ኣብ ኣመሪካ ድልድል ብምፍራሱ ዓሰርተ ሰባት ተጎዲኦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣመሪካ ከተማ ፒቲስበርግ ሓደ ድልድል ብምፍራሱ ኣውቶቡስ እትርከብአን ሽዱሽተ መካይን ሒዙ ከምዝጸደፈ ተገሊጹ።
ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ብሰንኪ እቲ ክስተት ዓሰርተ ሰባት ቀሊል ዝበሃል መጉድኣቲ ከምዘጋጠሞምን ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ኣብ ሆስፒታል ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎን ሓቢሮም።
እቲ ብበረድ ዝተሸፈነ ድልድል ትማሊ ዓርቢ ንጉሆ ድሕሪ ሰዓት 6፡00 [ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ] ዝጸደፈ ኮይኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብቲ ከባቢ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት እዩ ፈሪሱ። ባይደን ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ስራሕቲ ትሕተ ቅርጺ ንኽዝቲ’ዩ ተጓዒዙ።
ቅልጡፍ ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ግድያት እቲ ሓደጋ ንምውጻእ ልዕሊ 30 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ገመድን ናይ ሰባት ቀጸላን ከምዝተጠቐሙ ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ዳሪይል ጆንስ ገሊጹ። ናይ ፈተሻ ኣኽላባትን ድሮናት’ውን ተራእዮም።
ዘዋሪ መኪና ዳሪይል ሉሳኒን ካልኦት ኣሳፊርዎም ዝነበሩ ክልተ ሰባትን ካብመንጎ'ቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት እዮም። ወዲ 58 ዓመት ሉሳኒ ከምዚ ዝተሃሰየ ኮይኑ’ኳ ተሰሚዕዎ እንተነበረ ግን ኣይተጎድአን።
ሰበ ስልጣን ህዝባዊ ድሕነት ብትሕቲ እቲ ቢንቶ ሊሒዅ ንዝኸይድ ነዳዲ ክዓብሱ ምዃኖም ምስኣፍለጡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብቲ ከባቢ ካብ ምኻድ ንኽቑጠቡ ተሓቲቶም።
እቲ ቢንቶ ስለምንታይ ከምዝፈረሰ ንጹር ዝኾነ መረዳእታ የለን። ከንቲባ ከተማ ፒቲስበርግ ኢድ ገይነይ ኩነታት እቲ ቢንቶ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ስርዓተ ቁጽጽር ተገይርሉ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን ናይ 2019 መጽናዕቲ ከምዘርእዮ መሓውራት እቲ ቢንቶ የንቆልቁል ከምዝነበረ እዩ።
እቲ ኣብ 1970 ከምዝተሃነጸ ዝንገረሉ ድልድል ናብ ፒቲስበርግ ንዝኣትዉ ኣሽከርከርቲ ቀንዲ መሳገሪኦም እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 45 ሽሕ ድልድላት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሰበ ስልጣን መጓዓዝያ ፌደራል ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ድልድላትን ጽርግያታትን ንምጽጋን ዝውዕል ናይ 110 ቢልዮን ዶላር ከምዝፈረመ ይፍለጥ።
ትማሊ ዓርቢ ናብቲ ል ዝፈረሰሉ ከባቢ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ባይደን “ኩሎም ክነዕርዮም ኢና፣ እዚ ላግጺ ኣይኮነን” ኢሉ።
ትሕቲ ቅርጺ ኣመሪካ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከቡ በብግዚኡ መግለጽታት ዘውጽእ ማሕበር መሃኒዲሳት ኣመሪካ፡ ግዝያዊ ደረጃ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ‘C’ ከምዝኾነ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







