ኵናት ዩክረይን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ውግኣት ስለምንታይ ብዝተፈለየ መገዲ ይረኣዩ?

ኣልጀሪያዊ-ካናዳዊ ጋዜጠኛ ማሄር መዛሂ እቶም ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየዱ ኲናት ዝረኣዩሉ መገዲ ብዝምልከት ትዕዝብቱ ኣቐሚጡ'ሎ።

ኩላህና ማዕረ ኢና፤ ግን ከኣ ገሊኦም ካብ ካልኦት ብዝያዳ ማዕረ እዮም።

እዚ ናይ ጆርጅ ኦርዌል [እንግሊዛዊ ጸሓፊ፣ ጋዜጠኛን ነቓፍን] ብሂል ብፍላይ ኣብ ኣፍደገ ሕብረት ኣውሮጳ ኲናት ከጋጥም ከሎ ብተግባር ዝረኣይ ጉዳይ'ዩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብስፍሓት ክኹነን ምርኣይ ግቡእ እንተኾነ'ኳ፡ ሓያላን መንግስታት እቲ ኲናት ደው ንኽብል ዝገብርኦ ዘለዋ ሓበራዊ ምርብራብ ብገምጋም ኣፍረካ ክረኣይ ከሎ ግን፡ ዘገርምን ዘተሓሳስብን ይኸውን።

ብሓደ ወገን፡ ማዕቐባት ምንባርን ንብይናት ሕቡራት ሃገራትን ተቐባልነት ክህልዎም ግድን'ዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ'ቲ ብኣፅዋር ኒኩሌር ተሓጊዙ ኣዝዩ ሰፊሕ መቕዘፍቲ ዘኸትል ኲናት ክርእይ ዝደልይ ኣካል የለን።

ብኻል ገጽ ድማ፡ ኩሎም ብኣጽዋር ተሓጊዞም ዝካየዱ ኲናት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ፍታሕ ንምምጻእ ብማዕረ ናይ ዘይምርኣይ ጸገማት ብቕሉዕ ይረኣይ።

ብርግጽ ተሻቒልናለና ዝብሉ መግለጺታት ምስማዕ ከምኡ'ውን ፍሉያት ልኡኻት ምስዳድ ልሙዳት'ዮም። ግን ከኣ መራሕቲ ዓለም በቢሽዑ ናብ መሳኹቲ ቴሌቪዥን እናተቐልቀሉ መግለጺታት ክህቡን ሓገዝ ንምሃብ ቃል ክኣትዉን ኣይረኣዩን።

ሚልዮናት ክስደቱ ተገዲዶም

ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ሲኦላዊ ኩነታት ዝተረኣየሎም እዋና'ዮም።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ልዕሊ 2 ሚልዮን ደባት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ይርከቡ። መንግስቲ እታ ሃገር ከኣ እቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ረድኤት መግብን መድሓኒታትን ናብ ትግራይ ከይሓልፉ ብምዕጻው ይኽሰስ። ብወገኑ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።

ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ተግባርን ዝሓወሰ ገበናት ኵናት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ዘመልክቱ መረዳእታታት ኣለዉ።

ብመንጽር እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ሰብኣዊ ስቅያት ክረአ ከሎ፡ ካብ ሞንጎ ንቐልቢ ዓለም ዝሰሓቡ ጉዳያት ልዕሊኡ ክስራዕ ዝኽእል ኣይክህልውን።

ካልኦት ብዙሕ ዘይተዘርበሎም ብዙሓት ጎንጽታት እውን ኣለዉ።

ወርሒ ጥሪ ብምኽንያት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካሜሩን እየ ኣሕሊፈዮ። ዝበዝሑ ግጥማት ኣብ ከተማ ሊምቤ እዮም ተኻይዶም።

ግጥማት ክህልዉ ከለዉ ናብታ ከተማ ዝግበር ጉዕዞ ኩልጊዜ ብወጥርታት ዝተዓጀበ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ተነጸልቲ ሓይልታት ዝውልዕዎ ጎንጺ'ዩ ዝካየድ።

ኣዝዩ ጥቡቕ ሓለዋ ይካየድ ነይሩ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ኪሎሜትር፡ ገጾም ዝተሸፈኑ ኣባላት ህጹጽ ብርጌድ ዝኾኑ ወተሃደራት ብኸፊል-ኣውቶማቲክ ጠበንጃ/ብረት ኣብ ወተሃደራዊ መኻይን ኣቀባቢሎም ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

ቱኒዝያን ማሊን ንናይ ምድብ መጻረዪ ዘካይድኦ ግጥም ንምርኣይ ኣብ ዝተበገስኩሉ ሓደ ንጉሆ፡ ኣስታት 20 ኪሎሜትር ርሕቐር ኣብ ቡኢይ [ዋና ከተማ ክልል ሰሜን ምዕራብ ካሜሩን] ተኹሲ ነይሩ።

