እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ኲናት ሩስያ-ዩክሬን ንዋጋ ምግቢ ከምዘዕርጎ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ
ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ንዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገብሮን ብፍላይ ኣብ ድኻ ሃገራት ሕሱም ጽልዋ ከምዝህልዋን ኣጠንቂቑ።
ዩክንን ሩስያን መሰረታውያን ምግብታት ሰደድ ብምግባር ዝፍለጣ ሃገራት’የን።
እቲ ኣብዚ እዋን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ድማ ንፍርያት ሕርሻ ከምዝጸለዎን ዋጋ ክውስኽ ከምዝገበሮን ይግለጽ።
ቢስለይ ከምዝበሎ ድማ እዚ ኩነታት ብደረጃ ዓለም ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ክወድቁ ገይሩ’ሎ።
ዩክረይንን ሩስያን ብዘቕርብኦ ሸቐጣት ምግቢ ምኽንያት “ናይ ኣውሮጳ ዘምቢል ሕምባሻ” ዝብል መጸውዒ ክወሃባ በቒዐን’የን።
ሩስያ፡ ናብ ዕዳጋ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ ዳርጋ ነቲ ርብዒ ከምኡ ድማ ፍርቂ ካብ ዘርእን ዘይትን ሱፍ [‘ሳንፍላወር’] ትሽፍን። ዩክሬን ብወገና ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዝለዓለ ምህርቲ ዕፉን ብምቕራብ ትፍለጥ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንፍርያት እኽሊ ክጸልዎን ንዋጋ ስርናይ ብደረጃ ዓለም ዕጽፊ ከብጽሑን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።
ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቢስለይ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ቅድሚ ምፍጻማ 4 ዓመታት፡ ብዝሒ ናይቶም ብደረጃ ዓለም ንጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ካብ 80 ሚልዮን ናብ 276 ሚልዮን በጺሑ ምንባሩ ኣረዲኡ።
ነዚ ምኽንያታት ዝበሎም ድማ “ጎንጽታት፣ ክሊማዊ ለውጥን ለበዳ ኮሮናቫይረስን” እዮም።
ሊባኖስ 50 ሚኢታዊት ኣእኻል ካብ ዩክረይን ከምትወስድ ወይ ከምትረክብ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ የመን፣ ሶሪያን ቱኒዝያን እውን ኣብታ ሃገር ጽግዕተኛታት እየን ኢሉ።
ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ኩባንያታት ምፍራይ ድኹዒ ሓደ ዝዀነ ስቪየን ቶሬ ሆልሴዘር፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዓለማዊ ቀረብን ዋጋን ምግቢ ከቢድ ምዝባዕ ከምዘኸትል ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝነጥፍ፡ ብያራ ኢንተርናሽናል ዝፍለጥ ኩባንያ፡ ዝበዝሕ ጥረ ግብኣቱ ካብ ሩስያ'ዩ ዘምጽእ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዋጋ ድኹዒ ወሰኽ ክህሉ ገይሩ'ሎ።
ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ፡ ናህሪ ዋጋ ዝበኣሰ ደረጃ ክድይብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
"ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና ብሓገዝ ድኹዒ ዝፈረዩ ምግብታት'ዩ ዝምገብ። ስለዚ ድኹዒ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ቀረብ ምግቢ ብ50 ሚኢታዊት'ዩ ዝንኪ፡" ይብል ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ።
ዩክሬናዊት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኢቫና ዶሪቼንኮ ድማ፡ ሓረስቶት ሃገራት ማሕረስ ገዲፎም ሃገሮም ንምክልኻል ብረት ስለዘልዓሉ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዝለዓለ ጽልዋ ከምዝህልዎ ንቢቢሲ ገሊጻ።
“እቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት ንሃገርና ክከላኸሉ ወፊሮም ኣለዉ። ንመሬቶም ክከላኸሉ እንተዘይኪኢሎም ደሓር ዝሰርሕዎ ነገር ኣይክህልዎምን” ክትብል ሓቢራ።
ብሰንኪ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ከኣ ዩክረይን ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ናብ ከም ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝበሉ ትካላት ግብረ-ሰናይ እተቕርቦም ሸቐጣት ዘይምህላዎም ዓብዪ ጽልዋ ከምዘኽትል እቲ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኣረዲኡ።