ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ረድኤት የለን ኢሉ

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነዳድን መግብን ዝጽዓና ተሽከርከርቲ ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ናብ መቐለ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ [ብ10ን 11ን መጋቢት 2914 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ] መዕረፊአን ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ዝኾና ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ካብ ሰመራ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ብኢሜይል ኣብ ዝልኣኸ መልሲ "ናብ ትግራይ ዘይኮነ ኣብ ዓፋር ንዘለው ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ተንቀሳቒሰን ነይረን" ኢሉ።

ይኹን'ምበር እተን ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝሓሰብኦ ቦታ ከይበጽሓ ኣብ ውሽጢ ዓፋር ዘለው "ኣባላት ሕብረተሰብ" ንከይሓልፋ ስለ ዝገበሩ ምስ ጽዕነተን "ብሰላም ናብ ሰመራ ተመሊሰን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣረዲኡ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና 20 ከምኡ'ውን ሰለስተ ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ብሓሙስ 08 መጋቢት 2014 ካብ ሰመራ ናብ መቐኀ ይኸዳ ኣለዋ ኢሉ ነይሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ግን፡ ኣብ መግለጺኡ መንግስቲ ፌደራል ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ሃናጺ ተራ የበርክት ኣሎ ብምባል ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ክልል ዓፋር ብዝኸፈቱዎ ኲናት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነ መስመር ኣብዓላ ስለ ዝተዓጽወ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተሰናኺሉ ኢሉ።

ብተወሳኺ ካብ 7 መጋቢት 2014 ጀሚሩ 17 ትካላት ረድኤት መድሃኒት፣ ናውታት ሕክምናን ቐረብ መግብን ናብ ትግራይ ንከጉዓዕዙ ፍቓድ ረኺቦም ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ረድኤት የለን ዝበለ ኮይኑ፡ 83 ሚኢታዊት ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ከምዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘለየ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ቀረባ ግን መንግስቲ ፌደራልን ሰብ መዚ ክልል ዓፋርን ረድኤት ናብቲ ክልል ንክኣቱ ምፍቃዶም ዝተባባዕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ምስ ኣመራርሓ ፌደራልን ክልላትን ብሓባር ከም ዝሰርሑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ገሊጹ ነይሩ።