እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኵናት ዩክረይን፡ ልዕሊ 40 ሚልየን ህዝቢ ዓለም ናብ ሕሱም ድኽነት ክኣቱ'ዩ- መጽናዕቲ
ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ለካቲት ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርረ ጀሚሩ፡ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዋጋታት ምግብን ፀዓትን ኣዝዩ ገዚፍ ወሰኽ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ማእከል ምርምር ኣመሪካ (Center for Global Development)፡ ምንሃር እዚ ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 40 ሚልየን ሰባት ናብ "ሕሱም ድኽነት" ከጥሕሎም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ ቲንክ ታንክ ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሕርሻዊ ንግዲ ዝነበራ ዕዙዝ ግደ ድማ ብንፁር ገሊፁ።
ናብ መላእ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ እቲ 29 ሚእታዊት ብሩስያን ዩክረይንን ዝቐርብ ነይሩ።
ሩስያን ቤላሩስን ናብ ዓለም ዱኽዒ ካብ ሞንጎ ዘቕርባ ሽድሽተ ሃገራት እየን።
እዞም ዝረኣዩ ዘለዉ ነውፅታት ንኩሉ ዓለም ከምዝሃስይ ዝሓበረ እቲ ቲንክ ታንክ፡ ድኻታት ሃገራት ግና ዝያዳ በዚ ነውፂ ከምዝውቅዓ ኣጠንቂቑ።
ሰብሞያ ሲጂዴ፡ ንሃገራት ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣፍረይቲ እኽሊ ዝኾና ሃገራት ብዘይ ማዕቐብ ዕዳጋታተን ክኸፍታ፡ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ድማ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት "ብቅልጣፈን ብርህራሀን" ክነጥፉ ተማሕፂኑ።
ቅድም ክብል ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ'ውን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ንዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገብሮን ብፍላይ ኣብ ድኻ ሃገራት ሕሱም ፅልዋ ከምዝህልዋን ኣጠንቂቑ ነይሩ።