እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሊማዊ ለውጢ፡ ዓለም `ኣብ ቀራና መንገዲ`ያ ዘላ`
ኣርባዕተ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ዝግደሱ ሰባት ዓለምና `ኣብ ቃራና መንገዲ`ያ ዘላ` ክብሉ ኣጠንቂቖም።
200 ካብ ዝጽግዓ ሃገራት ዝተወጻጽኡ ወከልቲ፡ ብዛዕባ ለውጢ ክሌማን ስምምዕ ፓሪስ ሓዲስካ ግብራዊ ንምግባርን ንክዘራረቡ ኣብ ፖላንድ ተኣኪቦም ኣለው።
ከም በዓል ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝበላ ልዑል ቑጠባዊ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት፡ ለውጢ ክሌማን ንምክልኻል ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ውዕሊ መሊአን ግብራዊ ይገብራ ብዘይምህላወን፡ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዋዒ የተሓሳስበኒ'ዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ'ዩ።
ነዚ ዝከታተሉ ተመራመርቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ስምምዕ መጠን ዋዒ ካብ 2 ዲግሪ ሴልሽየስ ንከይውስኽ ዝሕግዝ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ንታሕቲ ግና ክኸውን ይግባእ'ዮም ዝብሉ።
ተጋባእቲ ናይ`ቲ ዋዕላ COP24 ተባሂሉ ዝፍለጥ ዋዕላ ኣብ ውሳነ ክበጽሑ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ጸቕጢ ስለዝነበሩ ነቲ ዋዕላ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሞም`ዮም ጀሚሮሞ።
እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፡ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 200 ቢሊዮን ዶላር ምወላ ክገብር ምዃኑ ኣበሲሩ`ሎ። እዚ ገንዘብ`ዚ ክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ስጉምቲ ንዝወስዳ ሃገራት ኣብ ምሕጋዝ ክውዕል`ዩ።
ንምኻኑ መጠን ዋዒ ዓለም ክንደይ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ? እንታይከ ክግበር ይኽእል?
ነዚ ዋዕላ`ዚ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ`ዩ?
እዚ ኮንፈረንስ ኦፍ ዘ ፓርቲስ (COP) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዋዕላ ድሕሪ`ቲ ዓለማዊ ሙቐት ናብ 1.5 ዲግሪ ንምንካይ እምነ-ምዕራፍ ዝኾነ ኢንተርጋቨርንመንታል ፓነል ኦን ክላይመት ቸንጅ (ኣይ ፒ ሲ ሲ) ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ዋዕላ`ዩ።
ሙቐት ዓለምና ኣብ`ቲ ዝተዓለመሉ 1.5 ዲግሪ ንምድራቱ፡ መንግስታት ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ልቀት ሓምላይ ገዛ ብ 45 ሚእታዊ ከጉድላ ኣለወን ኢሉ ኣይ ፒ ሲ ሲ።
እንተኾነ ግን ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ እናዛየድ ከምዝመጸ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕትታት ሓቢሮም።
ኣርባዕተ ፕረሲደንትታት ዋዕላታት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝነበሩ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ብሰንበት ጸዊዖም።
`ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ወሳኒ ስጉምቲ ክውሰድ ለበዋ ዘየድልዮ ጉዳይ`ዩ` ድማ ኢሎም።
`ዝኾነ ይኹን ምድንጓይ፡ ንክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ዝግበር ጻዕርታት ዝያዳ ከቢድን ክቡርን ክገብሮ`ዩ` ኢሎም ንሳቶም።
እቶም ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ኣርባዕተ ፍሉጣት ሰባት ፍራንክ ባይኒማራማ ናይ ፉጂ፣ ሳልሓዲን ሜዞር ናይ ሞሮኮ፣ ሎኸን ፋቢየስ ናይ ፈረንሳይን ማኑኤል ፑልጋር ቪዳል ናይ ፐሩን እዮም።
እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፡ ክፍተት ኣብ መንጎ ሃገራት ዝብለኦን ክገብርኦ ዘለወንን እናዓበየ መጺኡ`ሎ።
`ዋላ እታ ዝነኣሰት ዓቐን ዋዒ ተሻቕል`ያ ኢሉ`ቲ ጸብጻብ ናይ ኣይ ፒ ሲ ሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ`ተን ትሑት መጠን ምዕባለ ዘለወን ሃገራት` ኢሉ ኣብቲ ዋዕላ ንጉጅለ ድካታት ሃገራት ብኣቦ መንበርነት ዝመርሕ ገብሩ ጀምበር እንዳለው።
ንምታይ`ዩ ሰር ዴቪድ ኣተንቦሮ ኣብ`ቲ ዋኦላ ተረኺቡ?
