እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ‘ገበን ኲናት' ክኸውን ይኽእል’ዩ- ሂዩማን ራይትስዎች
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ልዕሊ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝርከብሉ ቤት ትምህርቲ ዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 'ገበን ኲናት' ክኸውን ከም ዝኽእል ሂዩማን ራይትዎች ገሊጹ።
እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ኲናት ትግራይ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን [ሰብ ኣልቦ ነፋሪት] 57 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 42 ከም ዝቖሰሉን ሓቢሩ።
መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ብምግባር እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተትቲ ክገብር ሓቲቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሰራሕኛታት ረድኤት ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 56 ሰባት ተቐቲሎም ምባሎም ይዝከር።
ብምኽንያት እቲ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝፍጽሙዎ ዘለው ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ መንግስታት ሃገራት ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ተጻባእቲ ሓይልታት መሸጣ ኣጽዋር እገዳ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
"ድሮን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ደደቢት ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሰለስተ ግዜ መጥቃዕቲ ፈጺማ፤ በዚ መብዛሕትኦም ካብ ፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሑ መዕቆቢ ቦታታት ደቂሶም ዝነበሩ ኣረጋውያን፣ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ሞይቶምን ቖሲሎምን" ክትብል ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባደር ገሊጻ።
ወሲኻ ኣብቲ ከባቢ "ወተሃደራዊ ዒላማ ምህላው ከየረጋገጽካ ቦንባ ምጥቃም ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢላ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለን ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባብታት ትግራይን ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ነዚ ናይ ሂዩማን ራይትስዎች ክሲ ምላሽ እንተዘይሃበ'ኳ፡ ንዝገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ንመሰልጠኒ ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ከም ዝገብር እዩ ዝገልፅ።
ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ረጽሚ ተጸሚዶም ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ሒዞምዎም ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዘንስሓቡ ምስ ገለጹ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝበርትዐ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቻሌት ካብ 22 ሕዳር ክሳብ 28 ለካቲት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ትግራይ ብዝፈጸሙዎ ደብዳብ ነፈርቲ 304 ሰባት ከም ዝሞቱን 373 ከም ዝቖሰሉን እሙናት ጸብጻባት ከም ዝበጽሑዋ ገሊጻ ነይራ።
እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ዝተፈጸመ ክልተ ደብዳብ ነፈርትን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ መዓስከር ማይ ዓይንን ከምኡ'ውን ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝርከቦ'ዩ።
ደደቢት ካብ ከተማ ሽረ 70 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ሂዩማን ራይትስዎች ኣብቲ ማእከል ተመዛበልቲ ንዝነበሩ ግዳያትን ስድራ ግዳያትን፣ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓካይምን ከም ዘዘራረበን ምስልታት ሳተላይት ከም ዘመሳኸረን ኣብሪሁ።
እቲ ትካል ኣብቲ ማእከል ወተሃደራዊ ዒላማ ክኸውን ዝኽእል ነገር ከም ዘይረኸበ ክገልጽ እንከሎ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ሰለኽለኻ ክሰጋገሩ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።
ኣብቲ 16 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ኣሽሓት ከም ዝሞቱን ሚሊዮናት ከም ዝተመዛበሉን ክግለጽ እንከለ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዝርከቡ ኣስታት 10 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮምን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት'ውን ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ዓለምለኻዊ ትካላት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።