ድሮናት ቱርኪ ኣብ ጎንጺ ዩክረይንን ካልኦት ሃገራትን እንታይ ለውጢ የምጽኣ ኣለዋ?

ድሮን በይራክታር ቲቢ2

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባይራክታር ቲቢ2 ካብቶም ኣዝዮም ተጠለብቲ ድሮናት ቱርኪ ሓደ እዩ

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ጎንጺታት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናይ ቀላሳይነት ተራ እናሓዛ ይመጽኣ ኣለዋ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ምፍጣጥ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይክኸውንን።

ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብተን ክልተ ተናሓናሕቲ ሃገራት ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ማዕዶ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ሃገር ኣቓልቦ ረኺባ ኣላ።

ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ኣብ እተዋፍሮ ሓይሊ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ይካየዱ ኣብ ዘለዉ ጎንፊታት ስርሓት ቱርኪ ድሮናት ዓብዪ ተራ እየን ዝጻወታ።

እዞም ዝስዕቡ ብዛዕባ እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓቕሚ ድሮናት ቱርኪ ክንፈልጦም ዝግባእ ነጥቢታት እዮም።

ኣብቲ ዓውዲ ብጽሒት ቱርኪ ክንደይ ዝኣክል እዩ?

ቱርኪ ብሕታዊት እስላማዊት ኣባል ምዕራባዊ ወታሃደራዊ ኪዳን ኔቶ እያ።

ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ኣብቲ ኪዳን ዝለዓለ በዝሒ ስሩዕ ሰራዊት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ምስ መሓዙታ ወታሃደራዊ ቴክኖሎጂ እውን ትለዋወጥ።

ኣብ ቱርኪ ዝነብር ዘይሻራዊ ወታሃደራዊ ተንታኒ ኣርዳ መቭሉቶግሉ "መንግስቲ ኣንካራ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ወሳኒ ናይ ድሮን ሓይሊ ሃኒጹ እዩ" ይብል።

"ኣብ ውሽጢ ቱርክን ወጻእን (ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣንጻር ተገንጸልቲ ኩርድን ፒኬኬን) ኣብ ወፍርታት ጸጥታ፡ ድሮናት ብግቡእ እናተጠቐሙ መጺኦም እዮም።

"ኣብ ምዕባለ ምክልኻል እታ ሃገር ቴክኖሎጂ ድሮን ቀዳምነት ተዋሂብዎ እዩ። ብመዳይ ረብሓን ምህርትን፡ ካብ እስራኤል ወጻኢ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዘይተርኣየ ደረጃ እያ በጺሓ ዘላ" ይብል።

ብዛዕባ ኣፍረይቲ ድሮን ቱርኪ እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ቱርኪ ክልተ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣለዉ።

'በይካር ዲፈንስ ፕሮዳክትስ' እቲ ንባይራክታር ቲቢ2 ን ባይራክታር ኣኪንሲን ዘፍርይ ትካል እዩ።

ላዕለዋይ ቴክኒካል ሓላፊ እቲ ትካል ዝኾነ ሰልቹክ ባይራክታር፡ ሰብኣይ ጓል ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶሃን እዩ።

እቲ ካልኣይ ዓብዪ ኣፍራዪ ድሮን ድማ 'ተርኪሽ ኤሮስፔስ ኢንዳስትሪስ' ኮይኑ ቲኤኣይ ኣንካን ቲኤኣይ ኣክሱንጉርን ዝበሃላ ድሮናት የፍሪ።

ኣርዳ መቭሉቶግሉ ከም ዝብሎ፡ ሰራዊት ቱርክን ትካላት ድሕነትን ልዕሊ 150 ዝኾና ድሮናት ይጥቀሙ።

"ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣናእሽቱ ናይ ሓለዋ (ካሚካዝ) ድሮናት ምዃኑ እዩ።"

ሃደራውን ንግዳውን ርክባት ዩክረይንን ቱርክን

ካብ 2019 ጀሚሩ ቱርኪ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ድሮናት ባይራክታር ቲቢ2 ንዩክረይን ሸይጣትላ እያ።

በይራክታር ቲቢ2 ድሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዩክረይን ዝውነን ባይራክታር ቲቢ2 ድሮን

ዩክረይን ከም ፈታዊታ ቱርኪ ሓደ መዓልቲ ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን ድልየት ኣለዋ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ኣንጻር እቶም ብሩስያ ዝሕገዙ ዓመጽቲ ትዋጋእ እያ ዘላ።

ነታ ክትወራ ሰራዊታ ኣብ ዶባ ትእክብ ዘላ ሩስያ ንምምካት እውን ኣብ ከቢድ ምድላው ትርከብ።

ብ 3 ለካቲት ኣብ መንጎ ቱርክን ዩክረይንን ዘሎ ንግዲ ድሮን ዘጠናኽር ስምምዕ ንምፍራም ፕረዚደንት ኤርዶሃን ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ ቱርካውያን ኣፍረይቲ ድሮን ኣብ ዩክረይን ድሮን መስርሒ ፋብሪካ ክተኽሉ ባይታ ዘጣጥሕ ከም ዝኾነ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ንሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ።

ሩስያ ነዚ ምዕባለ ከመይ ትርእዮ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ቱርኪ ስራሕ ድሮን ዩክረይን፡ ብሩስያ ናይ ዝሕገዙ ተቓወምቲ ዝኾነ ከቢድ መሳርሒ ኲናት ከም ዘዕነወ ዘርእይ ቪድዮ ሰራዊት ዩክረይን ኣቃሊሑ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ሩስያ፡ ድሮናትኪ ኣብቲ ዞባ ምኽንያት "ዘይምርግጋእ" ይኾና ኣለዋ ክተብል ንቱርኪ ወቒሳታ።