እቲ ውሩይ ጋዜጠኛን ኣፍቃሪ ተፈጥሮን ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቡ ኣብ`ቲ `ናይ ህዝቢ መንበር` ተባሂሉ ዝተጠመቐ ቦታ ክቕመጥ`ዩ። እቲ ዓላማ ድማ ብክሊማዊ ለውጢ ንዝተሃስዩ ሚሊዮናት ህዝብታት ናይ ዓለም ንምውካል`ዩ።
ንሱ ኣብ መኽፈቲ ናይ`ቲ ዋዕሉ ካብ ህዝቢ ዝተቐበሎም ርእይቶታት ከስምዕ`ዩ።
መራሕቲ ዓለም`ከ ኣብ`ቲ ዋዕላ ክሳተፉ ድዮም?
ልክዕ፡ ገለ 29 መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ክሳተፉን ኣብ ናይ መኽፈቲ መደረታት ከስምዑን`ዮም።
እቲ ቁጽሪ ግን ካብ`ቶም ኣብ ዋዕላ ፓሪስ 2015 ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣዝዩ ትሑት`ዩ። እዚ`ኸአ ብዙሓት ነዚ ዋዕላ`ዚ ከም ተክኒካዊ ደረጃ ከምዝርእይዎ የርእየካ።
እንተኾነ ግን ንከም ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን እዚ ዋዕላ`ዚ ኣገዳሲ`ዩ። ዋላ ኣብ እዋን ፕረሲደንት ትራምፕ [ትራምፕ ሃስያ ክሊማዊ ለውጢ ኣይኣምነሉን`ዩ] ዓለማዊ ምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝኽእል ንዓለም ከርእያ`የን ዝደልያ።
ምንካይ ካርቦን ቀንዲ ኣድህቦ ናይ`ቲ ዋዕላ ድዩ?
ተጋባእቲ፡ ጥሙሓት ኣብ ምዕዛዝ ጊዜኦም ኣብ ክንዲ ዘጥፍኡ፡ ኣብ ምዝዛም ቴክኒካዊ ስምምዓት ዋዕላ ፓሪስ ከድህቡ`ዮም።
እቲ ስምምዕ ዋዕላ ፓሪስ ክብረ-ወሰን ብዝሰበረ መንገዲ ኣብ 2016 ብ180 ሃገራት`ኳ እንተጸደቐ ክሳብ 2020 ግን ተግባራዊ ኣይክኸውንን`ዩ።
`ኣብ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ዋዕላ፡ ጉዳይ መጽሓፍ ሕጊ ዝያዳ ዓቕሚ ተጋባእቲ ክጽንቅቕ`ዩ` ኢላ ካሚላ ቦርን ናይ`ቲ ብE3G ዝፍለጥ ጉጅለ ፈላጣት ክሊማዊ ለውጢ።
`ኣብ ጉዳይ መምርሒታት ዋዕላ ፓሪስ ምስምማዕ ተክኒካውን ፖለቲካውን ሕልኽላኻት ክህልዎ ዘገርም ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ክግበር ዘልከዎ`ዩ` ድማ ኢላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ መሪሕ መጽሓፍ ናይ ፓሪስ ሓያሎ ኣማኢት ገጻት ዘለዎ ኮይኑ ኣሽሓት ቅንፋት [ብራኬታት] ኣለውዎ። እዚ ድማ ስምምዕ ዘይተገብረሎም ጉዳያት ከምዘለዎ`ዩ ዘርእየካ።
ምድራት ልቀት ትኪ`ኸ?
ብመሰረት ስምምዕ ዋዕላ ፓሪስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ምቕናስ ካርቦን ናይ ባዕላ ውሳነታት ንምውሳድ ትውስን። ገለ ተዓዘብቲ ግን ናይ ለውጢ መንፈስን ህጹጽነት ስነ-ፍልጠትን ስጉምቲ ንምውሳድ ከገድዱ`ዮም ኢሎም ይኣምኑ።
ንምንታይ`ዩ መስርሕ ሕቡራት ሓገራት ዛሕቲሉ?
