ናይ መወዳእታ ብህይወት ዝጸንሐት ጊላ

ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝነበረ ንግዲ ጊላነት፡ ዝተረስዐ ፍጻሜ ርሑቕ መዋእል ክመስል ይኽእል።

ሓንቲ ተመራማሪት ታሪኽ ግን፡ ናይዚ ታሪኽ ምስክር ዝኾነት፡ ናይ መወዳእታ ብህይወት ተሪፋ ዝነበረት ግዳይ፡ መረዳእታ ረኺባ ኣላ።

ዶክተር ሃና ዱርኪን፡ ተመራማሪት ታሪክ ዩኒቨርሲቲ ኒውካስትል እያ።

ንሳ፡ እታ ናይ መወዳእታ ብህይወት ዝተረፈት ውጻእ ንግዲ ባርያ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሜሪካ ተገፊዓ ናይ ዝመጽአት፡ ብ1937 ዓ.ም.ፈ ዝሞተት ሮዲሽ ስሚዝ ዝተብሃለት ሰብ እያ ኢላ ነይራ።

ሕጂ ግን፡ ካልእ ክሳብ 1940 ዓ.ም ብህይወት ናይ ዝጸንሐት ማቲልዳ ማክሬር ዝተብሃለት ባርያ፡ ታሪኽ ረኺባ ኣላ።

ማቲልዳ አብ መበል 83 ዓመታ ኣብ 1940 ኣብ ሰልማ ኣላባማ እያ ሞይታ።

ኣብቲ ንጸለምቲ መሰል ፈጺሙ ዘይሕሰበሉ ዘመን ኮይና ግን፡ ንመሰላ ትቃለስ ምንባራ መጽናዕቲ ታሪኻ የረድእ።

እቲ ኣይግዛእን በሃላይ ታሪኽ ህይወታ ድማ፡ ካብ ኣፍሪቃ ተጨውዮም ምስ ዝመጽኡ ዘራኽባ ዛንትኣ ኮይኑ ኣሎ።

ወዲ 83 ዓመት ወዲ ጓላ ጆኒ ክሬር፡ ብዛዕባ ታሪኽ እነ ሓጉኡ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን።

ብ1960ታት፡ ኣብ ሰልማ ዓመጽ ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወም ሰልፊ ክካየድ ዝዝክር ምስክር እቲ ዝነበረ ፍጻሜ'ዩ። ኣብዚ ግዘ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።

እኖ ሓጉኡ ብንግዲ ባርያ ተገፊዓ ከም ዝመጽአት ምስ ፈለጠ፡"ብዙሓት ዝተሓዋወሱ ስምዒታት ይስምዑኒ ነይሮም" ኢሉ።

"እቲ ዝኾነ ነገር እንተዘይትሓልፍ ነይራ፡ ኣነ ኣብዚ ኣይምሃለኹን" ክብል እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቁጥዐ ይድመጽ።

ማቲልዳ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጌና ጓል ክልተ ዓመት እንከላ እያ ብነጋዶ ንግዲ ባሮት ተታሒዛ።

ብ1860 ድማ፡ ኣብታ ባሮት ሒዛ ኣልባማ ዝኣተወት ናይ መወዳእታ መርከብ ትራንስኣትላንቲክ ተጻዒና ነይራ።

ሃብታም ወናኒ 'ሜሞራብል ክሬግ' ብዝተብሃለ ናይ ምግራብ ስራሕቲ ዘስርሕ ዝነበረ ትካል፡ ንኣዲኣ ግሬስን ሓፍታ ሳሊን ማቲልዳን ገዚኡ ኣምጺኡወን።

