እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮፕ26፡ መራሕቲ ብርሰት ኣግራብ ኣብ 2030 ከብቅዕ ከም ዝገብሩ ቃል ኣትዮም
ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳ ክካየድ ዝጀመረ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፡ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዓለም ኣብ 2030 ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል ታሪኻዊ ስምምእ ክገብሩ ቃል ኣትዮም።
ኣብዚ ስምምዕ እታ ነቲ ዝዓበየ ጫካ ኣማዞን ዝሓዘት ብራዚል ፈራሚት ምዃና ተስፋ ሂቡ ኣሎ።
ብምኽንያት ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን ብራዚል ስግኣት ክሊማዊ ለውጢ ዓለም ኮይና ጸኒሓ'ያ።
ብርሰት ኣግራብ ድማ ንክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ይእመን።
ክኢላታት እቲ ውሳነ እኳ እንተንኣዱዎ፡ እቲ ብ2014 ዝተበጽሐ ውዕሊ "ፈጺሙ ብርሰት ኣግራብ ንምንካይ ኣይሓገዘን" ብምባል እቲ ዝእቶ መብጽዓ ቆራጽነት ከም ዝሓትት ኣጠንቂቖም።
ሽፋን እቶም ልዑል መጠን ሙቐት ዘለዎ ጋዝ ካርበን ዳይኦክሳይድ ዝወስዱ ኣግራብ እናተቖረጹ ስለ ዝማሕምሑ፡ ብርሰት ኣግራብ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ ተራ ነይሩዎ።
እዚ ኣብ ግላስጎው ንኽልተ ሰሙን ዝጋባእ ኣኼባ መራሕቲ ሃገር ድማ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምቁጽጻር ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ።
እተን ነቲ ሕጂ ቐሪቡ ዘሎ ጻውዒት ክፍርማ ተበግሶ ኣርእየን ዘለዋ ሃገራት ካናዳ፣ ብራዚል፣ ሩሲያን ኢንዶኔዥያን 85 ሚኢታዊት ጫካ ዓለም ዝሽፍና እየን።
እዚ ድማ፡ 19.2 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ውልቀን መንግስትን ዝሓትት'ዩ ተባሂሉ።
ገለ እቲ ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ዝተጎድአ መሬት ንምሕዋይ፣ ባርዕ ጫካ ንምክልኻልን ደቂ'ባት ማሕበረሰብ ንምሕጋዝን ናብ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝልኣኽን ክኸውን እዩ።
መንግስታት 28 ሃገራት ድማ ጨፍጫፍ ኣግራብ ካብ ዓለምለኻዊ ንግዲ መግብን ከም ዘይቲ፣ ኣዳጉራን ኮካን ዝበሉ ምህርታት ሕርሻን ክኣልይኦ'የን።
ምስ ብርሰት ኣግራብ ዝተሓሓዝ ንጥፈት ዘለዎም ልዕሊ 30 ኩባኒያታት ዓለም ድማ ኢንቨስትመንቶም ጠጠው ከብሉ'ዮም።
እዞም ኢንዳስትሪታት ንመግሃጫ እንስሳን ንሕርሻን ብዝብል ኣግራብ ስለ ዝቖርጹ ሽፋን ኣግራብ ክንኪ ገይሮም'ዮም።
እቲ ኣብ ተፋሰስ ኮንጎ ዝርከብ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ትሮፒካል ጫካ ንምዕቃብ ከኣ 1.1 ቢሊየን ፓውንድ ፈንድ ክዳሎ'ዩ።
ዋዕላ ክሊማ ኮፕ26
- ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ካብ ዘጨንቑዋ ጸገማት እቲ ሓደ'ዩ።
ልዑል ወሰኽ ዓለማዊ ዋዒ ክንከላኸሎ እንተኾይንና መንግስታት ልቀት ዋዒ ዝውስኹ ጋዛታት ንምንካይ ቃል ክኣትው ይግባእ።
- እቲ ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ለውጢ ክመጽኣሉ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ መንግስታት እተን ከም ኣመሪካን ቻይናን ዝበላ ዝለዓለ ብኽለት ኣየር ዘስዕባ ሃገራት ዝኣትውኦ መብጽዓን ድኻ ሃገራት ክረኽብኦ እየን ዝብሃል ሓገዝን እንታይ ከም ዝመስል ምክትታል ኣገዳሲ'ዩ።
- ኩሉ ህይወትና ክልወጥ'ዩ።
