ኮሮናቫይረስ፡ ብኢደ ወነና ንተምሃራያ ክታበት ኮቪድ ዝሃበት መምህር ተኣሲራ

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ መምህር ስነ ፍልጠት ዝኾነት ንወዲ 17 ዓመት ተምሃራያ ክታበት ኮቪድ ብምኽታባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተየት ሓለፍቲ መንግስቲ ተዛሪቦም ።

ሎራ ሩሶ ዝኾነ ስሩዕ ሞያዊ ስልጠና ዘይብላ እንከላን ንወለዲ እቲ ተምሃሪ ከየፍቀደትን እያ ነቲ ተምሃራይ ከቲባቶ ተባሂሉ።

እታ ጓል 54 ዓመት ምምህር ስነ-ህይወት፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ እያ ከምኡ ምስ ገበረት ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

እታ መምህር በቲ ተኸሲሳቶ ዘላ ገበነኛ ኾይና እንተተረኺባ ድማ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ክትእሰር ከምእትኽልእ እዩ ዝሕበር።

እቲ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ፤ ክታበት ክወስድ ደልዩ ነይሩ'ዩ እንተኾነ እቲ ክታበት ኣብ ዘይኮነ እንተደኣ ተወጊኡ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ዶኳትርን ብሕጊ ዝተፈቕደሎም ሰብ-ሞያ ሕክምናን እቲ ክታበት መዓልቱ ከምዘይሓለፎን ካልእ ጎናዊ ጉድኣት ከምዘየምጽእን ከረጋግጹ ኣለዎም።

ከምኡ'ውን ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝወሃብ ክታበት፡ ወለዲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ናይ ውላዶም ቅድመ-ታሪክ መድሓኒትን ሓደ ግዜ ክታበት ምስ ዝወሃቦም ኣብ ኣካላቶም ዝርአ ለውጥን ክትትል ክግበረሉ ግድን እዩ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ወይዘሪት ሎራ ሩሶ እቲ ነቲ ቖልዓ ዝሃበቶ ክታበት እንታይ ዓይነት ከምዝኾነን ብኸመይ ክትረኽቦ ከምዝኸኣለትን ኣይተነጸረን።

ዛጊት ኣብታ ሃገር፡ ፋይዘር ጥራይ እዩ ንታሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ክወሃብ ብሕጊ ተፈቒዱ ዘሎ።

ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፡ እታ መምህር ነቲ ተምሃራይ 'ኣጆካ ምንም ኣይትኸውንን' ክትብሎ ትስማዕ።

ሰብ ስልጣን ከምዝብልዎ፡ እቲ ቖልዓ ገዛ ኣትዩ ነቲ ዝኾነ ኩሉ ምስተዛረበ እዩ፡ እቶም ወለዲ ፖሊስ ጸዊዖም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ፓትሪክ ራይደር፡ "እታ መምህር ክታበት ብኸመይ ክትርክብ ከምዝኸኣለት ይምርመር ኣሎ" ኢሉ።

ተሓባባሪ ቢቢሲ ዝኾነ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ከምዝጸብጸቦ፡ እታ መምህር ካብቲ እተምህረሉ ሄሪክስ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተባረረት ኮይና፡ ፖሊስ፡ ውጽኢት መርመራ ክሳብ ዝወጽእ ይጽበ ኣሎ።

ንሳ፡ ዘይሞያዊ ኣገልግሎት ብምሃብ እያ ክሲ ተመስሪቱላ ዘሎ።

እቲ ጉዳይ ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ንዝመጽእ 21 ጥሪ 2022 ቆጸራ ሂቡ ኣሎ።