እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል 16 ዓመት ግሬታ ቱምበርግ ዝበለጸት ሰብ ዓመተ 2019 ተባሂላ
ጓል 16 ዓመት ግሬታ ቱምበርግ በቲ ኣንጻር ክሌማዊ ለውጢ እትገብሮ ቃልሲ ብመጽሔት ታይምስ ናይ 2019 ዝበለጸት ሰብ ተባሂላ ተሸሊማ።
ግሬታ ቱምበርግ፡ መጽሔት ታይምስ ካብ 1927 ጀሚሩ ዓመታዊ ንዝበለጸ ሰብ ምሽላም ካብ ዝጅምር እታ ዝነኣሰት ነዚ ሽልማት ዝበቐዐት ሰብ እያ።
ግሬታ ቱምበርግ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየድ ኣኬባ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ "ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዘለና ኣተሓሕዛ ለውጢ እንተዘይጌርና ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ህላወ እዛ ዓለም ዝውስን እዩ ክኸውን' ኢላ ነይራ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ግሬታ ቱምበርግ ዓርቢ ዓርቢ ትምህርቲ ብምቡኳር ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ሽወደን ብምኳን ኣብ ስነ ከባብያዊ ዘሎ ኣተሓሕዛ ለውጢ ክግበር ትጽውዕ ነይራ እያ።
ኣብቲ እትገብሮ ዝነበረት ጎስጓስ #FridaysForFuture ዝብል ሃሽ ታግ ብምጥቓም ድማ፡ ጎስጓሳ ዓለምለኻዊ መልክዕ ከምዝሕዝ ገይራ።ብ
ካብቲ እዋን ጀሚራ ድማ ንክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ቅድመ ግንባር ብምኳን ንሚልዮናት ብምጽላው ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥርያ።
ብዝገበረቶ ኣበርክቶ እውን ሓንቲ ካብ ሕጹያት ሽልማት ኖቤል 2019 ክትከውን እውን በቒዓ እያ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኒው ዮርክ ንክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝገበሮ ኣኬባ "ብቃላት ጥራይ እናጠበርኩም ሕልምታትና ትሰርቕዋ ኣለኹም" ዝብል መደረ ዘስመዐት ግሬታ ቱምበርግ እዝንን ስምዒትን ብዙሓት ክትገዝእ ክኢላ እያ።
በዚ እትገብሮ ቃልሲ ግን ብኹሉ ኣይኮነትን እትድገፍ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራመፕ በቲ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎ ዝሕቱል ኣረኣእያ ስለዝነቐፈቶ ክጠማመቱ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን'ውን ኣብ ሓደ እዋን "ገርሂ ግን ፍልጠት ዝጎድላ" ኢልዋ ነይሩ።
መጽሔት ታይምስ ኣብ ኤን.ቢ.ሲ ብመንገዲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢድዋርድ ፈለስታሃል ኣብ ዝሓበሮ "ነቲ ዓለምና ተቓሊዓትሉ ዘላ ክሊማዊ ለውጢ፡ ግሬታ ታምበርግ ብርቱዕ ድምጺ ብምዃን ኣብዚ ዓመት እዚ ዝፈጠረቶ ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን" ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ሽልማት ምብቕዓ ሓቢሩ።