ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን፡ ደቀ'ባት እቲ ከባቢ ‘ኣንጸላልይዎም ዘሎ ጽንተት’

"ብአኦም ኣዝየ እየ ተሻቂለ ዘለኹ፡ ክቐትልዎ'ዮም ንሕና'ውን ብድሕሪኦም ኣይክንህሉን ኢና"።

ሪታ ፒሪፕኩራ ናብ ካሜራ ገጻ እናጠመተት፡ ብዘስቆርቅር ድምጺ እያ ትዛረብ ነይራ።

እዛ ሽማግለ ሰበይቲ ንሓዋ ባይታን ወዲ ሓዋ ታማድዋን ኣመልኪታ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ዩ ናብ ህዝቢ በጺሑ።

ባይታ: ታማድዋን ሪታን ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣማዞን ኣብ ማእከል ጫካታት ተነጺሉ ዘሎ ፒሪፓካራ ዝተባህለ ዓሌት [ቀቢላ] እዮም።

ክኢላታት ተጣበቕት እቲ ከባቢ ኸኣ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ብርሰት ኣግራብን ንመፋረዪ ከፍቲ ተባሂሉ ዝውሃበ ዘሎ መሬት ካብ መሬቶም ብሓይሊ ክፋነቀሉ የገድዶም ስለዘሎ 'ጽንተት ኣንጸላልይዎም' ከምዘሎ ይገልጹ።

ዋላ እኳ ሪታ ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ትራኸብ እንተኾነት ባይታን ታማድዋን ግን ኣብ ውሽጢ ኣማዞን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተራኸቡ ነተ ውርሻ ዓሌትና ኢሎም ዝኣምንሉ ቦታ ኣብ ምሕላው እዮም ዝርከቡ።

ሪታ ኸኣ ምስቶም በብቁሩን ኣግራብ እናኣብረሱ ናብ ከባቢኦም ዝቐርብዎም ዘለዉ ካይጓነጹ'ሞ ሞት ከይስዕብ እዩ ስግኣታ።

ስዕረት ኵናት

እዞም ስድራ ኣብ ዞባ ማቶ ግሮሶ ኣብ ማእከል ጫካ ኣማዞን እዮም ዝነብሩ። ዋላ እኳ ብሕጊ ብራዚል ብርሰት ኣግራብ ኩልኩል እንተኾነ፡ ስድራ ፒሪፐኩራ ግን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ኣግራብ ካብ ብርሰት ንምክልኻል ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ ተደጋጋሚ ስዕረት'ዩ ዘጋጥሞም ዘሎ።

እዞም ዓሌትን ስድራን ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ'ኳ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከጋጥሞም እንተጸነሐ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን እቲ ተጻብኦታት እናኸረረ ምኻዱ'ያ ሪታ ትዛረብ።

ብሓደ ዘይመንገስታዊ ትካል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዘርእዮ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክሳብ ሓምለ 2021 ኣብቲ ካባቢ 24 ትርቢዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዎ ኣግራብ ከምዝበረሰ ብስእሊ ኣሰንዩ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

ነዚ ስፍሓት እዚ ስእላዊ ንምግባር ስፍሓቱ ክንዲ 3000 መጻወቲ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ወላ'ኳ ኩሎም እቶም ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ ደቀ'ባት ብሓረስቶት፡ ብዘይሕጋውያን ቆረጽቲ ኣግራብን ዓደንትን ተጻብኦታት ይበጽሖም እንተኾነ ንዓሌት ፒሪፕኩራ ዝብጽሖም ዘሎ ግን ሕልፍ ዝበለ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ሳራ ሸንከር ኣብ ለንዶን ዝመደበሩ ንደቀባት ኣብ ዝጣበቕ ትካል ዘይመንገስታዊ ማሕበር ትሰረሕ ኮይና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ኣብ ዝኸፈአ ጫፍ ናይ ጽንተት እዮም ዘለዉ ኣብ ውሑድ መዓልታት ክቕተሉ ይኽእሉ'ዮም" ኢላ።

"እቶም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣግራብ ዘብርሱ ዘለዉ ሰባት ናብቲ ብዓል ባይታን ታማድዋን ዘለዉዎ ቦታ እናቐረቡ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ" ኢላ።

ዋና ጽሓፊ ዘይመንግስታዊ ትካል ተጣባቒ ደቀ'ባት ለኒን ብዛዕባ ፒሪፕኩራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ነቲ ኣብቲ ካባቢ ዝርከቡ ኣግራብ ዘብርሱ ዘለዉ፡ ናብቲ ባይታን ታማድዋን ዘለዉዎ ወይ ኣለዉዎ ተባሂሉ ዝእመን 5 ኪሎሜተር ቐሪቦም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ለኒን፡ "ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት'ዮም ዝርከቡ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ካብ ፋኑናን ናይ ብራዚል ምክልኻል ስነ ከባቢ ዝተዋጽኡ ኮሚቴ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታተ ጸብጻብ ብምቐራቦም ካብቶም ኣግራብ ዘብሩሱ ዘለዉ ምፍረራሓት ከምዝበጽሖም'ውን ጸብጻብ በጺሕና ኣሎ" ኢሉ።

