እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብምኽንያት ዓለማዊ ዋዒ፡ ውቅያኖሳት ኦክስጅን ይውድእ ኣለዉ- ተመራመርቲ
ብምኽንያት ለውጢ ኣየርን ብሰንኪ ምህላው ልዕሊ ዓቐን ሰበባ (ኣልጌን) ኣብ ውቅያኖሳት ዝርከብ ኦክስጅን ይውዳእ ብምህላዉ፡ ህላወ ዓሳታት ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከምዘሎ መጽናዕቲ ጉጅለ ኣይ.ዩ.ሲ.ኤን ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ ዘሎ ንህይወት ማያውያን ኣድላዪ ዝኾኑ ባእታታት ይውድኡ ምህላዎም ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተፈለጠ ኮይኑ፡ ክሊማዊ ለውጢ ድማ ሕጽረት ኦክስጅን ክጋደድ ከምዝገበረ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኣብ 1960ታት ቁጽሪ ሕጽረት ኦክስጅን ዘለዎም ከባቢታት ውቅያኖስ 45 ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን ናብ 700 ዓብዩ እዩ።
እዚ ድማ ህላወ ዓሌት ዓሳታት ቱና፣ ማርሊንን ሻርክን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝገበሮ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
ካብ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ፋብሪካታትን ዝስደዱ ኬሚካላት ናይትሮጅንን ፎስፎረስን፡ ኣብ ውቅኖሳት ዝርከብ መግቢታት እንስሳት ክጠፍኡ ዝገብሩ ኮይኖም፡ መጠን ኣብ ማያዊ ኣካላት ዝርከብ ኦክስጅን ክውሕድ ዝገብሩ ምኽንያታት 'ውን እዮም።
ኮይኑ ግና ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ዝመጽእ ሓደጋ 'ውን ወሲኹ እዩ። ልቀት ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ብምውሳኹ፡ ዝበዝሕ ሙቐት ናብ ውቅያኖሳት እዩ ዝሰርጽ። ዝወዓየ ማያዊ ኣካል ድማ ዝሕዞ መጠን ኦክስጅን ይንኪ።
ከም ግምት ተመራመርቲ ኣብ መንጎ 1960ን 2010ን መጠን ኣብ ውቅያኖሳት ዝሓቅቕ ጋዝ ብ ክልተ ምኢታዊት ነክዩ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ክሳብ 40 ምኢታዊት ይበጽሕ እዩ።
ዋላ ንእሽቶ ለውጢ፡ ኣብ ማያዊ ህይወት ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዘሕድር።
ውሑድ ኦክስጅን ዘለዎ ማይ፡ ንከም ጄሊፊሽ ዝበሉ ዓሳታት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ንከም ቱና ዝበሉ ዓበይትን ብቕልጡፍ ዝሕምብሱን ዓሳታት ግን ምቹው ኣይኮነን።
''ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት መጠን ዝቕንስ መጠን ኦክስጅን ብ 4 ዕጽፊ ምውሳኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ዋላ መጠን ልቀት ጋዛት ምዕሩይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ውቅያኖሳት ዘሎ መጠን ኦክስጅን ክቕንስ እዩ'' ይብል ተራማሪ ሚና ኢፕስ።
እዚ ድማ ብሕጽረት ኦክስጅን ቀልጢፎም ንዝህሰዩ ከም ቱና፣ ማርሊንን ሻርክን ንዝበሉ ዘርኢታት ዓሳ ድማ ሕማቕ ዜና እዩ።
ሃገራት በዚ ዘለዎኦ ከይዲ ልቀት ጋዝ እንተቐጺለን፡ ድሕሪ ሰማንያ ዓመት፡ መጠን ኦክስጅን ውቅያኖሳት ዓለምና ካብ 3 ክሳብ 4 ምኢታዊት ክንኪ እዩ።