ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዲጂታላዊ ትምህርቲ ክሰፍሕ ዝሰርሕ ፕሮጀክት

ኣደ ምስ ደቃ

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው እንከለው፡ መምሃራን ተመሃሮኦም ዝመሃሩሎም ናውታት ማሕበራዊ ናይ መልእኽቲ መለዋወጢ መተግበሪታት ተጠቒሞም ናብ ስድራቤታት ክልእኹ ጀሚሮም።

ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ስድራቤታት ዲጂታላዊ ኣቑሑትን ብርሕቐት ንምምሃር ዝሕግዙ ናውታትትን ዘይብሎም ስለ ዝኾኑ ምቹእነት ኣይነበሮን።

"ብዙሓት ቆልዑ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ገሊኦም ንሓደ ዓመት ዝኣክል፡ ከይተመሃሩ ኣብ ገዛ ከፍ ኢሎም፡ " ትብል ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒት መምሃራን እንቁ።

እቲ ለበዳ፡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ክፍተት ስርዓት ትምህርትን መሓውርን ክቃላዕ ገይሩ እዩ።

ሚሊዮናት ተመሃሮ፡ ብቐንዱ እቶም ሕጽረት ዲጂታላዊ ክእለት ዘለዎም ህጻናትን መናእሰይን ትምህርቲ ምስ ተዓጸወ ተገዲቦም እዮም።

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ህጻናት ኣፍሪቃ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ተዓጸዋ ትምህርቲ ዝብሃል ኣይረኸቡን።

ገሊአን ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ናይ ርሕቐት ትምህርቲ እውን ክህባ ኣይክኣላን።

እተን ክህባ ዝኽእላ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ተመሃሮአን ወይ መምሃራነን ሕጽረት ናውታት፣ ኢንተርነትን እኹል ክእለትን ከም ዘለዎም ተገንዚበን።

ክፍተት ዲጂታላዊ ትምህርቲ፡ ነቲ ኣብቲ ኣህጉር ኣቐዲሙ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣዐርዩ ክጋደድ ዝገበረ ኮይኑ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ተመሃሮ ጥራይ ኣብ ትምህርቶም ክቕጽሉን ካልኦት ድማ ዕድል ክረኽቡ እንከለው ምስ ዝኣረገ መጽሓፍ ወይ ኣማራጺ ምስኣን ክቃለሱን ገይሩ እዩ።

"ቅድሚ ኮሮናቫይረስ 'ብዲጂታላዊ መገዲ ከመይ ኣቢልና ክንመሃር ንኽእል?' ዝብል ንሓስበሉ ነይርና" ይብል ኣብ ኢትዮጵያ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ዝናቡ።.

ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ብዝተፈላለየ ፕሮጀክት ዓለምለኻዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ምስ ዩኔስኮን መንግስትን ብምትሕብባር ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ኣብ ምሕጋዝን ክእለት ኣብ ምህናጽን ይነጥፍ ኣሎ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ጋናን ተጀሚሩ ይስርሓሉ ኣሎ።

እዚ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ እተን ሃገራት ተጻዋራይ፣ መጻኢ ዝእምት ስርዓት ትምህርቲ ክህልወን፣ ዲጂታላዊ ቤተ ንብባ ክህልወን፣ ተመሃሮ ዲጂታላዊ መተግበሪታት ከመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ ዝብልን መምሃራንን ክኢላታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን የሰልጥን ኣሎ።

እዚ፡ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዲጂታላዊ ስግግር ክመጽእ ዝሕግዝ ኮይኑ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ክፉትን ንኹሉ ተበጻሕን ንክኸውን፡ ዝኾነ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኩሉ ናይ ትምህርቲ መሰል ክረኽብ ምኽኣሉ ንምርግጋጽ ዘኽእል ክኽውን እዩ።

ኣብ ግብጺ፡ እቲ ትኹረት ኣብ መምሃራን ኮይኑ ካብ 20 ክሳብ 40 ክኢላታት ዲጂታላዊ ትምህርትን መምሃራን 1000 መባእታውን ካልኣይን ብርኪ ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ስልጠና ን12 ሽሕ መምሃራንን ተመሃሮን 9ይን 10ይን ክፍሊ 24 ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ እዩ።

ኣብ ጋና ክኣ እቲ ትኹረት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ዘለው መምሃራን ተምሃሮን ተበጻሕቲ ምግባር ኮይኑ 10 ኣብያተ ትምህርትን 1300 ተመሃሮን መምሃራንን ዝሸፈነ ክኸውን እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ንኹሎም ዓይነታት ትምህርቲ ዲጂታለዊ ትሕዝቶ ዝፈጥር ኮይኑ መምሃራን ዝኾነ ትሕዝቶ ዝሰቕልሉ ተመሃሮ ድማ ነዚ ኣብ ኦንላይን ይኹኑ ካብ ኢንላይን ወጻእ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ ትሕቲ #ቴክ4ኤጁኬሽን ዝተባህለ ፕሮግራም ሁዋዌ፡ #ቴክ4ኦል ኮይኑ ኣብ ዓለም ዘሎ ዲጂታላዊ ምክፍፋል ንምጽባብን ጽፉፍን ማዕርነታውን ትምህርቲ ንክህሉ ዝሰርሕ ዓለምለኻዊ ፕሮጀክት እዩ።

ቴክ4ኦል፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንድሕሪት ክተርፍ የብሉን ዝብል ቀሊል ልኡኽ ከዐውት ይደሊ።

ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓዞት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ምርግጋጽ ጽርየት ትምህርቲ ንምዕዋት እውን ይሰርሕ።

"ኣብያተ ትምህርቲ ንምርኻብ፣ ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ሕሳብን ዘለው ዲጂታላዊ ትምህርታት ንምሕጋዝን ተመሃሮን መምሃራንን ንምስልጣን ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ ቴክኖሎጂ ንድሕሪት ክተርፉ ዝኽእሉ ሰባት ንምትብባዕን ንምምጻእን ይሕግዝ" ይብል ሓላፊ ማርኬቲንግ ትሕተ ቕርጺ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኬቪን ዣንግ።

"ትምህርቲ ንኹሉ፣ ኣብ ኩሉ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ" ይብል።