እንነብር'ውን ኣይፈልጥን፡" ትብል።

ንጓላ ዘድሊ ሕክምና ሰብ-ሰርሖ መሓውር ክትከፍል'ውን ዓቕሚ የብላን።

ሩስያ ከም እትብሎ፡ ንሲቪላውያን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከምዘይገበረት እዩ። "ፑቲን ኵላ ነብሱ ሓሶት እያ፣ እግሪ ዘይብላ ጓል ግን ኣብ ሆስፒታል ኣላ፣ እዚ ሓቂ እዩ።

"ፑቲን ንሕክምናኣ ይኽፈል፣ ነዚ ቤት'ውን ደጊሙ ይህነጽ. . ." ትብል ኒና።