“ናይ ብሓቂ ኲናት” ኣብ ካሜሩን

ባስተር ክሪችነት ዝተባሃለ ዴንማርካዊ መሓዛይ ኣብታ ከተማ ገለ እዋናት ጸኒሑ ነይሩ።

ተመሊሱ ምስተራኸብና "ማሄር፡ ናይ ብሓቂ ኲናት ይካየድ ኣሎ" ክብል ኣዒንቱ ፈጢጠን ነጊሩኒ።

"ቀሊል ግጥም ኣይኮነን። ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጺዮም ሪኤ። ሰባት ብሓቂ ይሳቐዩ ኣለዉ" ኢሉኒ።

ብርግጽ ኣብዚ ኣብ ቢቢሲን ካልኦት ዓለምለኻዊ ማዕኸናት ዜናን ብዛዕባ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ጸብጻባት ይዝርግሑ ነይሮም'ዮም። ግን ከኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ቁጠዐ?

ስለምንታይ'ያ ዓለም ነቲ ኣፍሪቃውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቅያት ብዝምልከት ሻቕሎታ ክተርእይ ዘይከኣለት?

ኣብዚ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት እዮም ዝቐርቡ።

እቲ ጉዳይ ምስ ዘርኣውነት ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ዝበሃል እተደኣኮይኑ፤ ነቶም ብገለ ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ ማዕኸናት ዜና ዝወጽኡ ጸብጻባት ምርኣይ የደልይ።

ሓደ ኣቕራቢ ዜና እቶም ካብ ዩክሬን ዝወጽኡ ዘለዉ ስደተኛታት "ሃፍታማት፣ ኣብ ማእኸላይ መነባብሮ ዝርከቡ እምበር ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ወይ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነቐሉ ስደተኛታት ኣይኮኑን" ክብል ይገለጽ።

እዚ ነዓይ ዘተሓሳሰበኒ ዘረባ ነይሩ። እተን ዝበዝሓ ዘረኣኽወን ሃብታማት ዝበሃላ ሃገራት መብዛሕቲኤን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ'የን።

እቲ ካልእ ትርጉም ኣልቦ ዘረባ ከዓ ሓደ ሙሁር ኣብ ናይ ፈረንሳ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ዩክሬናውያን ምስ ፈረናሳውያን ማዕረ ከምዝኾኑ ንምግላጽ "ከምተን ንሕና ንዝውረን መኻይን እዮም ዝሕዙ" ዝበለሉ ኣጋጣሚ'ዩ።

ኣነ ከዓ ምስታ ዘለኹላ ኣልጀርያን ካልኦት ኣብዚ ዞባ ዝረኣኽወን ሃገራትን ብምትሕሓዝ ክሪኦ ከለኹ፡ ንነብሰይ "ምስ ዩክሬናውያን ማዕረ ዲና?" ክብል ሓቲተ።

ኣብ ኢንተርኔት ዝገበርክዎ ሓጺር ዳህሳስ ከኣ፡ ኣብ ዩክሬንን ኣልጀርያን ኣዝዩ ተመሳሳሊ ዝኾነ ናይ ኢኮኖምን ሰባትን ዕብየት ዘመልክት ኩነታት ከምዘሎ ኣረጋጊጹለይ።

ክልቲኤን ሃገራት ልዕሊ 40 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህልወን ከሎ፤ ዩክሬን ብሓፈሻዊ ሃብቲ ዓዲ ኣብ መበል 55 ክትስራዕ ከላ፤ ኣልጀርያ ድማ መበል 58 ኣላ። ዩክሬን ብወተሃደራዊ ጥንካረ ኣብ መበል 22 ትርከብ። ኣልጀርያ ድማ መበል 31 ኣላ።

ስለዚ ንምንታይ ደኣ ሰባት፡ ዩክሬናውያን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃውያን ብዝበለጸ "ሃብታማት" ወይ "ማእኸላይ መነባብሮ ዘለዎም" ከምዝኾኑ ይዛረቡ?

ስለምንታይ ኣፍሪቃውያን ፅቡቓት መኻይን ክዝውሩ ከምዝኽእሉ ምግማት ዘይተኽኣለ? ኣብ ኣልጀሪያ ልክዕ ከምተን ኣብ ፈረንሳይ ዘለዋ መኻይን ይዝወራ እየን።

ንምንታይ ኢና ኩላህና ነቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ዘለዉ ኲናት ዘይኮነስ ናብ ጉዳይ ዩክሬን ገጽና ኣዚርና ዘለና።

ኩሎም ሰባት ማዕረ እዮም፤ ኲናት ድማ ኣብ ኪየቭ ይሃሉ ኣብ ለንደን ወይ ኣብ ቦጋታ ወይ ኣብ ቡይ ኲናት ኲናት'ዩ።

ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰባት ኣፈላላያት ብምፍጣር ንዋጋ ህይወት ሰባት ደረጃታት ዘውጽእ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ክነዕርዮ ይግባእ።

ኩላህና ማዕረ ክንኸውን ኣለና።