እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣማዞን ዝተሰኣለት ምስ ክታበት ትልዓል ኣዘራራቢት ስእልን ዛንታኣን
እታ ስእሊ ኣብ ብራዚል ጫካታት ኣማዞን ትዋይ ዙ ዝብሃል ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ንወዲ 67 ሽማግለ ኣቡኡ ሓዚሉ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት ጉዕዞ ብምኻያድ ናብ ማእከል ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ እናወሰዶ እንከሎ ተርኢ እያ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ድሕሪ ምዝርጋሓ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ጸገም ትሕተ ቅርጺ ንመስርሕ ክታበት ይዓናቕፎ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ካብ ብዙሓተ ይውሕዝ ኣሎ።
ኣቦን ወድን ደሕሪ ሰዓታት ዝወሰደ ጉዕዞ ተኸቲቦም'ዮም። መንእሰይ ትዋይ፡ ንኣቡኡ ናብ መበቆል ዓዶም ንኽመልሶም ብማእከል ጫካታት ኣማዞን ሽዱሽተ ሰዓታት ሓዚልዎም ክምለስ ምዃኑ'ኳ ይፈልጥ እንተነበረ፡ ንድኻሙ ኣቓልቦ ከይሃበ ድሕሪ ምኽታቡ ንሓጎሱ ብድሙቕ ፍሽኽታ'ዩ ገሊጽዎ።
ሰብ መዚ ብራዚል ካብ ደቀባት ኣማዞን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 853 ሰባት ከምዝሞቱ እዮም ዝገልጹ።
ተጣበቕቲ ደቀባት ብራዚል ግን እቲ ቁጽሪ ካብዚ መንግስቲ ዝገለጾ ኣዝዩ ከምዝዛይድ'ዮም ዝምጉቱ።
ኣፒብ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ብራዚል ካብ መጋቢት 2020 ክሳብ መጋቢት 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 1000 ደቀባት ኣማዞን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ'ዩ ይሕብር።
ትዋይን ኣቡኡ ዋሁን መበቆሎም ካብቶም ዛኡ ዝብሃሉ ደቀባት ኣማዞን'ዮም። እቲ ዓሌት ኸኣ ብሓፈሻ 325 ብዝሒ ሰባት ጥራይ እዮም ዘለዉዎ።
ዓሌት ዛኡ ኣብ 1.2 ሚልዮን ስፍሓት ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝኸውን መሬት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዞባ ፓራ ኣብ ሓደ ንጹል ቦታ ኣብ ፋሕ ዝበላ ቁሸታት'ዮም ዝነብሩ።
ዶክተር ኤሪክ ጀኒንግ ሲሞንስ ነታ ትዋይን ንኣቡኡ ሓዚልዎ እንከሎ ዝሰኣሎ ሓኪም'ዩ።
ኣቡኡ ንትዋይ ብርቱዕ ሕማም ዓጽረ ሽንቲ ስለዝነበሮ ናብ ብዓል ዶክተር ኤሪክ ጀኒንግ ሲሞንስ ክብጽሕ እንከሎ ኣዝዩ ተዳኺሙ ምንባሩ ዶክተር ኤሪክ ይገልጽ።
ዶክተር ኤሪክ ብምስዓብ ናብቲ ቦታ ንኽበጽሑ ኣስታት 6 ሰዓታት ከምዝተጓዕዙ'ውን መስኪሩ።
"ኣብ ሞንጎኦም ዘለዎም ፍቕሪ ዘርኢ ግሩም ኣብነት እዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ተጋድሎ የርኢ" ይብል ዶክተር ኤሪክ።
እታ ስእሊ ኣብ ጥሪ 2021፡ ብራዚል ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጎስጓስ ብምክያድ ኣብ ትኸትበሉ ዝነበረት እዋን እያ ተሳኢላ።
ዶክተር ኤሪክ ግን ነታ ስእሊ ኣብ ጥሪ 2022 እዩ ኣብ ኢናስታግራም ለጢፍዋ።
ኣብ ልዕሊ እታ ስእሊ ኸኣ "ጽቡቕ መንፈስ ዘሎዎ መልእኽቲ ኣብ ምጅማር ሓዲሽ ዓመት" ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩላ።
ኣብ ብራዚል መደብ ክታበት ኣብ ዝተጀመረሉ እቶም ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ ደቀባት ቀዳምነት እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ።
እንተኾነ እተን ኣብ ጫካታት ኣማዞን ዝርከባ ዓድታት ፈቐድኦ ፋሕ ዝበላ ስለዝኾና እቲ መደብ ከምቲ ዝተወጠኖ ክኸይድ ከምዘይክኣለ'ዮም ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ዝዛረቡ።
ከም ኣማራጺ ኸኣ መንግስቲ ኣብ ማእከል ጫካታት ኣማዞን ሓካይም ብምውፋር ኣብ ዘተዳለዋ ንኣሽቱ ኣጓዱ እቲ ክታበት ከምዝውሃብ እዩ ተገይሩ።
ኣቡኡ ንትዋይ ኣቶ ዉሁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ሕማም ሞይቶም እዮም፡ ትዋይን ስድርኡን ግን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ሳልሳይ ዙርያ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ተወጊኦም'ዮም።