ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር፡ መሰል ዉጹዓት ክስስን ዝሓገዘ ተቓላሳይ

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ማዕርነት ኩሉ ዓሌታት ዝጽውዕ 'ሕልሚ ኣሎኒ' ዝብል መደረ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሓደ ካብቶም ወትሩ ዘነቓቕሑ ጸለውቲ መደረታት ዘመንና እዩ።

ንብዙሓት ንዝሓሸ ኣተሓሳስባ ኣለዓዒሉ፤ ፍሉጣትን ዓበይትን ሰባት ኣከራኪሩ፡ ሎም'ውን ዝዝረበሉ ሓሳብ ኮይኑ ኣሎ።

እንተኾነ ግና ሎም'ውን እቲ ዛዕባታት መዕለቢ ኣይረኸበን።

ጸለምትን ድኻታትን ማሕበረሰባት ንምግላል ተባሂሉ ዝወጽእ ናይ ምርጫ እገዳታትን ካልእ ተግባራትን ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተቓለሶም እኳ እንተኾኑ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽሉ ከም ዘለው ዘርእዩ ነገራት ከምዘለው ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፓብሎ ኦቾዋ ይገልጽ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ መን'ዩ?

ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር ካብ ዝመውት ድሮ ሓምሳን ክልተን ዓመታት ሓሊፎም፣ ይዅን'ምበር፡ ካብ ቀልብን ሕልናን ሰባት ግን ኣይሃሰሰን።

"ኣነስ ሕልሚ'ሎኒ! ሓደ መዓልቲ ኣርባዕቲኦም ንኡሳን ደቀይ ኣብ ሃገሮም ብሕብሪ ቆርበቶም ዘይኰነስ ብትሕዝቶ ባህሪኦም ዝዳነይሉ እዋን ክመጽእ" እነበለ ክምድር ንዝሰምዐ ሰብ እቲ መቓልሕ ድምጹ ኣብ ቀልቡ ሰሪጹ'ዩ ዝተርፍ ምባል ምግናን ኣይኰነን። እቲ መልእኽቱ ብ 28 ነሓሰ 1963 ኣብ ቅድሚ 250 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ሊንከልን መሞርያል (ዋሺንግቶን ዲሲ) ዘስምዖ ዘይርሳዕ መደረ ነበረ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር ሓደ ካብ'ቶም ዝለዓለን ብሉጽን ታሪኽ ዝተጓናጸፈ ጸሊም ኣሜሪካዊ ነበረ። ብመደረኡን ኣቀራርብኡን ትግሃቱን ልቦናኡን ልባት ጸለምቲ ጥራይ ዘይኰነስ ልባት ጸዓዱ ክስንጥቕን ክማርኽን ዝኸኣለ ዓቢ ሰብ ነበረ።

ኣብ ሓምሳታት፡ ማርቲን ሉተር ብዛዕባ መሰላት ጸለምቲ ክሓስብን ክንቀሳቐስን ዝጀመረሉ ዘመን፡ ጸለምቲ ኣብ ኵነታት ኣግልሎ ይነብሩ ነበሩ፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም መሰላቶም ይግሃስ ዝነበረሉ እዋን ነበረ - ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት፡ መጓዓዝያታት፡ ቤት ዕዮታት ...ወዘተ። ሽዑ'ዩ ብሲቪላዊ መሰል ህዝቡ ክቱር ተገዳስነት ዘሕደረ።

ኣብ 1865 ዋላ'ኳ ፕረሲደንት ኣብራሃም ሊንከን ባርነት ጸልምቲ እንተ ወገደ፡ ሚእቲ ዓመት ብድሕሪኡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብትብዓት ብዘካየዶ ሓያል ጐስጓስ'ዩ ንመሰላት ጸለምቲ ቀዳድ-ነግሒ ዝዀኖ፡ ከምኡ'ውን ሓርነታውን ሰብኣውን ክብሮም ከልብሶም ዝኸኣለ።

