ኣብ ዓቢ ጽርግያ ብናይ ኣስቤዛ ዓረብያ ብድሕሪ ናይ ነዳዲ ቦጥ ክጓዓዝ ዝተራእየ ሰብ ብፖሊስ ይድለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ሓደ ዓቢ ጽርግያ ኣብ ናይ ኣስቤዛ ዓረብያ (ትሮሊ) ተሰቒሉ ክጓዓዝ ምርኣዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዘራርብ ኣሎ።
እቲ ብፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝድለ ዘሎ ሰብ፡ ኣብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ዓባይ ቦጥ ነዳዲ ተደጊፉ ክኸይድ ተራእዩ።
ነቲ ኩነታትን ሓደገኛነቱን ዝተዓዘቡ ተጓዓዝቲ ከይተገረሙን ከይሰንበዱን ኣይተረፉን።
ገለ'ውን ነቲ ኩነታት ብቪድዮ ቀዲሖም ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዘርግሕዎ፡ የዘራርብ ኣሎ።
ነዘ ዝተዓዘበ ፖሊስ ብወገኑ፡ ብዛዕባ መንነት ናይቲ ሰብ ሓበሬታ ንምርካብ ንህዝቢ ሓቲቱ'ሎ።
እቲ ብሰንበት ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ሓደ ማይ ዝሃረሞ ጽርግያ ዝተፈጸመ ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ነቲ እታ ናይ ነዳዲ ቦጥ ትፈጥሮ ዝነበረት ናይ ማይ ጸፍዒ ብኸመይ ከምዝተጻወሮ ዘገርም ምዃኑ'ውን ገለ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጻሕፉ ርእይቶታት ገሊጾም ኣለዉ።
"ኣብዘ እዋን'ዚ ብዛዕባ'ቲ ብድሕሪ'ት ተሰቒሉ ከምዝኸደ ዝገልጽ ፍጻመ መርመራ ይካየድ ኣሎ። እቲ ተሳሒቡ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሕጊ ክቐርብ'ዩ" ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ትራፊክ ሰሎ ማረማነ ከምዝተዛረበት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጠቒሶም።
ተጓዓዝቲ "ኣብ ክንዲ ሂወቶምን ሂወት ካልኦት ተጓዓዝትን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀሙ" እውን እታ ኣፈኛ ኣተሓሳሲባ።
እቲ ፍጻመ ዝተራእየሉ ጽርግያ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ብናህሪ ዝጓዓዛሉ ሓደ ካብ ዓበይቲ መስመራት እታ ሃገር ብምዃኑ፡ እቲ ውልቀሰብ ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ሓደገኛ ስጉምቲ ወሲዱ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ንካልኦት ዝተገረሙ ተጓዓዝቲ ሰላምታ ይህቦም ምንባሩ'ውን ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይርአ።
ብድሕሪ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ከይተራእዩ ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት ምርኣይ ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናይ ድኳን ዓረብያ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም'ዩ።
ገለ ተረካብ ዘረባ ዘይሳኣኖም በቲ ኩነታት ዝተገረሙ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ድልዳለ ናይታ ኣብ ኣፍደገ ዓበይቲ ድኳናት እትርከብ ዓረብያ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ሰብ ብሂወት ኣሎዶ የሎን ክፈልጡ ከምዝደልዩ ጽሒፎም።
ኣብ ማእከል ዓቢ ጽርግያ እናተጓዕዘ ብትራፊክ ፖሊስ ወይ ካሜራታት ክረአ ብዘይምኽኣሉ ዝተገረሙ'ውን ኣይተሳእኑን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