ሃለዋት ናይቶም ተነጺሎም ዘለዉ ዓሌታት

እቲ ንዓሌት ፒሪፕኩራ ዘጋጥሞም ዘሎ ተነጸሎን ፈተነን ዳርጋ ኣብ ኩሎም እቶም ኣብ ኣማዞን ዝርከቡ ዓሌታት ዘጋጥም ዘሎ እዩ።

ምስ ግዳማዊ ዓለም ርክብ ስለዘይብሎም ኸኣ ኣውያቶም ክስማዕ ከነ ጸገሞም ክቃላዕ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኣብ ዓለም ኣስታት 100 ዝኾኑ ምስ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ዓለምና ርክብ ዘይብሎም ኣብ ጫካታት ዝነበሩ ዓሌታት ከምዘለዉ'ዩ ዝእመን፡ ፍርቆም ኸኣ ኣብ ጫካታት ኣማዞን እዮም ዝርከቡ።

እቲ ተነጽሎ፡ ከም ውጽኢት ምስቶም ነቲ መሬት ክግብሩ ዝምጽኡ ሰባት ብዝፍጠር ምጉርፋጥ ዘስዐቦ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።

ኣብ 1970 ብዙሓት ካብቶም ኣብ ጫካታት ተነጺሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ቀቢላታት ብመሬት ክግብቱ ዝደልዩ ሕጋውያንን ዘይሕጋውያንን ዓደንቲ ከምኡ'ውን ኣግራብ ዝቆርጹ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ድሕሪ እዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጫካታት ዝነብሩ ሰባት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕማማት ክርአ ከምዝጀመረ'ውን ይግለጽ።

ሪታ ንድሕሪት ምልስ ኢላ፡ ካብቲ ትሽዓት ኣባላት ስድራኣ ዝተቐተልሉ ክስተት ከመይ ኢላ ከምዝወጽአት ገሊጻ።

"መጺኦም [ገባቶ መሬት] ቀቲለሞም፡ ንሕና ኸኣ ክንሃድም ተገዲድና" ኢላ።

ለኒን ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌታት ዝወርድ ተደጋጋሚ ቅትለትን በደላትን፡ ንኣነባብረኦም ከምዝቐየሮን፡ ብዛዕባ እቲ ካብቲ ጫካ ወጻኢ ዝርከብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ግንዛበ ብኣሉታ ንኽጥምትዎ ከምዝድርኾምን ገሊጹ።

"እቲ ቋንቆኦም ቃላት ኣለዎ፡ ኣብ ቃላቶም ኸኣ ንሕርሻ ዝገልጽ ሓረጋት ይጥቀሙ እዮም፡ እዚ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ መነባብሮ የካይዱ ምንባሮም ዘረድእ'ዩ" ይብል ለኒን።

ብምስዓብ "ካብ 1970ታት ጀሚሮም ግን ናብ ሰበኽ ሳግም እዮም ተቐይሮም ዘለዉ፡ ካብቶም ገበትቲ ንኽርሕቁ ካብን ናብ እናተንቀሳቐሱ ክነብሩ ተገዲዶም"

ዓሌት ፒሪፕኩራ ንመጀመርታ ግዜ ብፉናይ እዮም ኣብ 1984 ተረኺቦም፡ ኣብቲ እዋን ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኾኑ ከምዝነሩ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ።

ካብ 1990ታት ኣትሒዞም ግን ኣብቲ ቦታ ባይታን ታማድዋን እዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።

ፋብሪኮ ኣሞሮም ኣብ ኣማዞን ዝነብሩ ደቀ'ባት ኣብ ምርካብ ዝነጥፍ ውልቀሰብ ኮይኑ፡ ምስ ቀቢላ ፒሪፕኩራ'ውን ይራኸብ እዩ፡ ባይታን ታማድዋን ካልኦት ዓሌቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ጫካ ኣለዉ ኢሎም ከምዝነገርዎ ኸኣ ይገልጽ።

"ነዞም ኣለዉ ዝበልዎም ኣዝማዶም ንነዊሕ ዓመታት ኣልዒለሞም ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዘየልዓለዎም ሞይቶም እዮም ኢልካ ደፊርካ ክትዛርብ ዋላ ኣየኽእል፡ እቲ ዘይምልዓሎም ግን ጽቡቕ ኣይኮነን" ይብል።

ተጻባኢ ዝኾነ ፕረዚደንት

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቀ'ባት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀቢላ ፒሪፕኩራን ካልኦት ኣንጸላልዩ ዘሎ ጽንተት ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ የጋድዶ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።

