ዘበናዊ ባርነት እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይግለጽ?

"ዓለም ብዓውሎማዊ ንጥፈታት ናብ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ደቂ ሰባት ኣብ ህዋን መዓሙቕ ውቅያኖስን ምርምር ኣብ ዘካይድሉ መበል 21 ክፍለ ዘበን ዘበናዊ ባርነት ምህላው ክትንገርን ክትሰምዕን ቃንዛ እዩ ግን ከኣ እቲ ከውንነት ከምኡ እዩ ዘሎ" ይብል ኪዳነ ብርሃነ ብዓለማዊ መዓልቲ ባርነት ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ።

ብምቕጻል ኣስታት 27 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ቖልዑ ከይተረፉ ብባርነት ኣብ ዝግለጽ ዕዮን ክድምናን ከም ዝተጸምዱ፡ ብዙሓት ሰባት ብዕዳን ልቓሕን ተታሒዞም፡ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሽቕልን ክድምናን ከም ዝሳቐዩ፡ ብግዱድ መርዓን ግዱድ ምንዝርናን ክድምናን ከም ዝሳቐያ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ከም ዝሕር ይዛረብ።

እንተኾነ ብዙሕ ሰብ ኣብዚ እዋን እዚ ዘበናዊ ባርነት ከምዘሎ ኣይርዳእን እዩ።

ስለ ዝኾነ እቲ ኣንጻር ዘበናዊ ባርነት ዝካየድ ጎስጓስን ቃልስን ንክዕወት ማሕበረ ሰብ ዓለም ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈለላየ ኩርናዕ ዓለም ገና ይቕጽል ከምዘሎ ምእማንን ምቕባልን ከምዘድሊ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ጭብጥን ኣሃዛትን ሓቅታት

  • ኣስታት 40.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘበናዊ ባርነት ይነብሩ። ካብኣቶም እቶም 24.9 ሚልዮን ብግዱድ ዕዩ እቶም ዝተረፉ 15.4 ሚልዮን ከኣ ግዱድ መርዓ የጋጥሞም
  • ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽሕ ሰባት ሓሙሽተ ሰባት ግዳይ ዘበናዊ ጊላነት እዮም
  • 1 ካብ 4 ቖልዑት ከኣ ግዳያት ዘበናዊ ባርነት እዮም
  • ካብቶም 24.9 ሚልዮን ግዱድ ዕዮ ዘጋጥሞም ሰባት እቶም 16 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ህንጻን ክድምናን ሕርሻን ብብሕታዊ ትካላት ይምዝመዙ
  • 4.8 ሚልዮን ሰባት ብግዱድ ምንዝርና ይምዝመዛ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ብመንግስታት ተገዲዶም ግዱድ ዕዮ ይፍጽሙ
  • ካብዚ ዝተገልጸ ኣሃዛት 99% ደቀንስትዮ ኣብ ግዱድ ምንዝርና 58% ከኣ ኣብ ብካልእ ጽላት ዘበናዊ ባርነት ከምዝጥቀዓ ዓለማዊ ውድብ ዕዮ ይሕብር

ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሓደ ስድራ-ቤት እትሰርሕ ንግስቲ ንጉሰ " ክድምና …. እሞ ኸኣ ምስ ስድራ ቤት-ዓረብ ባርነት እዩ።

ግን ከኣ ጉልበትና ሂብና ሰሪሕና ደቅና ነዕብን ስድራና ንኣልን ስለዘሎና ከምዝሃበና ከይፈተና ንቕበሎ ኣሎና" ትብል።

ኣብ ኤርትራ ሳላምን ቅሳነትን ተረኺቡስ ሰባት ነብሶም ከመሓድረሉ ዝኽእሉ ስራሕን ጸጋን ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ኣብ ስዑዲ ሓንቲ ለይቲ እውን ትኹን ክትውዕልን ክትሓድርን ከም ዘይትደሊ፡ ወትሩ ከኣ "ፈጣሪ ባርያኻ እምበር ባርያ ሰብ ኣይትግበረኒ" ኢላ ከም እትጽሊ ትዛረብ።

