ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዐን

ኣመሪካን ቻይናን ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ብሓባር ከም ዝሰርሓ ብምግላጽ ምስ ካልኦት ሃገራት ንምትሕብባር'ውን ቁሩባት ምዃነን ኣፍለጠን።

ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ክሊማ ቻይና ዤ ዤንሁን ኣመሪካዊ መዘንኡ ጆን ኬሪን ኣብ ሻንጋይ ተራኺቦም።

ክልቲኦም ልኡኻት ልቀት ካርበን ንምጉዳል ከም ዝተሰማምዑ ሎሚ መዓልቲ ዝወጽአ ሓበራዊ መግለጺ የመልክት።

"ኣመሪካን ቻይናን ቅልውላው ክሊማ ንምቅላስ ብሓባር ክሰርሓ እየን፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ንምትሕብባር'ውን ቁሩባት እየን" ይብል እቲ መግለጺ።

ወሲኹ፡ ብቐጻሊ ክልቲአን ሃገራት "ልቀት ካርበን ንምንካይ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፓሪስ ኣብ ግምት ብምእታው ብ2020 ዝተወስዱ ጭቡጣት ስጉምታት" ክዝትያሉ'የን ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ እተን ሃገራት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ናብ ትሑት ልቀት ካርበን ንክሰጋገራ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንምግባር ተሰማሚዐን።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ክሊማ ቻይና ሊ ሹ፡ እቲ መግለጺ "እወንታዊ" ምዃኑ ብምምልኻት፡ "ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ክተሓባበራ ምዃነን ዓብዪ ነገር'ዩ" ኢሉ።

ምብጻሕ ልኡኽ ኣመሪካ ኬሪ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ዝተገብረ ፈላማይ ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን እዩ። እንተኾነ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣላስካ ተራኺቦም ነይሮም።

ኬሪ ናብ ቻይና ቅድሚ ምብጋሱ፡ "ምስ ቻይና ብዙሓት ዘይንሰማምዓሎም ጉዳያት ኣለው። ግን ድማ ክሊማዊ ለውጢ ተፈልዩ ክርኣይ ኣለዎ" ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ብኢንተርነት ዝካየድ ዘተ ከም ዘዳሉን ቻይና'ውን ክትሳተፍ ድልየት ከም ዘርኣየትን ከኣ ተገሊጹ፤ ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ክሳተፍ ድዩ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን።

ክኢላታት ክሊማዊ ለውጢ መጠን ዋዒ ዓለም ትሕቲ ክልተ ዲግሪ ሴልሽያስ ክኸውን ከም ዘለዎ'ዮም ዝገልጹ።