ዶክተር ዱርኪን እዚ ስድራ ዘትረፎ እንተሃለወ፡ ምፍልላይ፣ ምጥፍፋእን ምውንዳብን እዩ ትብል።

ኣደ ማቲልዳ፡ ኣቦ ደቃን ካልኦት ክልተ ደቃን ኣብ ኣፍሪቃ ገዲፋ እያ፡ ተገዚኣ ጊላ ኮይና ከተገልግል መጺኣ።

ኣብ ኣሜሪካ ምስ መጽአት ድማ ክልቲኤን ደቃ ብሓይሊ ተመንጢላ፡ ዳግም ፈጺማ ከም ዘይትርእየን ብምግባር ናብ ካልእ ወናኒ እንትሽየጣ ኣይፋል ኢላ ኣብ ሕቑፍኣ እተትርፈሉ ሓይሊ ኣይነበራን።

ማቲልዳ፣ ግሬስን ሳሊን ልክዕ ኣብቲ ኣግራብ ዝፈልሰሉ ቦታ ምስ በጽሓ ክሃድማ ፈቲነን፤ ከይተሳኽዐለን ተሪፉ ዳግም ተታሒዘን እየን።

ንግዲ ባሮት ብ1865 እንትውገድን ሓራ ክወጽኡ እንትውሰንን፡ ስድራ ማቲልዳ ግን ሕጂ'ውን ብድኽነት ተቖሪኑ፡ ኣብቲ መሬት ዘራእቲ ኣብ ምብቋል ይሰርሕ ነይሩ።

ግሬስ ብዙሕ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝተመሃረት ኣይትመስልን።

"ንግዲ ባርያ ምስ ተወገደ ኣብ ዘለው ዓመታት፡ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ውሽጢ ካብ ሓንቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ትጽቢት ዝግበር ዝነበረ ትቃወም ብምንባራ፡ ታሪኽ ማቲልዳ ዝተፈለየ'ዩ" ትብል ተመራማሪት ታሪክ ዱርኪን።

"ኣይተመርዐወትን። ትውልዲ ጀርመን ካብ ዝኾነን ንዓሰርታት ዓመታት ብሓባር ኣብ ሓዳር ምስኣ ካብ ዝጸንሐን ሰብኣይ፡ 14 ቆልዑ ነይሮምዋ"።

መጻምዳ፡ ኣይሁዳዊ ይመስል ትብል ዶክተር ዱርኪን።

ፍቕራዊ ምሕዝነት እዞም መጻምዲ፡ በቲ ግዘ "ዘደንቕ" እዩ ነይሩ፤ ብዓሌት፣ ደረጃ መነባብሮ፣ ሃይማኖትን ማሕበራዊ ድርኺትን ኣይተገደበን።

ማቲልዳ ድማ ካብቲ ብጊላነት ዝወነና ግሬግ ዝብል ሽም፡ ናብ ማክሬር ቀይራ። ብተፈጥሮኣ ደረቕን ብርትዕትን ሰብ እያ ነይራ፡ ትብል ዶክተር ዱርኪን።

"ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጌና ቖልዓ እንከላ እኳ እንተወጽአት፡ ኣዲኣ ዘምሃረታ ባህላዊ ኣሰራርሓ ጸጉሪ እያ ተዘውትር ነይራ" ትብል።

ውጽኢት መጽናዕቲ ዶክተር ዱርኪን፡ ኣብ መጽሄት ጊላነትን ምውጋድ ጊላነትን ተሓቲሙ'ዩ።

ማቲልዳ ኣብ ከባቢ 70 ዓመታ ካልእ ጉዕዞ ገጢሙዋ ነይሩ፤ ብንግዲ ባሮት ንዝበጽሓ በደል ካሕሳ ንምሕታት፡ ልዕሊ 24 ኪሎሜትር ብእግራ ተጓዒዛ።

ሽዑ፡ ሓንቲ ካብቶም ውሑዳት ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት ንግዲ ባሮት ኮይና፡ ነንሓድሕዶም ይራኸቡ ነይሮም።