ጕዳይ ሮዛ ፓርክስ

ብ 1955 ኣብ ሞንትጎመሪ (ኣላባማ) ዝበሃል ከተማ ብ ሮዛ ፓርክስ እትፍለጥ ጸላም ኣሜሪካዊት ሓደ ዓቢ ጅግንነታዊ ስራሕ ተፈጸመ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ጸለምቲ ኣብ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ኣብ ድሕሪት ተጨቓጪቖም ዝጐዓዙሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ።

ሮዛ ፓርክስ ኣብ ስራሕ ውዒላ ኣውቶቡስ ተሳፈረት - ኣብ ድሕሪት ምስ'ቶም ጸለምቲ ብጾታ። እታ ኣውቶቡስ ኣመና ምስ መልአት እቶም ጸዓዱ ኮፍ መበሊ ስኣኑ። እቲ መራሕ ኣውቶቡስ ናብቲ ሰፈር ጸለምቲ ከይዱ ንሮዛ ፓርክስ ንሓንቲ ጻዕዳ ቦትኣ ክትለቅቕ ሓተታ። ሮዛ ፓርክስ ኣዝያ ደኺማ ስለ ዝነበረት "ካብ ቦታይ ኣይትንስእን'የ" ኢላ መለሰትሉ። ኣብታ ኣውቶቡስ ብተንስኢ/ኣይትንስእን ታዕ-ታዕ ተፈጢሩ ፖሊስ መጺኦም ንሮዛ ፓርክስ ኣሰሩዋ።

እምቢተኛነትን ማእሰርትን ሮዛ ፓርክስ ኣብ ኵሉ ሸነኻት ተወርየ፣ ማርቲን ሉተር ኪንግ ነቲ ናይ ሮዛ ፓርክስ ጕዳይ ምስ ሰምዖ ከኣ ክከታተሎ ጀመረ። ንሞንትጎመሪ ወሪዱ ነቶም ደቂ ዓዲ ሰላማዊ ኣድማ ንኽገብሩ ክውድቦም ጀመረ። እቶም ዝበዝሑ ተጠቐምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ጸለምቲ ስለ ዝነበሩ ኣብ ኣውቶቡሳት ንኸይስቀሉ ኣእሚኑ ነቶም ማሕበራት ኣውቶቡስ ከም ዝጥፍሹ ገበረ።

እቲ ጕዳይ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንጸለምትን ጸዓዱን ፈላሊኻ ኣብ ኣውቶቡስ ኮፍ ምባል ዘይሕጋዊ'ዩ ዚብል ሕጊ ተኣወጀ። ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብኣብያ ሮዛ ፓርክስ፡ ብጐስጓስ ማርቲን ሉተር ኣቢሎም ናይ ምጓዓዝ መሰሎም ተኸብረ። እኳ ድኣ ብሰላማዊ መንገዲ - ብዘይ ገለ ጐነጽ።

ጕዕዞ ህይወት ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንዮር

ሰብ፡ ጽቡቕ ኣብነታውን ህያውን ታሪኽ ክገድፍ ምርቓ'ዩ፣ ሕማቕ ስም ምትራፍ ግን መርገም'ዩ። ኰይኑ ድማ ማርቲን ሉተር ጽቡቕ ስም ስለ ዘትረፈ ዘንት-እለት ስሙ ብክብሪ ይዝከር ኣሎ። ሓወልቲ ጥራይ ዘይኰነስ ንኽብሩ ዓመታዊ በዓል ይበዓለሉ። ኣብ ምሉእ ሕ.መ.ኣ. ዕለተ ልደቱ፡ 15 ጥሪ፡ ህዝባዊ በዓል ኢዩ። ከምዚ ዘኣመሰለ ክብሪ ንዓበይቲ መራሕቲ ኣሜሪካ - በዓል ፕረሲደንት ከነዲ ዀነ ፕረሲደንት ሊንከን - እኳ ኣይተዋህበን።