ካድራት ሓፋሽ ውድባት ኢጣልያ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ዘጋጥም ዝነበረ ዘበናዊ ባርነት ንምእላይ ልዑል ተራ ከምዝተጻወቱ ዝዝክር ደስበለ መሓሪ፡ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን፡ ኣብ ገሊኡ ስድራታት ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ እውን ከየዕረፋ ለይትን ቀትርን እናሰርሓ ንሰውራን ስድራን ከም ዝጠወራ ብኣድናቖት ይዝክር።

ይኹን እምበር "ሕጂ እውን እንተኾነ ኣዴታትን ኣሓትን ኣብ ጥልያን ከቢድ ክድምና ይገጥመን ምህላው ክፍለጥ ይግባእ" ይብል።

ከቢድ እዩ። ብፍላይ ገሊኦም ስድራታት ሰሪሕካ ትደክም እውን ኣይመስሎምን እዩ።

ጋሕጋሕ ንግሆ ምስተንሳእካ ኣብራኽካ ከይዓጸፍካ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ገልጠምጠም ክትብል እዩ ምድሪ ዝዓርበካ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስዑዲ ዝሰርሐት ሕጆ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ኣበባ " ክድምና ስዑድያ ዝፈተነ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ" ትብል።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1991 ንግዳያት ባርነት ንምሕጋዝ ሓደ ናይ ሕድሪ ማዕከን ብምቛዕ ንብዙሓት ግዳያት ዘበናዊ ባርነት መሰረታዊ ደገፍን ሓገዝን ከምዝሃበ የረድእ።

እቲ ናይ ሕድሪ ማዕከን ክሳብ ሕጂ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ግዳያት ሓገዝ ከም ዝሃበን፡ ብዙሓት ብባርነታዊ ዕዮ ክምዝመዛን ክጭቆናን ዝጸንሓ ደቀንስትዮ ካብቲ ዝተታሕዛሉ ጨካን ናብራን ሃለዋትን ወጺአን ደገፍን ስልጠናን ረኺበን ክብረተን ከምዝመለሳን ጸብጻባቱ ይዛረብ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ ሕድሪ ትካል ብ500 ፕሮጀክትታት ንብዙሓት ግዳያት እኳ እንተጣየሰ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ገና ብዙሓት ደቀንስትዮ ብደላሎን ጾታዊ ንግድ ይሳቐያ ምህላወን፤ ብዙሓት ሕጻናት እውን ብሽቕለት ዕደናን ሕርሻን ይምዝመዙ ምህላዎም እቲ ዓለማዊ ውድብ ዕዮ ይሕብር።

ኣብዚ መበል 21 ዘበን ብዙሓት ኤርትራውያ፡ ሱዳናውያን፡ ሶማላውያን፡ ኢትዮጵያውያ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ግዳያት ደላሎን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ኮይኖም ኣብ ከተማታት ሊብያን በረኻታት ሲናይን ይሳቐዩ ምህላዎም ደስበለ መሓሪ ዝጠቅስ።

ብምስዓብ "ነቲ ጎይቶት ንገላዩ ዝሸጥሉን ዝልውጡሉን ዝነበሩ እዋን ሕጂ ኣብ ከተማታት ሊብያ ብጨረታ ክድገም ምርኣይ ሕልና ደቂ ሰባት ማዕረ ክንደይ ወሪዱ ምህላው ዘርኢ እዩ" ይብል ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ካብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ጎደናታት ትሩፕሊ ወጺአን ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረለን ዝሓታ ዝነበራ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብምዝካር።

ዓለማዊ ውድብ ዕዮ፡ ዋላኳ ዘበናዊ ባርነት እንታይ ማለት ምዃኑ ብሕጊ እንተዘይተገልጸ፡ ንከም ግዱድ ዕዮ፡ ኣምሳያ ልቓሕ ምኽዳም፡ ግዱድ መርዓ፡ ድለላን ንግድን ደቂ ሰባት፡ ነብሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ መሳኪን ሰባት ብምፍርራሕን ብምድላልን ጉልበቶምን ክብረቶምን ምምዝማዝ ዝኣመሰለ ምዃኑ የረድእ።