ኣብዚ ጉባኤ ዝሓልፉ ውሳነታት፡ ስራሕና፣ ኣብ ገዛ ብኸመይ ክንምገብ ወይ እንታይ ክንበልዕ ከም ዘለና፣ ከመይ ክንጉዓዝ ከም ዘለና ዝገንሑ ክኾኑ'ዮም።
ክኢላ ክሊማን ኣግራብን ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ሲሞን ሊዊስ "ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብርሰት ኣግራብ ንከብቅዕ ፖለቲካዊ ተወፋይነትን እኹል ፈንድን ምህላው ጽቡቕ ዜና'ዩ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር እዚ ሓድሽ ውዕሊ ንጠለብ ኸም ኣብ ናይ ጫካ መሬት ዝፈርዩ ከም ስጋ ዝበሉ ምህርታት ዝቃለስ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ነተን ከም ኣመሪካን ኢንግሊዝን ዝበላ ልዑል ጠለብ ስጋ ዘለወን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእቱ ከም ዘይኸውን ገሊጹ።
ኣብ ምትሕብባር ደቀ'ባት ማሕበረሰብ ኣማዞን ዝሰርሕ ቱንቲያክ ካታን፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ደቀ'ባት ብምስታፍ ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንኽብል እቲ ውዕሊ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ'ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብ ኢኳዶር ኣባል እቶም ማሕበሰረብ ኮይኑ፡ ደቀ'ባት 80 ሚኢታዊት ብዝሓ ህይወት ዓለም'ኳ እንተተኸላኸሉ ንርእሶም ግን ስግኣትን ጎነጽን'ዩ ዝበጽሖም ክብል የረድእ።
"ንዓመታት ኣነባብራና ስለ ዝተጠንቀቕና ነቲ ስርዓተ ማሕድሮን ጫካን ሓሊናዮ ኢና። ንሕና ዘይብሉ፡ ዝኾነ ገንዘብ ወይ ፖሊሲ ክሊማዊ ለውጢ ጠጠው ከብሎ ኣይኽእልን" ይብል።
እዚ ሓድሽ ውዕሊ ብዙሓት ቑልፊ ሃገራት ከካትት ትጽቢት ይግበር።
ኢንዶኔዥያ፡ እታ ዝዓበየት ዘይቲ ዶማ [palm oil] ሰደድ እትገብር ሃገር እያ። እዚ ኣብ ኩሎም ዓይነት ምህርታት ብስኩትን ሻምፖን ዝርከብ እዩ።
ምህርቲ እዚ ዘይቲ ድማ ብርሰትን ምዝንባል ደቀ'ባትን የስዕብ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ፡ ልዕሊ ሓደ ሕምሸን ኣትኽልቲ ዓለምና ዝሕዝ ዓብዪ ተፈጥሮኣዊ ጫካ ሩሲያ ዓመታዊ ልዕሊ 1.5 ቢሊየን ቶን ካርበን ክሕዝ ክኢሉ።
ኣብ ኣማዞን ድማ ኣብ 2020 ብርሰት ኣግራብ ወሲኹ።
ስለ ዝኾነ ድማ ሕጂ ብራዚል ነቲ ሓድሽ ውዕል ክትፍርም ምግባር ኣብ ምክልኻል እቲ ሓደጋታት ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ክኢላታት ይዛረቡ።
ብዙሓት ኣብ ኣማዞንን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከቡ ከተማታትን ዝነብሩ ሰባት ህይወቶም ኣብቲ ጫካ ዝተደረኸ ስለ ዝኾነ ሓድሽ ምንጪ እቶት ንክረኽቡ ምስራሕ ከም ዘድሊ የዘኻኽሩ።
ኣትኽልቲ፡ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ብምምጣጥ ዋዒ ዓለም ዝከላኸሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ሓደ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በብደቒቕ ክንዲ 27 መጻወቲ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ጫካ ይጠፍእ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ 2100 ዓለማዊ ዋዒ ናብ 2.7 ዲግሪ ሴልሽየስ ክብ ክብል ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ብምህላዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ "ክሊማዊ መዓት" ከምጽእ እዩ ይብል።