እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጎንጺ ዩክሬይን፡ ኒዩክሌራዊ ሓደጋታት እንታይ እዩ?
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንወተሃደራቱ፡ ነቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ "ሓይልታት ምክልኻል" ሩስያ፡ "ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ" ክቐውም ኣዚዙ ኣሎ።
እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ ?
ምዕራባውያን ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን።
ሰብ መዚ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ ፑቲን ንኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ኣብ ተጠንቀቕ ክቐውም ዝሃቦ ትእዛዝን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ከም ዘይሰማማዕ እዮም ዝገልጹ።
ገሊኦም፡ ፑቲን ካብ ዝተሓተ ደረጃ ተጠንቀቕ ናብ ካልኣይ ደረጃ ተጠንቀቕ፡ ከምኡ እናበለ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር እኳ እንተኣዘዘ እቲ ሓደጋ ግን ገና ርጉጽ ኣይመስልን።
ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ተጠንቀቕ ከኣ ንምንቅስቓስን ድልውነትን እቲ ኣጽዋር ዝጸሉ'ዩ።
ብዙሓት ሰባት፡ ፑቲን፡ ሃገራት ምዕራብ ኑክሌራዊ ግብረመልሲ ክህባ ከም ዝኽእላ ስለ ዝፈልጥ እቲ ዘመሓለለፎ ደረጃታት ተጠንቀቕ ብቐንዱ ንመፈራርሒ ዝተዋህበ ምልክት ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ።
ጸሓፊ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ በን ዋለስ፡ እቲ መልእኽቲ ተጠንቀቕ " ንዘረባ" ዝተባህለ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን።
ከምኡ ክበሃል ከሎ ግን ሓደጋ የለን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ብጥንቃቐ ክርአ ይግባእ።
እቲ መጠንቀቕታ ሓድሽ ድዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፑቲን፡ ካልኦት ሃገራት ንውጥናት ሩስያ ክዕንቅፋ ጣልቃ እንተኣትየን፡ "ርእየንኦ ዘይፈልጣ" ሳዕቤን ከም ዝወርደን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዚ ከኣ ኔቶ ብቐጥታ ኣብ ኵናት ዩክረይን ንኸይኣቱ መጠንቀቕታ ምዃኑ ተተርጕሙ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ቀጥታዊ ግጭት እንተኣትዩ ሞስኮ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ስለ እትኽእል ነቲ ነገር ንኸየጋድዶ ብቐጥታ ከም ዘይሳተፍ ብንጹር ገሊጹ እዩ።
እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ዝያዳ ቀጥታውን ናብ ህዝቢ ዘተኮረን እዩ።
ስለምንታይ እዩ እዚ ሓደሽ መጠንቀቕታ?
ፑቲን፡ እቲ ዘረባ ምላሽ ናይቲ "ዘቘጥዕ ዘረባ" ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
ክሬምሊን እቲ ዝተባህለ ዘረባ፡ ነቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ እትርከቦም ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን ምስ ኔቶ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ግጭትን ምስሕሓብን ንዝሃቡዎ ሓሳባት ዘመልክት ምዃኑ ብሰኑይ ሓቢሩ።
ምዕራባውያን ሰበ ስልጣን፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ግጉይ ቅማረ ስለ ዝነበሮ ነዚ ሓድሽ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ይኣምኑ።
ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ክሳዕ ክንድኡ ዝኸውን ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞ እውን ኣይገመተን ይኸውን።
ሃገራት ምዕራብ እውን ከምዚ ገይረን ብሕብረት ማዕቀብ ክገብራ ከም ዝኽእላ እውን ግምት ዝሃቦ ኣይመስልን።
ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ነዚ ሓድሽ ኣማራጺታት ዝሓዘ ናይ ተጠንቀቕ መደረ ከስምዕ ተገዲዱ ዝኽውን።
ኣብዚ ቀረባ ግዘ ጡረታ ዝወጸ ሓደ ብሪጣንያዊ ጀነራል፡ "እዚ ምልክት ቍጥዓ፡ ብስጭትን ጓህን እዩ" ክብል ገሊጹዎ ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ እዚ ቋንቋ ሓደ ክፋል ናይቲ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ንእተኻየደ ውግእ ከም መመኽነይታ ብምቕራብ፡ እቲ ተግባር ወራር ዘይኮነስ ሃገሩ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ከም ዘላን ንገዛእ ርእሳ ክትከላኸል ከም እትደልን ዘርኢ እዩ ትብል።
በዚ መገዲ እዚ ክርአ ከሎ፡ እቲ ኑክሌራዊ ተጠንቀቕ፡ ናብ ህዝቡ ንምቕራብ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ፑቲን ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይናውያን ወተሃደራዊ ሓገዝ ንከይህባ ንምጥንቃቕ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልእ ከኣ፡ እቲ ኣብቲ መግለጺኡ ከም ዝጠቐሶ፡ ንስርዓቱ ንምዕላው "ዘይፍትሓዊ" ዝበሎ ማዕቀብ ንኽድርት ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ከምኡ ኾይኑ ግን እቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ፡ ብቐጥታ ምስ ኔቶ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ከም መጠንቀቕታ ዝዓለመ'ዩ ዝመስል ።
እቶም ሓደጋታት እንታይ እዮም?
