እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ዩክረይን፡ ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ብግዝያውነት ኣጊዱ
ቢቢሲ፡ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ስኑዕ ዜና ንዘላብዕ ዝኾነ ኣካል ከምእትኣስር ሓድሽ ሕጊ ምውፅኣ ስዒቡ፡ ኣብ ሩስያ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ብግዝያውነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።።
ዳይሬክተር ጀነራል ቢቢሲ ቲም ዴቪ፡ እዚ ሕጊ “መስርሕ ዘይሻራዊ ጋዜጠኝነት ንምውንጃል ዝወፅአ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ክሬምሊን ዝኸፈተቶ ጎንፂ ኣብ ክንዲ ‘ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት’ ኵናት ተባሂሉ’ዩ ዝፅዋዕ” ኢሉ እቲ ዳይሬክተር።
ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ሩስያ ካብታ ሃገር ወፃኢ ኮይኑ ምፅብፃቡ ከምዝቕፅል ድማ ሓቢሩ።
ተበፃሕነት ዌብሳይት ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ዝተገትአ እንትኾን፡ ከም ደቸወሌ፣ መዱዛን ራድዮ ሊበሪቲን ኣገልግሎተን ከምዝተደረተ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር RIA ኣቃሊሑ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ድሕሪ ሰዓት ድማ መራኸቢ ሓፋሽ ካናዳ CBSን ቡልምበርግን ካብ ሩስያ ከይፅብፅባ ብግዝያውነት ተኣጊደን’የን።
ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን’ውን ካብ ሩስያ ምፅብፃብ ከምዘቋርፅ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ቀዳም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ጀርመን ኤኣርዲን (ARD) ን ዜድዲኤፍን (ZDF) ከምኡ’ውን ማዕኸን ዜና Raiን ካብ ሩስያ ምፅብፃብ ከምዘቋረፃ ገሊፀን።
ነቲ ብሰብመዚ ሩስያ ዝተደንገገ ሕጊ ምላሽ ዝሃበ ጀነራል ዳይሬተር ቢቢሲ ዴቪ፡ “ ብሰንኪ እዚ ሕማቕ ምዕባለ፡ ስራሕ ኣብ ሩስያ ናይ ዝነበሩ ኩሎም ጋዜጠኛታት ቢቢሲን ሓገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብግዝያውነት ክነቋርፅ ተገዲድና” ኢሉ።
“ቢቢሲ ኒውስ ሩስያ፡ ካብ ሩስያ ወፃኢ ኮይኑ ምስራሕ ክቕፅል እዩ። ድሕነት ኣባላትና ልዕሊ ኩሉ’ዩ። ስረሖም ስለዝሰርሑ ንገበናዊ ክሲ ክነቃልዖም ድሉዋት ኣይኮናን። ኩሎም ኣባላትና ንዘርአይዎ ትብዓት፣ ቆራፅነትን ሞያን ከሞግሶም እደሊ” ኢሉ፡ ቲም ዴቪ።
ኣገልግሎት ዜናታትና ንዝጥቀሙ ሚልየናት ሩስያውያን ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተኸታተልቲ፡ ቅኑዕን ዘይሻራዊን ሓበሬታ ምቕራብና ክንቅፅል ኢና ዝበለ እቲ ዳይሬክተር፡ “ኣብ ዩክረይንን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ጋዜጠኛታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈፀመ ወራር ምፅብፃቦም ክቕፅሉ’ዮም” ክብል ተዛሪቡ።
ሓደ ሩስያዊ ዘይሻራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ማዕኸን ተሌቬዥን ረይን (TV Rain) ብዛዕባ እቲ ወራር ከይፅብፅብ ኣብ ፀቕጢ ምጥሓሉ ስዒቡ’ዩ፡ ማዕኸናት ዜና ዓለም ነዚ ስጉምቲ ዝወስዳ ዘለዋ።