ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝተብሃላ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ኣበይ በጽሓ?

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ረድኤትን ነዳድን ዝጸዓና መካይና ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከም ዝጀመራ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብሓሙስ 20 ረድኤት ዝጸዓና ከምኡ'ውን ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከም ዝጀመራ ሓቢሩ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ድሌት ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ መዓልታዊ 20 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምዃነን የረድእ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ [ብ10ን 11ን መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ] መዕረፊአን ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ዝኾና ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ካብ ሰመራ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ።

ኣበይ በጽሓ?

ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዘዘራረቦ ምስክር ዓይኒ፡ እተን ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝተብሃላ 23 መኻይን ብነበርትን ዕጡቓትን ዓፋር ካብ ጉዕዞ ከም ዝተኣጓጎላ ተዛሪቡ።

እተን መኻይን ስልሳ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ክልል ዓፋር ምስበጽሓ እቶም ነበርትን ዕጡቓትን መገዲ ብምዕጻው ነቲ እኽሊ ከራግፉ ከምዝረኣየ'ውን ሓቢሩ።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ግን፡ እተን ብሓሙስ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ዝጀመራ 23 መኻይን ካብ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ስለዝተኸፈተ ከም ዝተመለሳ እዩ ዝኸስስ።

ኣብተን ናብ ትግራይ ዝኸዳ ዝነበራ መኻይን ብነበርትን ዕጡቓትን ዓፋር ዝበጽሓ ምትእጉጓል ከም ዘይነበረ ዝዛረብ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ተርእዮታት ግን ናብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባብታት ዓፋርን ኣብ ዝለኣኻ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ሓሓሊፉ ከም ዘጋጥም እዩ ዝዛረብ።

ናብ ትግራይ ዝለኣኻ መኻይን ብሓይልታት ትግራይ ዝተኣጓጎላሉ ኩነታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን እተን መኻይን ደው ኢለን ከምዝርከባ ተዛሪቡ።

"እቲ ወራሪ ሓይሊ ብኣብዓላ ኣቢሉ እዩ ዝኣትዉ። ንኣብዓላ ሓዊሱ ንኣርባዕተ ወረዳታት ብምቁጽጻሩን ነቲ ከባቢ ብምዕፃዉን እተን ናብ ትግራይ ዝኸዳ ዝነበራ መኻይን ተመሊሰን ኣለዋ" ክብል ተዛሪቡ።

ሓይልታት ዓፋር ብሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ እናተገበረሎም ንሓይልታት ትግራይ ደፊኦምዎም ስለ ዝነበሩ መንገዲ ክኸፈት ይኽእል'ዩ ብዝብል ተስፋ እተን መኻይን ክብገሳ ከምዝተገበረ ድማ ኣረዲኡ።

"ደሓር ግን ዳግም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ተኣኻኺቦም ብምምጻእ ነቲ መንገዲ ብምዕጻዎም'ዩ እተን መኻይን ዝተመለሳ" ክብል ንሓይልታት ተሓተትቲ ገይሩ'ሎ።

እተን መኻይን ብሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸመን ክምለሳ ተገዲደን ንዝብል ክሲ ብወገን መራሕቲ ትግራይ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ረድኤት ብኽፉት ክንቀሳቐስን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን ብትዊት ኣብ ዘሕለፎ መልክእኽቲ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ዝኣተወት ዋላ ሓንቲ ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ከምዘየላ ጠቂሱ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መኻይን ልኢኸለኹ ምባሉ ከምዝሰምዑ ብምዝኽኻር ድማ "ካብ ሰመራ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ መገዲ እዩ። እተን መኻይን ደኣ ኣበይ ኣለዋ?" ክብል ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መኻይን ከም ዘየለዋ ኣረጋጊጹ'ሎ።

መኻይን መዓዝን ኣበይን እየን ክሓልፋ ዘይከኣላ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክልል ዘይእዉጅ 'ኩለንተናዊ ዕጽዋ' ተኣዊጁ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ፡ መዓልታዊ፡ 100 ተሽከርከርቲ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘለዎን ዝኣመን ኮይኑ፡ ዛጊድ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝተጉዓዛ የመልክት።

እተን ብሓሙስ ተበጊሰን ዝተብሃላ 23 መኻይን ሽዕ ንሽዑ ከም ዝተመለሳ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

"እቲ መገዲ ቀረባ ስለዝኾነ ካብ ሰመራ ተበጊሰን ዝተወሰነ ኪሎሜትራት ምስከዳ ተኺሲ ከፊቶም። ናይ ኣብዓላ ኮሪደር ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ እቲ ተኹሲ ተኸፊቱ። ካብ ሰመራ መቐለ ኣስታት 180 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣለዎ። ኣብዓላ መቐለ ድማ 40 ኪሎሜትር ይርሕቕ። ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ተኹሲ ስለዝኸፈቱ እተን መኻይን ክምለሳ ተጌሩ" ኢሉ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ።

ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ከኣ ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዓ ሓቢሩ።

ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢቢሲ ብኢሜይል ኣብ ዝልኣኸ መልሲ "ናብ ትግራይ ዘይኮነ ኣብ ዓፋር ንዘለው ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ተንቀሳቒሰን ነይረን" ኢሉ።

ይኹን'ምበር እተን ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝሓሰብኦ ቦታ ከይበጽሓ ኣብ ውሽጢ ዓፋር ዘለው "ኣባላት ሕብረተሰብ" ንከይሓልፋ ስለ ዝገበሩ ምስ ጽዕነተን "ብሰላም ናብ ሰመራ ተመሊሰን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣረዲኡ።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ብወገኑ እተን ካብ ሰመራ ናብ ትግራይ ዝተበገሳ ምስተን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝገለጸን መኻይን ዝራኸባ ከምዘይኮና ገሊጹ'ሎ።

"ብነበርቲ እቲ ከባቢ ኮነ ዕጡቓት ዓፋር ኣብተን ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝነበራ ዝተፈጸመ ምትእጉጓል የለን ኢሉ።

ሓይሊታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ይኽልክሉ ምህላዎም፡ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ጸኒሖም'ዮም።

እንታይ ኣማራጺ ይህሉ?

ነቲ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሖ እንታይ ኣማራጺ ክህልወኩም ይኸውን? ዝብል ሕቶ ንዶክተር ለገሰ ኣቕሪብናሉ ኔርና።

"መንግስቲ ነቲ ብመገዲ መኪና ምብጻሕ ዘይተኽኣለ ረድኤት ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነፋሪት ኣቢሉ ብውሕድ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ክመላለስ ይገብር ኣሎ። ፍቓድ በረራ ኣየር ስለዝሃበ ብዘይገለጸ ጸገም ኣብ ምብጻሕ ይርከብ" ኢሉ።

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ተወሳኺ መድሓኒት ከእቱ ዛጊድ ከምዘይተፈቕደሉን ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላጥቸ መገዲተይዓጽዉ ከም ዘለዉን ደጋጊሙ ይገልጽ ኣሎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ካብ ዶ/ር ቴድሮስ ዝቐርብ ክሲ ይነጽጎ።

መንግስቲ ኣብ ከባቢ ዓፋር ናብ ዘሎ ጎንጺ ኢዱ ከእትው ድልየት ከም ዘይብሉ ዝሓበረ እቲ ወሃቢ ቓል፡ "እቲ መንገዲ ተኸፊቱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ከባቢኡ ከይተፈናቐለ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ረድኤት ንኽበጽሖ እዩ ድልየት መንግስቲ" ክብል ተዛሪቡ።