ኮፕ26፡ ጉባኤ ክሊማ ግላስጎው እንታይ’ዩ ኣገዳስነቱ?

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘድሃበ ኣዝዩ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ጉባኤ ክተአንግድ ኣብ ምድላው ትርከብ።

እቲ ካብ 31 ጥቅምቲ ክሳብ 12 ሕዳር 2021 ዝካየድ ጉባኤ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

ኮፕ26 (‘ኮንፈረንስ ኦፍ ፓርቲስ’) እንታይ እዩ፤ ንምንታይ’ኸ ይካየድ ኣሎ?

ዓለም ብሰንኪ’ቲ ደቂ ሰባት ዝፍንውዎ ዝተቓጸለ ኣየር ኣብ ምውዓይ ትርከብ። ነዚ ስዒቡ ድማ ሙቐት/ዋዒ፣ ሓደጋታት ውሕጅን ባርዕ ጫካን ብስፍሓት የጋጥሙ ኣለዉ። ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እዋናት እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ዝተመዝገበሎም ብምንባሮም፤ ሃገራት ቅልጡፍ ሓባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ስምምዕ በጺሔን።

ቅድሚ እቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ጉባኤ ድማ 200 ሃገራት ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ክንክይኦ ዝወጠና መጠን ልቀት ካርቦን ከፍልጣ ተሓቲተን ኣለዋ።

ኣብ 2015 ብውዕሊ ፓሪስ [‘ፓሪስ ኣግሪመንት’] ኣቢለን ኣብ ዝኣተውኦም መብጽዓታት፡ ክሳብ እቲ ኣብ 2050 ናብ ዜሮ ልቀት ንምብጻሕ ዝተትሓዘ ውጥን ዝዕወት፡ ኣብ መጠን ዝፍንውኦም ዝተቓጸሉ ጋዛት ምንካይ ከምዝገብራ ኣፍሊጠን ነይረን።

ኣብ ኮፕ26 እንታይ ክውሰን ይኸውን?

እቲ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ መብዛሕቲኤን ሃገራት ኣብ ምንካይ ልቀት በካሊ ጋዝ ዝሓዝኦ ውጥን ከቕርባ እየን። እዚ ድማ ነቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ዘረጋግጽ ኣንፈት ዲና ዘለና ወይስ ኣይኮንናን ንዝብል ብኣጋ ክንግንዘብ ይሕግዘና።

ኣብቲ ንኽልተ ሰሙናት ዝካየድ ኣኼባ ግን ብዙሓት ሓደሽቲ ውሳነታት ክህልዉ ትጽቢት ይግበር። መብዛሕቲኦም ውሳነታት ቴክኒካዊ ኮይኖም፤ ንገለ ኣብነታት ግን ምጥቃስ ይከኣል።

  • ብኤሌክትሪክ ናብ ዝሰርሓ መኻይን ብቕልጡፍ ምስግጋር
  • ካብ ናይ ፈሓም/ከሰል ጸዓት ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ምቅልጣፍ
  • ምንካይ ምቑራጽ ኣግራብ
  • ንብዙሓት ሰባት ካብ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ምክልኻል

ኣብቲ ናይ ግላስጎው ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት፣ ኣደራደርቲን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ኣስታት 25,000 ሰባት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ዓበይቲ ዝበሃሉ ውሳነታትን ኣዋጃትን ትጽቢት ይግበር። ኩለን ሃገራት ድማ ኣብቶም ስምምዓት ክፍርማ ይግደዳ።

ጉዳይ ካሕሳ

ኣብቲ ጉባኤ ጉዳይ ካሕሳ ገንዘብን ፍትሒ ክሊማዊ ለውጥን ብሰፊሑ ዝርርብ ክግበረሉ ትጽቢት ኣሎ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝተሓተ መጠን በካሊ ጋዝ ከምዝፍንዋን ኣብ ሕሉፍ ንዘጋጠመ ብኽለት ሓላፍነት ከምዘይወስዳን ይፍለጥ።

ግን ድማ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ብዝስዕብ ሓደጋታት ብዝያዳ ይህሰያ።

ስለዝኾነ ነዚ ብኽለት ዝንክያሉን ንክሊማዊ ለውጢ ዝጻወራሉን ሓገዝ ገንዘብ የድልን። እዚ ማለት ከኣ ጸዓት ንምምንጫው ፈሓም/ከሰል ዝጥቀማ ሃገራት ጸሓያዊ ጸዓት ዘምንጭዉ ኣማራጽታት ክጥቀማ ከምኡ’ውን ሓደጋታት ውሕጅ ዝከላኸላሉ ዓቕሚ ከጥርያ ምግባር ክኸውን ይኽእል።

ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ጉድኣት ዝበጽሐን ሃገራት’ውን ካሕሳ ክሓታ ትጽቢት ይግበር።

ሃብታማት ሃገራት ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ንድኻ ሃጋራት 100 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትየን ነይረን። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየዶ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ ግን እቲ ዝተኣተወ መብጽዓ ሸትኡ ዝወቐዐ ኣይነበረን።

ቻይና ኣብቲ ጉባኤ እትኣትዎ ቃል ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ብዝለዓለ መጠን በካሊ ጋዛት ብምፍናው’ያ ትፍለጥ። ኣብ ዙርያ ዓለም'ውን ናይ ከሰል መደበራት ወፍሪ ጌራ እያ።

ኮፕ 26 ንዓይ ብኸመይ ይጸልወኒ?

ኣብ ጉባኤ ግላስጎው ዝውሰኑ ገለ ውሳነታት ንነፍሲ ወከፍና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል’ዩ።

ንኣብነት ብነዳዲ እትሰርሕ መኪና ዲና ክንዝውር፤ ብጋዝ ዝሰርሕ መውዓዪ ክንጥቀም ዲና? ዝብሉን ካልኦትን ኣብዚ ዝድረኹ ይኾኑ።

ኮፕ26 ዕውት ምዃኑ ብኸመይ ይፍለጥ?

ከም ኣእንጋዲት ሃገር: ዓባይ ብሪጣንያ: ኩለን ሃገራት ነቲ ክሳብ 2050 ናብ ባዶ ልቀት ንምብጻሕ ከምኡ’ውን ክሳብ 2030 ዝለዓለ ምንካይ በካሊ ጋዝ ንምግባር ዝተትሓዘ ውጥን ዘለወን መርገጺ ጽኑዕ ክኸውን ክትገብር’ያ።

ኣብ ምጥቃም ከሰል፣ ነዳዲ ዝጥቀማ መኻይንን ሓለዋ ተፈጥሮን ድማ ወሰንቲ መብጽዓታት ክእተዉ እዮም።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ነቲ ዝፍጠር ዋዒ ናይ ምጽዋር ስራሕቲ ንኽዓማ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ፋይናንሳዊ ደገፍ የድልየን።

ስለዝኾነ ነዞም ነገራት ምጉዳል ማለት ብዘይብቑዕነት’ዩ ዝረኣይ፤ ምኽንያቱ ነቲ ልቀት ናብ 1.5 ዲግሪ ሰሊሽየስ ንምውራድ ዝተትሓዘ ውጥን ዕውት ንምግባር እኹል ጊዜ ስለዘይህልው።