ሰሜን ኮርያ ፈተነ ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዘካየደት ኣሜሪካ ገሊጻ

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ኣመት ተኸታተልቲ ፈተነታት ሚሳኤል ኣካይዳ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ኣመት ተኸታተልቲ ፈተነታት ሚሳኤል ኣካይዳ ኣላ

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳኤል [ሚሳይል] ፈተነ ከምዝገበረት ኣፍሊጡ። ነዚ ድማ “ሓደገኛ ምጉህሃር” ክብል ገሊጽዎ።

ብወገን መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ዝተወሃበ መግለጺ ግን፡ እቲ ብ26 ለካቲትን 4 መጋቢትን ዝተተኮሰ፡ ኮላሊት ሳተላይን ንምምዕባል ዘድሃበ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣሜሪካ ግን እቶም ዝተኻየዱ ፈተነታት፡ ነቲ ምሉእ ክፍለ-ዓለማዊ (ኣህጉራዊ) ሚሳይል ናይ ምትኳስ ውጥን ኣቐዲምካ ዝግበር ዘሎ ምኮራዊ ምውንጫፋት ከምዝኾነ ትገልጽ።

እቲ ክፍለ-ኣህጉራዊ ተወንጫፊ ሚሳይል፡ በቲ ዝነኣሰ ርሕቐት ዝበሃል 5,500 ኪሎ ሜትር እንተተኲሱ ክሳብ ኣሜሪካ ክበጽሕ ይኽእል። ኒኩሌራዊ ኣጽዋራት ክስከሙ ተጌሮም ከምዝተሰርሑ ድማ ይሕበር።

ወሃቢ ቓል ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶም ፈተነታት “ምስ ሓድሽ ስርዓት ክፍለ-ኣህጉራዊ ባላስቲካዊ ሚሳይላት ዝራኸብ’ዩ” ክብል ትማሊ ሓሙስ ተዛሪቡ።

ክሳብ ክንደይ ክጓዓዝ ከምዝኽእል ወይ ዓቕሙ ንምፍላጥ ዘይኮነስ፡ “ኣብ መጻኢ ናብ ምሉእ ፈተነታት ንምእታው ኣቐዲምካ ነቲ ሓድሽ መሳርሒ ንምግምጋም ዝዓለመ እዩ” ይብል ኪርቢ።

“ኣሜሪካ ነዞም ንድንጋገታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕሱ ምውንጫፍ ሚሳይላት ብትሪ ትቃወም” ዝበለ ወሃቢ ቓል ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ እዚ ተግባር ኣብቲ ዞባ ናብ ዘየድልይ ወጥሪ ዘጓሃህርን ንኹነታት ጸጥታ ዝዘርግን ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ብወገኑ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዝተኻየዱ ክልተ ፈተነታት፡ ምስቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ ዝቐረቡ ክፍለ-ኣህጉራዊ ባላስቲክ ሚሳይል ኣተሓሒዝዎም ኣሎ።

መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ነቲ ፈተነታት “ብትሪ ንኹንን” ክብል ከሎ፡ ጃፓን ብወገና “ፈጺምካ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ስግኣት ሰላምን ጸጥታን” ክትብል ገሊጻ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣሜሪካ “ሓደገኛ ምጉህሃር” ክብል ነቲ ፈተነታት ነቒፉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሰኽቲ ማዕቐባት ክተንብር ከምእትኽእል ኣእንፊቱ።

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን፡ ሰሜን ኮሪያ ምናልባት ብቐጻሊ ንእተሳልጦ ሚሳይል ናይ ምምዕባል ፕሮግራማ ዝኸውን ናውትን ቴክኖሎጂታትን ካብ ደገ ንኸይተእተው ክትኽልከል ከምእትኽእል’ዩ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮሪያ ካብ 2017 ንደሓር ዝኾነ ዓይነት ክፍለ-ዓለማዊ ሞሳይል ኮነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ፈተነታት ኣካይዳ ዘይትፈልጥ’ኳ እንተኾነት፡ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ግን፡ ነቲ ፈተነ ከካይድ ከምዝኽእል ከአንፍት ጸኒሑ’ሎ።

እታ ሃገር ኣብ ፈተነታት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ባላስቲክ ሚሳይላት ከምኡ’ውን ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ጊዚያዊ ምቁራጽ ክትገብር ዝኸኣለት፡ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዝርራብ ምዃኑ ይዝከር።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ሃገሩ በቲ ንትራምፕ ዝኣተወትሉ መብጽዓ (መጽብዓ) ከምዘይትቕየድ ኣብ 2020 ኣፍሊጡ።