ዋላ እውን እቲ ፑቲን ዘፈራርሖ ዘሎ ነገር፡ ከም መጠንቀቕታ ጥራይ ክረአ እንተኸኣለ፡ እቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ምዕባለታት ብጌጋ እንተ ተረዲእዎ፡ ዘይተደልየን ሳዕቤን ከጋጥም ይኽእል እዩ።
እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ነገር፡ ፑቲን ካብ ካልኦት ቀረብኡ ተገሊሉ ስለ ዘሎ፡ ሒደት ኣማኸርቱ ጥራይ እዮም ነቲ ሓቂ ክነግርዎ ፍቓደኛታት ዝኾኑ።
ገሊኦም ውሳንኡ ጌጋ ከይከውን ይፈርሑ እዮም።
ገለ ሰባት ፑቲን እምብዛ እንተ ንሂሩ፡ ኣብቲ መሳልል ስርርዕ ምናልባት ገሊኦም ነቲ ትእዛዝ ንከይፍጽሙ ክሕንግዱ ይኽእሉ ይኹኑ ዝብል ተስፋ ኣሎ።
እቲ ኑክሌራዊ ስግኣት እኳ እንተሎ ኣዝዩ ዘሻቕል ግን ኣይመስልን።
ምላሽ ሃገራት ምዕራብ እንታይ ይመስል?
ክሳዕ ሕጂ ግን ምዕራባውያን መንግስታት ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ወይ ነቲ ኑክሌር ከየጋድዶ ይጥንቀቓ ኣለዋ።
ሰራዊት ኣመሪካ ብ 'ዴፍኮን ዝፍለጥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል ድሉውነት ኣለዎ።
ሎሚ ከኣ ጸሓፊ ዋይት ሃውስ ጀን መዝኪ "ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ንኑክሌሳዊ ተጠንቀቕ ዝቕየረሉ ምኽንያት የለን" ኢሉ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ትሕቲ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ እኳ እንተለዋ ንህዝቢ ግን ክትዛረበሉ ትደሊ ኣይመስልን።
እቲ ዕላማ፡ ነቲ ብሩስያውያን ዝዝረብ ዘረባ ከም ውሁብ ብምውሳድ ነቲ ወጥሪ ከምዘይጋደድ ጌርካ ምብርዓን እዩ።
እዚ ከም ኑክሌራዊ ቅልውላው ክውሰድ ኣይግባእን እዩ ይብሉ ሰብ መዚ ጸጥታ ምዕራብ ።
ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ይፈልጠኦ'ዶ ይኾና?
ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ በን ዋለስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኣቃውማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዛጊት ዝዀነ ለውጢ ከም ዘይረኣየት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ይኹን እምበር እዚ ኩነታት ብጥንቃቐን ምስትውዓልን ክረአ ከምዝግባእ ጸጥታዊ ምንጭታት የረጋግጹ ።
ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንኑክሌራዊ ኣጽዋር ሞስኮ ዝከታተል፡ ገዚፍ ብልሒ ዘለወን ናይ ምክትታል ማሺናት ተፈጢረን እየን ሳተላይታት ንዝኾነ መራኸቢታትን ካልእ ምንጭታትን ተኸታቲለን ኣብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝኾነ ምንቅስቓስ ሰባትን ቦታን ከይግበር ተኸታቲሉ ዝሕብር መጠንቀቕታ ዝህብ መሳርሒታት ኣማዕቢለን እየን።
መብዛሕትኡ እቲ መሳርሒ ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ምዕራባውያን ንወተሃደራዊ ምዕባለ ሩስያ ብቐረባ ብምክትታል ዝኾነ ለውጢ ከይመጽእ ብዕቱብ ይከታተለኦ እየን።
ክሳዕ ሕጂ ከኣ ዝኾነ ምልክት ኣይተራእየን።