ስፖርት: ዕዉታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ኣስመራ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ዓቢ ዓወት ድሕሪ ምጉንጻፍ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ፡ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ብዙሕ ህዝቢ ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ብምምጻእ ኣሰንይዎም ናብ ማእከል ከተማ ኣትዮም። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ሻርም ኣል-ሼክ ኣብ ዘካየደቶ መበል 18 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ 7 ወርቂ: 6 ብሩር 2 ነሓስ መዳልያታት ዓቲራ'ያ ተመሊሳ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ታሪኽ ዝሰርሐ ፍሉጥ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ'ውን ምስቶም ናይ ግብጺ ብጾቱ ኣስመራ ኣትዩ'ሎ።
ወዲ 21 ዓመት ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ውድድር፡ ንሓያል ንፋስ በዲሁ ንመቀዳድምቱ ብገፊሕ ስዒሩ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ።
ሄኖክ ምሉብርሃን 6ይ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ነዚ ክብሪ ዝበቕዐ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ 2010 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ 2011 ከምኡ'ወን 2012 ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ብ2013 ተስፎም ዑቕባማርያም፣ ኣብ 2018 ኣማኑኤል ገብረእግዚኣቢሄር: ከምኡ'ውን ኣብ 2019 መኽሰብ ደበሳይ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ኤርትራውያን እዮም።ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ 20-27 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ክለብ ድሮን ሆፐር ኣድሮኒ ጂዮካቶሊ ብጫ ማልያ ዝወሰደሉ ዙር ርዋንዳ ካብ ሸሞንተ መድረኻት ሓሙሽተ ግዜ ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ብምእታው ዘለዎ ብቕዓት ኣመስኪሩ።
ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ምስ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ኮይኑ ንኻልኣይ ግዚኡ ዕዉት ብጫ ማልኣ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን'ውን ሎሚ ምስዛ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ።ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ውድድር ታሪኽ ዝሰርሐ ፍሉጥ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ'ውን ምስቶም ናይ ግብጺ ብጾቱ ናብ ሃገሩ ኣትዩ'ሎ። ቢንያም፡ ኣብቲ ዝተሳተፎ ናይ በልጂም (ገንት-ወቨለገም) ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ዓለም ይዛረባሉ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
እቶም ተቐዳደምቲ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፡ ጎደናታት ብኣፍቀርቲ ውድድር ብሽክሌታ መሊኡን ብባንዴራ ወቂቡን፡ ብመካይንን ሞቶር ብሽክሌታትን ተዓጂም ናብ ማእከል ከተማ ኣምሪሖም።
ካብ ሰብመዚ ስፖርት ድማ ሕቋፍ ዕምባባን ናይ ዮሃናን መልእኽትታት ተቐቢሎም።
ቅድድም ብሽክሌታ ኣብ ኤርትራ ሓያል ሰረትን ደገፍን ዘለዎ ዓይነት ስፖርት ኮይኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ስም እታ ሃገር ዘጸወዐ ምዃኑ ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