ሓድ-ሓደ ሓቅታት ብዛዕባ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ንምጥቃስ፡

  • ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን እቲ ዝዓበየ ለውጢ ኣብ ህይወት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘምጽአ ተጣባቒ መሰል ደቂ-ሰብ ኢዩ።
  • ኣብ ሕ.መ.ኣ. ብስሙ ዝጽውዑ 730 ጽርግያታት፡ ጎደናታት፡ ቡልቫርድ ኣሎዉ።
  • ንሱ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ብልጫ ኖብል ዝተቐበለ ሰብ'ዩ (1965)።
  • ዕለተ-ልደቱ ብሃገር ደረጃ ዓመት-ዓመት ዝኽበረሉ እንኮ ጎብለል'ዩ።
  • ብስም ማርቲን ሉተር ኪንግ ዳርጋ ኣብ መላእ ኣውሮፓ እንተ ጽርግያ፡ ሓወልቲ፡ ቤተ-መዘክር፡ ቤት-ንባብ፡ መናፈሻ ... ወዘተ ይርከቡ።
  • ብዙሓት ዓበይቲ ደረፍቲ - ከም በዓል ስቲቪ ዋንደር፡ ማርቪን ገይ - ብዝዕባኡ ደሪፎም'ዮም።
  • ብዛዕባኡ ዝተጻሕፉ ዓናቅጽ፡ ዛንታታት፡ መጻሕፍቲ፡ ብዙሓት'ዮም።
  • እቲ ብ28 ነሓሰ 1963 ካብ መሳልል ዝኽሪ-ሊንከን (ዋሺንግቶን) ኣብ ቅድሚ 250 ሺሕ ህዝቢ "ኣነ ሕልሚ'ሎኒ" ዚብል ንማዕርነት ዘርኢ ብምጥቃስ ዘቕረቦ መሳጢ መደርኡ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ተሰሚዑን ጌና ይስማዕ ኣሎን።

ኣብ 39 ዕድሚኡ ዝተቀንጸለ መምህር

"ጸልማት ንጸልማት ኣየውጽኦን፣ ብርሃን'ዩ ፈውሱ - ጽልኢ ንጽልኢ ነይኣልዮ፡ ፍቕሪ'ዩ ጓስኡ" እናበለ ዝምህር ዝነበረ መምህር ብሓደ ኣብ ጸልማት ዝመላለስን ብጽልኢ ዝተላዕጠጠ ሰብ ኣብ 39 ዕድሚኡ፡ ኣብ ጥርዚ ህቡብነቱ ተቐትለ።

እቲ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ዝተነብረሉ መራሕ መሰላት ደቂ-ሰብ፡ ናይ ሞራል መምህር ወይ ከኣ ሓላፊ ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ብኣሊፍ ጠፍአ፣ ብ 4 ሚያዝያ 1968 ኣብ መምፊስ (ተነሲ) ካብ ጀምስ አርል ረይ ብዝተተኰሰት ጥይት ተቐትለ።

እቲ ቀታሊኡ ሓደ ቀጣፊ ገበነኛ ሰብ ነበረ። በቲ ዝፈጸሞ ገበን ከኣ ን99 ዓመት ክእሰር ተፈርደ። ወዮ ንህይወትን ትምህርትን ቃልስን ማርቲን ሉተር ክዀልፍ ዝሃቀነ ቀታሊ ንዕዮኡ ናህሪ ድኣ ወሰኸሉ።

ቅድሚ ሞቱ፡ ህቡብነቱን ቃልሱን ክብ እናበለ ይኸይድ ነይሩ'ዩ፣ መንግስታት ኣሜርካን እቲ ካልእ ዓለምን ንሰላማዊ ቃልሱ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ድሮ ፈሊጠናሉ ስለዝነበራ ብኽብሪ ይሕዝኦ ነይረን'የን።

ኣብ ኦስሎ (ኖርወይ) እቲ ዝለዓለ ናይ ኖቤል ሰላም ብልጫ ዝተዋህበሉ እዋን (10 ታሕሳስ 1964) እቲ ኣቦ-መንበር ከምዚ ዚስዕብ እናበለ መስከረሉ ...