ኣብ ጥቓ ኣልባማ፡ ዮርባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቋንቋ ዝዛረቡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንጊላነት ዝመጽኡ ኣፍሪቃውያን ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ሞቦቆላዊ ባህላ ዝተኣሳሰሩ ልምድታት ክሳዕ መወዳእታ ሒዛ ነይራ።

ብ1930ታት፡ እዚ ናይ ካሕሳ መስርሕ ድኻታት፣ ጸለምቲ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ባሮት ዝነበሩ ዘጠቓልል ስለ ዘይነበረ፡ ማቲልዳ ክትረኽቦ እትኽእል ርህራሀ ንኡሽቶ ዕድል ስለ ዝነበሮ፡ ሕቶኣ ተነጺጉ።

ከምዚ ዝበለ ስምዒትኻ ዝጎድእ ሓሳብ ካሕሳ ባርነት፡ ትኹረት ጋዜጠኛታት ስሒቡ፡ ብዙሓት ቃለ-መሕትት ዝርዝር ታሪኽ ህይወታ ክስነድ ገይሮም እዮም።

ክትመውት እንከላ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መርድእ ኣይነበረን፤ ቖላሕታ'ውን ኣይረኸበን።

ዶክተር ዱርኪን፡ "ባርያ ምስ ምንባርካ ተኣሳሲሩ ዝበጽሕ ምግላል ነይሩ። እቲ ሕፍረት ኣብ ክንዲ ነቶም ገዛእቲ፡ ነቶም ግዳይ ጊላነት ዝኾኑ እዩ ለጊቡዎም"።

ወዲ ወዳ ጆኒ ማክሬር፡ "ንሳ ትነብረሉ ኣብ ዝነበረ ገዛ እየ ተወሊደ" ይብል።

ስድርኡ፡ ማቲልዳ መበቆላ ኣፍሪቃ ምዃኑ እንተፈለጡ'ውን፡ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወታ ግን ብዙሕ ኣይተዘርበን።

"እዚ ብዛዕብኣ ዝነበረና ጎዶሎታት ክመልኣልና እዩ" ክብል ነቲ ሕጂ ብዛዕብኣ ተረኺቡ ዘሎ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ተስፋ ይገብረሉ።

ኣብ ልዕሊ ማቲልዳ ዝበጽሐ ግፍዒ ግን፡ ብዙሕ ኣየደንቖን።

እኳ ድኣ፡ "ናብዚ ኣህጉር፡ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ብጊላነት ከገልግል ካብ ዝተወሰደላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ናጽነቶም ክንቃለስ ነይሩና" ይብል።

ንሱ፡ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ኣብ ዝነበሮ ኩነታት እዩ ዓብዩ። ወለዱ ግን ካብ ድኽነት ንምውጻእን "ዓለም ንምቕያርን" ትምህርቲ ቁልፊ ግደ ኣለዎ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ዝኣምኑ ስድራ እዩ ዓብዩ።

ብዛዕባ እኖ ሓጉኡ ዘለዎ ሕጽረት ታሪኽ ግን፡ ክንደየናይ ታሪኽ ንግዲ ባርያ ዘይተነግረሉ ፍጻሜ ምዃኑ የመላኽት።

"ማቲልዳ፡ ሓያል ምንባራ ኣየደንቐንን" ዝብል ክሬር፡ ኣብቲ እዋን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ኣብ ናይ ጊላነት ዓመታት ዝበጽሑ ዝነበሩ ወጽዓታት ዘልዕሉ'ዮም ነይሮም ይብል።

እዚ ድማ ተመሳሳሊ "ቀጻልነት ናብ ዘለዎ ቓልሲ" ብምእታው "ሓቀኛ ናጽነትን መዓርነትን" ንምምጻእ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑን እዚ ድማ እኖ ሓጉኡ እትደልዮ ዝነበረትን ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ንሳ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዝወነነት ምንባራ፡ ብጣዕሚ'ዩ ደስ ዝብል" ኢሉ።