ጀይር ቦልሶናሮ ኣብ 2019 ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ'ውን ነቶም ብቅዋም ብራዚል መሬቶም ክከላኸሉ መሰል ዘለዎም ደቀ'ባት ኣማዞን ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ካብ ኣማዞን ኣብ ዝርከብ ንግዳዊ መኽሰባት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ እዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ 1998፡ ኣባል ባይቶ ኣብ ዝነበረሉ፡ ምስ ጋዜጣ ካርዮ ብራዚልነሰ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሰራዊት ብራዚል ደቀ'ባት ኢና ንዝብሉ ኣብ ምጽናት ማዕረ ወተሃደራት ኣመሪካ ዘይምዃኑ 'ዘሕፍር'ዩ' ኢሉ ነይሩ።

ንሱ እቶም ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ዘይኮኑ ደቀ'ባት ኢና ዝብሉ ሰባት ነቲ 213 ሚልዮን ብዝሒ ብራዚል 13 ሚእታዊት መሬት ጥራይ ክነብሩ ከገድድዎም የብሎምን ዝብል ምጉት'ዩ ኣቕሪቡ።

ሕጋዊ ምጕት

ፒሪፕኩራ ብመሰረት ሕጊ መሬት እታ ሃገር ውርሽኦም ክከላኸሉ ዘፍቅድ መስል ኣለዎም፡ እንተኾነ እቲ ንሶም መሬትና ዝብልዎ ሕጋዊ ከለላን ምልክትን ስለዘይብሉ ግዳያት ከይገብሮም'ዮም ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቀ'ባት ዝስከፉ።

ከምዚ ዓይነት ምስሕሓባት ኣብ ዘጋጥመሉ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ መዕለቢ ክሳብ ዝግበረሉ ኩሉ ኣብቲ ቦታታት ዝግበር ንጥፈታት ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ደው ክብል ክእዝዝ ይኽእል እዩ፡ ቅድም ግን ቤት ፍርዲ ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ 3 ዓመታት ንጥፈታት ተወንዚፉ ንኽጸንሕ ትእዛዝ ክህብ ሕጋዊ ስልጣን ነይርዎ እዩ።

"እዚ ኣብ ሕጊ ዘሎ ሃጓፍ እቶም መሬት ክግብቱ ዝደልዩ ሰባት ንሓደ ቦታ ክግብትዎሞ ይፍትኑ ቤት ፍርዲ እንተነወሓ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ደው የብሎም ብድሕሪኡ ግን መሬት ክግብቱ ዘኽእል ሕጊ እዩ ዘሎ"

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዝወጽአ ጸብጻብ'ውን ኣብ ኣማዞን ብዙሓት ዓደንቲ [መብዛሕትኦም ወርቂ ዝዕድኑ] መሬት ገቢቶም ከምዘለዉ ዘርኢ ጸብጻብ ብስእሊ ኣስንዩ ቀሪቡ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ብዙሓት ቀቢላታት ደቀ'ባት ኣማዞን ዘጽንት ስጉምቲ ከይኸውን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ቀቢላ ፒሪፕኩራ ዝርከብሉ ሰሜናዊ ክፋል ማቶ ግሮሶ'ውን ዓደንቲ ዓይኖም ኣውዲቖሙሉ ዘለዉን ክተናኽፎ ጀሚሮም ዘለዉ ቦታ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ፉናይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ንዓሌት ፒሪፕኩራ "ዶባዊ ሓለዋ፡ መግቢን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ዝርከቦም ኩሉ ዓይነት ምድግጋፋት ንግብረሎም ኣለና" ኢሎም።

ሪታ እዚ ከምዚ ዓይነት ቃላትን ስጉምትን ነቶም ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ሓዋን ወዲ ሓወን ከምኡ'ውን ካልኦት ዓሌታት እኹል ከምዘይኮነ እያ ትዛረብ።

ሪታ ንኣባል ካልእ ቀቢላ ብምምርዓዋ ካሪፑና ኣብ ዝብሃል ቦታ እያ ትነብር ዘላ፡ ኣብ ማቶ ግሮሶ ብዛዕባ ዘሎ ንጥፈታት ኸኣ ምስ ፉናይ ሓበሬታ ትለዋወጥ።

እንተኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅመር ናብቲ ሓዋን ወዲሓዋን ዝነብርሉ ጫካ ስለዘይከደት ድሃዮም የብላን፡ ቀቢላ ብዘይ ሓድጊ ከይጠፍእ ኸኣ ክቱር ሻቁሎት ኣለዋ።

"ናብቲ ቦታ ናይ ዓሌተይ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ኩሉ ግዜ ሓድሽ ምንቅስቃሰን ሓደሽቲ ዝወደቁ ኣግራብ እየ ዝረክብ፡ እቶም ገባቶ ንሓወይን ንወዲ ሓወይን ከይቐትልዎም ኸኣ ዓቢ ስግኣት እዩ ዘለኒ" ትብል ሪታ።