"ማርቲን ሉተር ኣብ ሃገራት ምዕራብ እቲ ቀዳማይ ሰብ ቃልሲ ብዘይ ጎነጽ ሽቶኡ ክወቅዕ ከም ዝኽእል ዘርኣየና ሰብ'ዩ። ንሱ ሕውነታዊ ፍቕሪ ተሓንጊጡ መልእኽቱ ክውነታዊ ክግብሮ ዝኸኣለ ዀይኑ፡ መልእኽቱ ድማ ኣብ ኵሎም ደቂ-ሰባት፡ ኵለን ሃገራት፡ ኵሎም ዓሌታት ክሰርጽ ከኣለ።"

መደረ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንዝሰምዐ፡ ብድምጹ፡ ብኣወዳድቓ ዘረባኡ፡ ብገጻዊ መርኣያኡ፡ ብጻዕቂ መጐትኡ ይምሰጥ ነበረ። መደርኡ ናይ ስብከት ኣቀራርባ'ኳ ይንበሮ ንሱ ዝህቦ ዝነበረ ፖለቲካውን ሞራላውን ማዕዳ መዘና ኣይነበሮን። ኣይኰነንዶ ብህይወቱ ምስ ሞተ'ውን ህቡብነቱን ጥሉልነት መደረታቱን ኣይዘሓለን።

"ኣርባዕቲኦም ደቀይ ብሕብሪ ቆርበቶም ዘይኰነስ ብትሕዝቶ ባህሪኦም ክዳነዩ ሕልሚ ኣሎኒ" እንበለ ክምድር ዝሰምዕዎ ክምስክሩ ምስማዖም ንገዛ ርእሱ ተዘዝታ ዚፈጥር ስምዒት'ዩ። ንሰማዕቲ አዒንቶም ንብዓት ከም ዝቘጽሩ፡ ንቀልቦም ከኣ ኣብ ዕዛመ ዘእቱ ብሉጽ ጽፈት ነበሮ። ሕልሚ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንቃልስን መንፈስን ጸለምቲ ኣሜሪካ ዓትዒቱ ሓዞ፡ መምርሒ ዅኖ፡ ሰንደቕ ዕላማ ሸለሞ።

ቀብሪ ማርቲን ሉተር ብዘደንቕ ኣገባብ ተሰንዩ ኢዩ ካብ'ዛ ዓለም ተሰናቢቱ። ኣብ ቀብሩ ዳርጋ 200 ሺሕ ሕዝቢ'ዩ ተሳቲፉ። እወ፡ ኣብ ቀብሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣገልገልቲ ህዝቢ፡ ማእለያ ዘይነበሮም ሰዓብቱ፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራሕቲ ናይ ሲቪል መሰላት፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ፊልም፡ ሙዚቀኛታት፡ ጸሓፍትን ገጠምትን፡ ስፖርተኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ'ውን ካልኦት ... ጃንሆይ'ውን ኣብ ቀብሩ ውዒሎም'ዮም።

ብህይወቱ እንተ ዚነብር ...

ማርቲን ሉተር እዚ ናይ ሎም ኵነታት ኣፍሪቃ እንተ ዝርኢ እንታይ ምበለ? መሰል ሰብ መመሊሱ ክገሃስ - መራሕቲ ንዜጋታቶም ክዕምጹ፡ ስልጣን ንህዝቢ ንኸየረክቡ ምስምስ ክፈጥሩ፡ ብብልሽውና ተላዕጢጦም ንቝጠባ ዝሕምሱ፡ ማርቲን ሉተር ሱቕዶ ምበለ? ኣፍሪቃውያን ብጥምየትን ባህርያዊ ዕንወት ሓጸልጸል ክብሉ፡ ሰባት ብመጋርያ ክስደዱ፡ ውግእን ሽበራን ክስስኑ ከም ተዓዛቢ ጸግዑ ሒዙ ሱቕ ኣይምበለን።

ህይወት ማርቲን ሉተር ንፍትሕን ዕብየትን ለውጥን ዓዳሚ'ዩ። ንሱ ባዕሉ ንክብሪ ደቂ-ሰብ ክብ ንምባል ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝሰርሐን ዝተሰውአን ሰብ'ዩ። ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሃገር፡ ኣብ ጸግዒ ሲቪላዊ ሓርነት ኰይኖም ዝጕስጕሱ ሰባት፡ መራሕትን ኣባላትን ማሕበረ-ሰባት፡ ተምሃሮን ናይ ትምህርቲ ትካላትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን፡ ብማርቲን ሉተርን ጕዕዞ ህይወቱን ኣዕሚቖም ክሓስቡን ኣብነቱ ክኽተሉን ይግባእ።