እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባርዕ ሓዊ ካሊፎርኒያ፡ ቁፅሪ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት 600 በፂሑ'ሎ
ኣብ ሰሜን ካሊፎርኒያ ብዘጋጠመ ከቢድ ባርዕ ሓዊ፡ ቁፅሪ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ሰባት ልዕሊ 600 እንትበፅሕ፡ በቲ ባርዕ ናይ ዝሞቱ ካልኦት ተወሰኽቲ 7 ሰባት ኣስከሬን ድማ ተረኺቡ።
በቲ ባርዕ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ቁፅሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ዝነበረ ብዝሒ ብዕፅፊ ወሲኹ'ሎ።
ብውሑዱ ህይወት ኣስታት 63 ሰባት ዝጠፍአ እንትኸውን፡ ኣስታት 12 ሽሕ ህንፃታት ዓንዮም እዮም።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ፡ በቲ ባርዕ ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፤ እዚ ድማ ቁፅሪ መወትቲ ናብ 66 ክብ የብሎ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ቁፅሪ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ንምንካይን፡ ህይወት ንምድሓንን ይረባረቡ ከምዘለዉ ሰብመዚ ግዝኣት ቡዩት ገሊፆም።
ፕረደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምዕዛብን ንግዳያት ንምርካብን ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ናብ ካሊፎርኒያ ከምርሑ እዮም።
ኣስታት 9 ሽሕን 400 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነዚ ባርዕ ንምቁፅፃር ይቃለሱ ኣለዉ።