ፑቲን፡ "ኣሜሪካ ካብ ውዕል እገዳ ኣጽዋር እንተስሒባ፡ ሩስያ ሚሳይል ከተማዕብል ኢያ"

ፕሬዝደንት ሩሲኣ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝኸተምኦ እገዳ ምምዕባል ሚሳይል ጥሒሳ እንተድኣ ወጺኣ፡ ሩሰያ ሚሳይል ምምዕባል ከም እትጅምር ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቑ።

ኣብ 1987 ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካ ሶቭየት ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓጺር ይኹን ማእኸላይ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ምምዕባል ዝኽልኽል'ዩ።

ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ወተሃደራዊ ኪዳን ብሰሉስ፡ ሩስያ ነቲ ስምምዕ ጥሒሳ እያ ክብል ምስ ነቐፈ'ዩ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ።

ፑቲን ከም ዝበሎ፡ ነቐፌታ ኔቶ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ንክትስሕብ ዝዓለመ'ዩ።

ፑቲን ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሶቭየት ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምጥሓስ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ኣማዕቢለን'የን ኢሉ።

"ሕጂ እዞም ኣሜሪካውያን የዕሩኽና እቲ ኩነታት ተማሓዪሹ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ነቲ ዝተኣገደ ኣጽዋር ክንውንን ኣሎና ዝብሉ ዘለው" ኢሉ ፕረዚደንት ፑቲን።

"ኣብ ከምዚ ኩነታት ናትና መልሲ እንታይ ኢዩ ክኸውን? ንጹር ኢዩ - ንሕና'ውን ከምኦም ክንገብር ኢና" ኢሉ ፑቲን።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰንኪ ተግባራት ሩስያ፡ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትስሕብ ከም ዝኾነት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሩስያ ነቲ ሓጺርን ማእከላይን ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይል ከም ሕሱር መተካእታ ነቲ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኢያ እትርእዮ ድማ ይብሉ ገለ ተንተንቲ።

ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ፌዴሪካ ሞግሀሪኒ፡ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኔቶ፡ ሩስያን ኣሜሪካን ነቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ሰላም ዘውሓሰ ስምምዕ ክሕልውኦ ተማሕጺና።

ቶ እንታይ ኢሉ?

ብሰሉስ፡ እቲ ናይ ሃገራት ምዕራብ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ሩስያ ነቲ ስምምዕ ብምጥሓሳ ብወግዒ ከሲስዋ።

"ሩስያ ሓደ ብ9M729 ዝፍለጥ ሚሳይል ብምምዕባላ ነቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተኸተመ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤውሮጳን ከባቢ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝርከባ ሃገራትን ሓደጋ የንጸላሉ ኣሎ"።

ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ምዝርግሑ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ በቲ ስምምዕ ዳግማይ ክትቅየድ 60 መዓልታት ጥራይ ኢዩ ዘለው፡ እንተዘይተቐይዳ ድማ ብድሕሪኡ ኣሜሪካ ነቲ ስምምዕ ከተወንዝፎ ኢያ ኢሉ።

"ኣብዘን ዝቕጽላ 60 መዓልታት ዝኾነ ናይ ኣጽዋር ፈተነ ኣይነካይድን፡ ኣይነፍርን፡ ኣይንጥቀምን'ውን። እንታይ ከም ዝፍጸም ግን ክንዕዘብ ኢና"።