በቲ ኣካይዳ ዓራዛዝነ ብዙሕ ብስጭት ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ`ቶም ፖለቲከኛታት ነቲ ብሰንኪ መጠን ዋዒ ዝስዕብ ጉዳኣት ኣጸቢቖም ኣይተረድእዎን ኣለዉ ዝብሉ ጎስጎስቲ።
`መንግስታት ዓለም ኣብ ምድሓን ዜጋታቶም ፈጺሞም ፈሺሎም`ዮም` ኢሉ ኣፈኛ ናይ`ቲ ኤክስቲንክሽን ረበሊዮን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ጉዳይ ክሊማ ሱር-ነቀል ለውጢ ዝጠልብ ማህበራዊ ምንቅስቓስ።
`ብኣምሳይኡ፡ ኣብ ዓቢ ንግድን ቅልጡፍ ትርፍን`ዮም ኣድሂቦም ዘለዉ። ነዚ ክንቅይሮ ክንክእል ኣለና`
ኣብ መስርሕ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝዋስኡ ኣካላት ድማ ኣብ`ቲ ጉዳይ ሓቀኛ ምዕባለ ከምዘሎ ይዛረቡ።
`ተጋባእትን ካልኦትን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑን ሓቀኛ ለውጢ ከምዘምጽኡን ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ` ኢሉ ሓላፊ ዩ ኤን ዲ ፒ ኣቺም ስተይነር።
`300 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ተሓዳሲ ጸዓት [ሪኒወብል ኤነርጂ] ኣብ ስራሕ ኣሎና። ኣዚ ውሑድ ገንዘብ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ኣብ ገለ እዋናት ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ዝርርባት ዘስተካኸለ ናይ ጸዓት ሰውራ`ዩ` ድማ ኢሉ።
ብዝሒ ገንዘብ ክንደይ ዝኣክል ተራ ክጻወት`ዩ?
ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ፋይናንስ ምዕባለ ወሳኒ ምዃኑ ይኣምና። ብመሰረት ስምምዕ ዋዕላ ፓሪስ፡ ካብ 2020 ንንየው፡ ኣብ ዓመት 100 ቢሊዮን ዶላር ቃል ተኣትዩለን ኣሎ።
ገለ ሃገራት ግን ኣብቲ ብሃብታማት ዝርአ ምዝሕታልን ምጉታት ኣግርን ዝዋሃብ ኣደናጋሪ ገንዘብ ጥርጣረታት ኣለወን። ተጋባእቲ ድማ ኣብ ጉዳይ ፋይናንስ ንቕድሚት ምስጓም ወሳኒ`ዩ ይብሉ።
ስክፍታታት`ከ ኣለዉ`ዶ?
እወ፡ ወከልቲ መንግስታትን ተዓዘብትን ስክፍታታት ኣለዎም። እቲ ዋዕላ ኣብ`ታ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝዓበየ ዕደና ከሰል ዝካየደላ ከተማ ምክያዱ ንባዕሉ ንብዙሓት ከየሻቐሎም ኣይተረፈን።
ፖላንድ ኣዝያ`ያ ኣብ ከሰል እትምርኮስ። ኣስታት 80 ሚእታዊ ጸዓታ ድማ ካብ ነዳዲ ቅራይ [ፎሲል ፉዌል] እዩ። ኣብ ኣባይቲ ትሑት ጽሬት ዘለዉ ከሰል ምጥቃም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ዝሑል ወቕቲ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ዒግታ ትኪን ሕማማት መተንፈሲ ኣካላትን የስዕብ።
መንግስቲ ፖላንድ ግን ምዕዳን`ቲ ነዳዲ ደው ከምዘየብሎን ንዓመታ ኣብ ሲለሲያ ሓድሽ መዓደኒ ንምስራሕ ወጢኑ ከምዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ድፍረት ዝመልኦ ኣተሃሕዛ ድማ ብብዙሓት ተኾኒኑ`ሎ።
ፕረሲደንት ትራምፕን ኣሜሪካን`ከ ኣብዚ ዋዕላ ክራኣዩ ድዮም?
ዋላ`ኳ ኣሜሪካ ካብ`ቲ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ስሒባ እንተኾነት፡ ክሳብ 2020 ግን ክትወጽእ ኣይትኽእልን`ያ። ወከልታ ድማ ኣብ ዝካየድ ዋዕላታት ክሳተፉ ጸኒሖም ኣለዎ፡ ነቲ ምዕባለታት`ውን ኣይዓንቀፍዎን። ኣሜሪካ ኣብ`ዚ ናይ COP24 ዋዕላ ክትሳተፍ ትጽቢት ይግበረላ።
እንተኾነ ግን ነቲ`ቲ ፕረሲደንት ምስ ከሰል ዘለዎ ፍቕሪ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ዋይት ሃውስ [ቤት`መንግስቲ ኣሜሪካ] ኣብ ጎኒ ጎኒ`ቲ ዋዕላ ንዕደና ነዳዲ ቅራይ ዘተባብዕ ፍጻመታት ከተካይድ ምዃና ተሓቢሩ`ሎ።