ቱርኪ ንሩስያን ዩክረይንን ንምሽምጋል እውን ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ፤ ኮይኑ ግና እቲ ሓሳብ ብሰንኪ እተን ድሮናት ሕልኽላኽ ኣጋጢምዎ።

ኲናት ሶርያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ርክብ ቱርክን ሩስያን እናተሓላለኸ እዩ መጺኡ። ክልቲአን ኣብ ሶርያ ዝተፈላለየ ድልየታት ነይሩወን።

እንተኾነ ርክባተን ዘመሓይሽ ስጉምቲታት ግን ካብ ምውሳድ ኣይተዓቀባን።

ቱርኪ ነቐፌታ ኔቶን ኣመሪካን ተጻዊራ መከላኸሊ ኣየር ኤስ-400 ካብ ሩስያ ምግዛኣ፡ ፕረዚደንት ኤርዶሃን ደጊሙ ምስ ሩስያ ምቅርራብ ምድላዩ ዘመላኽት እዩ።

ዩክረይን ክንደይ ድሮናት ባይራክታር ቲቢ2 ከም ዘለዋኣ ኣይፍለጥን።

"ዩክረይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣንጻር እቶም ተገንጸልቲ ኣብ እተገብሮ ወፍሪ ቲቢ2 ውጽኢታዊ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ" ይብል ኣርዳ።

እቲ ድሮን ዘበናዊ ኤልክትሮ ኦፕቲካል ካሜራ፣ ስርዓተ ሓበሬታን ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ብትኽክል ዓሊሙ ዝወቅዕ መተኮስን ኣለዎ።

እዚ ባህርያቱ፡ ሓበሬታ ናብ ካልእ ንምትሕልላፍ ወይ ብናይ ባዕሉ መተኮሲ ዓሊሙ ንምጥቃዕ ዘኽእሎ እዩ።

ቪድዮ ሰራዊት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK / Ukraine Armed Forces

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ቱርኪ ስራሕ ድሮን ዩክረይን፡ ብሩስያ ናይ ዝሕገዙ ተቓወምቲ ዝኾነ ከቢድ መሳርሒ ኲናት ከምዘዕነወ ዘርእይ ቪድዮ ሰራዊት ዩክረይን ኣቃሊሑ ነይሩ

ኣርዳ፡ እተን ድሮናት ኣንጻር እቶም ሚልሻታት ውጽኢታዊ ምዃነን እኳ እንተገለጸ ምስ ሩስያ ናብ ሙሉእ ኲናት እንተኣትያ ግና ናይተን ድሮናት ውጽኢታውነት ይጠራጠሮ እዩ።

"ብበዝሕን ቴክኖሎጂን ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓብዪ ጸብለልታ ኣለዎም" ይብል።

ድሮናት ቱርኪዝውንና ሃገራት

ዕዳጋ ድሮን ቱርኪ ብቕልጡፍ እዩ ዝዓቢ ዘሎ።

ኣብ እትገብሮ ስምምዓት ክንደይ ዝኣክል ድሮናት ከም እትሸይጥ ምህርቲ ሰደድ እታ ሃገር ኣየመላኽትን።

ኮይኑ ግና ልዕሊ 15 ሃገራት ስራሕት ቱርኪ ድሮናት ባይራክታርን ቲኤኣይን ከም ዝኣዘዛ እዩ ዝግመት።

ብፍላይ ናይተን ውጽኢታውነተን ኣብ ኲናት ሶርያን ሊብያን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ጎንጺ ናጎርኖ-ካራባግ ዝተራእየ ባይራክታር ልዑል ጠለብ ኣርእየን።

ኣብቲ ን44 መዓልቲ ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ዝተኻየደ ኲናት ኣብ መወዳእታ ሓይልታት ኣዘርባይጃን ስራሓት ቱርኪ ድሮናት ተጠቒሞም ንወተሃደራት፣ ወተሃደራውያን ተሽከርከርቲ፣ ከበድቲ ኣጽዋርን መከላከሊ ኣየርን ኣርመንያ ብምጥቃዕ ነቲ ተወሲዱዎም ዝነበረ ግዝኣት መሊሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉንበት ፖላንድ 24 ተዋጋእቲ ድሮናት ቱርኪ ከምእትገዝእ ብምግላጽ ፈላመይቲ ኣባል ኔቶ ኮይና።

ኣፍሪቃ እውን ዓባይ ዕዳጋ እያ።

"ቱርኪ ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተናሓናሒት ቻይና እናኾነት ትመጽእ ዘላ ትመስል። ውሑድ ዋጋ ዘለወን ድሮናት ቱርኪ ኔቶ ንዘውጸኦ መዐቀኒ ዓቕምን ጽርየትን ዘማልኣ እየን" ይብል ኣርዳ።

ሃገራት ሞሮኮ፣ ኣልጀርያ፣ ርዋንዳ፣ ናይጄርያን ኢትዮጵያን ስራሓት ቱርኪ ድሮናት ንምግዛእ ድልየት ዘርአያ ሃገራት እየን።

ዋላ'ኳ ወታሃደራዊ ስምምዓት ዕላዊ እንተዘይተገበሩ፡ ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ስምምዕ ተፈራሪማ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝተገበረ ጉዕዞ ነፈርቲ ዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ እትገብሮ መሸጣ ድሮናት ከም ዘሻቐሎም ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ኤርዶሃን ባዕሉ ከም ዝመስከሮ ድማ ቱርኪ ንኣፍሪቃ ከም ዓብዪ ዕዳጋ እያ ትርእያ።

እቲ መራሒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንሃገራት ኣንጎላ፣ ናይጄርያን ቶጎን ኣብ ዝበጸሐሉ "ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኸድክዎ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዩ ዝሓተኒ" ኢሉ ነይሩ።