ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ለውጢ ክሊማ ዘለና ኣሉታዊ ተሳትፎ ንምንካይ ክንፍጽሞም ዘለና 4 ነገራት

ዓለማዊ ለውጢ ክሊማ (ከባቢ ኣየር) ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕርታትን ተበግሶታትን ብቐንዱ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝወስድዎ ሓበራዊ ስጉምቲ ይምስረት።

ይኹን’ምበር ብደረጃ ውልቀሰባት’ውን ኣብ ምንካይ ጉድኣት ዘኸትሉ ልቀታት [ምፍናው ዝተቓጸሉ ጋዛት] ሓላፍነት ኣለና። እምበኣር ክተኸትልዎም እትኽእሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምንካይ ክትፍጽምዎም ካብ ዝግብኡ ዕማማት ንገሊኦም ክነቕርብ።

ካብ ምምሕያሽ ገዛኹም ጀምሩ

እንነብረሉ ገዛ ክመውቕ ኮነ ክዝሕል ብምድላይ ኣብ እንገጥሞም ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ክንገብሮ ንኽእል ምምሕያሻት ንዓለምና ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

"ብጋዝ ወይ ዘይቲ ካብ ዝሰርሑ ሙቐት ዝፈጥሩ ናውቲ ገዛ ናብ ብኤለክትሪክ ዝሰርሑ ምስግጋር ወሳኒ ዝኾነ ለውጢ’ዩ ዘምጽእ” ይብል ሙሁር ኢምፐሪያል ኮሌጅ ለንደን ዶከተር ኒል ጄኒንግስ።

ወሲኹ ድማ “ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፤ መብራህቲታት ወይ ካልኦት ብኤለክትሪክ ዝሰርሑ ኣቑሑ ገዛ ክንጥቀመሎም ኣብ ዘይንደልየሉ እዋን ምሉእ ብምሉእ ከምዘጥፋእናዮም ርግጸኛታት ክንኸውን ይግባእ” ይብል።

ኣብ መናድቕ፣ ላዕለዋይ ክፋል ገዛናን መሳኹቲን ምምሕያያሻት ብምግባር ኣብ ገዛና ለውጢ ምምጻእ ይከኣል’ዩ።

ካብ ደገ ዝኣትው ዛሕሊ ከምኡ’ውን ካብ ገዛና ዝወጽእ ሙቐት ንምዕጋት ንመሳኹቲ፣ መዓጹን ካልእ ክፋልን ብዝኾነ ነገር ክንልሕሞም (ክንዓብጦም) እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብፍላይ ‘ድራውት-ፕሩፊን’ ዝበሃል፡ ነቶም ንፋስ ክኣትወሎም ዝኽእሉ ክፍተታት መሳኹትን መዓጾን ንምዕባስ ዝውዕል ለጋቢ ነገር ምጥቃም ከምዘድልይ ሰብሞያ ይምዕዱ።

ናብ ሓምለዋይ ጸዓት ምስግጋር ምኽኣል ኣብ ምንካይ መጠን ልቀት ካርቦን ነብሲ ወከፍ ስድራ ዝለዓለ ትርጉም ኣለዎ።

ብኽለት ምግቢ ከምኡ’ውን መጠን እንምገቦ ስጋ ምንካይ

ካብ ሃብቲ ወይ ጥሪት እንስሳ ዝፍኖ መጠን ዝተቓጸለ ኣየር ካብቲ ሓፈሻዊ ዝተበከለ ጋዛት 14 ሚኢታዊት ብጽሒት ይሕዝ። ብፍላይ ከብቲ ነቲ ዝለዓለ ብጽሒት ይወስዳ።

ስለዝኾነ ነዚ ንምቁጽጽር ዘኽእል ቀሊልን ዕውትን መገዲ መጠን እንወስዶ ስጋን ውጽኢት ጸባን ካብ ኣመጋግባና ምንካይ’ዩ። ብፍላይ ‘ሬድ ሚት’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ስጋ ምንካይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ስጋ ከብቲ ኣብ መጠን ልቀት ካርቦን እጃም ከምዘለዎ ሰብሞያ ይሕብሩ።

ኣብ ውሽጢ ገዛና ዝተራርፉ መግብታት ተወሳኺ ብኽለት ዘኸትሉ ነገራት ስለዝኾኑ ነዚኦም ምቁጽጻር ኣገዳሲ’ዩ። ዓለም ካብ ዘለዋ መግቢ ነቲ 25 ክሳብ 30 ሚኢታዊት ተባኽን።

መኻይን ምዝዋር ምንካይን ውሑድ በረራታት ነፈርቲ ምክያድን

መጓዓዝያ ኣብ መጠን ልቀት ካርቦንዳይ ኦክሳይድ (ዝተቓጸለ ጋዝ) ዓለምና ነቲ ርብዒ ብጽሒት ይሕዝ።

ካብ መኻይን ነጻ ዝኾነ ኩነታት ምፍጣር “ነቲ ካብ መጓዓዝያ ዝፍጠር ብኽለት ኣብ ምቁጽጻር ወሳኒ ትርጉም ዘለዎ መገዲ እዩ” ይብል ዶክተር ጀኒንግስ።

እንተኾነ መኻይን ጠቕሊልካ ምግዳፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ኣጠቓቕማና ቁጽጽር ምግባር ግን ዓብዪ ለውጢ ከምዘምጽእ ይግለጽ። ብእግሪ ምንቅስቓስ ምኽኣል ወይ ብሽክሌታ ምጥቃም ከምኡ’ውን ውሑድ ቁጽሪ ዘለወን መኻይን ብሓባር ምጥቃም ይከኣል።

ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን እውን ጽቡቕ ኣማራጺ’ኳ እንተኾና ዋግአን ግን ኣዝዩ ክቡር’ዩ። እተን መኻይን ብስፍሓት ምጥቃም እንተተኻኢሉን ዝጥቀምኦ ሓይሊ ካብ ንፋስ ወይ ጸሓይ ዝርከብ እንተተኻኢሉን ከኣ ዝለዓለ ረብሓ ይህልዎ።

በረራታት ኣየር ምቁጽጻር እውን እቲ ካልእ ንልቀት ካርቦን እንንክየሉ ኣማራጺ’ዩ። ስለዚ ባቡር ከም ኣማራጺ መጓዓዝያ ምጥቃም ነቲ ብነብሲ ወከፍና ክንፍጽሞ ዝግባእ እጃም ተግባራዊ እንገብረሉ መገዲ እዩ።

ቅድሚ ምዕዳግኩም ሕሰቡ

ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ሓደ ጽምዲ ጂንስ ስረ ንምስራሕ 3,781 ሊትሮ ማይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። እዚ ድማ ካብ ምህርቲ ጡጥ ጀሚሩ ክሳብ መጓዓዝያ፣ ምፍራይን ምሕጻብን ንዘሎ መስርሕ የጠቓልል።

ስለዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ብቐሊሉ ክጽገን ወይ ክዕረ ዝኽእል ነገር ብሓድሽ ንምትካእ ንጓየይ ኣመሓይሽና እንጥቀመሉ ኣማራጺ ምውሳድ የድልይ። ኣብ ክንዲ እንጉሕፎም ድማ ንኻልኦት ሰባት እንተለገስናሎም ይምከር።

ኣብ ገዛና እንጥቀመሎም ኣቑሑት ክንገዝእ ከለና ድማ ኣብ ልቀት በካሊ ጋዛት ክህለዎም ዝኽእል ብጽሒት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እንተዝኸውን ይምረጽ።

ብፋላይ ዝጥቀምዎ ጸዓት ክንሓስበሉ ይግባእ።