ኮቪድ 19፡ 14 ሚልዮን ነበርቲ ቻይናዊት ከተማ መርመራ ክገብሩ እዮም

14 ሚልዮን ነበርቲ ቻይናዊት ወደባዊት ከተማ ትያንጂን፡ ኣብታ ከተማ ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ንኹሎም መርመራ ክካየደሎም እዩ።

ነበርቲ እታ ከተማ መርመራ ክሳብ ዝካየደሎም ካብ ገዛ ከይወጽኡን ተመርሚሮም ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዘርኢ ምስክር ወረቐት ከይተውሃቦም ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቐሙ ከምዘይፍቐዶምን ተሓቢርዎም ኣሎ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ቀረባ መዓልታት 20 ሓዲሽ መልከፍቲ ከምዝተመዝገበን ካብኦም እቶም ክልተ በቲ ኣዝዩ ዝላባዕ ኦሚክሮን ዝዓይነቱ ቫይረስ ዝተለኸፉ ምዃኖም ንኣመሓደርቲ እታ ከተማ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ።

ቻይና ኣብ ኮቪድ፡ ፖሊሲ 'ዜሮ ተጻዋርነት' ትኽተል ሃገር ኮይና፡ ንኮቪድ ካብ መላእ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ጠቅሊሉ ንኽጠፍእ ትሰርሕ ምህላዋ'ያ ትገልጽ።

ቻይና ምስ ካልኦት ብምውድዳር ኣብ ምጅማር እቲ ለበዳ ተሪር ዕጽዋታት ብምክያድ፡ መጠን መልከፍቲ ከተጉድሎን ክትቆጻጸሮን ከምዝኸኣለት'ዩ ዝምስከር።

እቲ ፖሊስን ዕጽዋታትን ምስቲ ቻይና ኣብ 1 ለካቲት ተብዕሎ ሓዲሽ ዓመት [Lunar New Year] ብዝያዳ ክተርር ከምዝኽልእ እዩ ዝግመት።

ብዘይካ እዚ ቻይና ካብ 4 ክሳብ 20 ለካቲት ኣብ በይጂንግ ተኣንግዶ 'ዊንተር ኦሎምፒክ' ይቀራረብ ስለዘሎን ከተማ ትያንጂን ካብ በይጂንግ 115 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቃ ስለ ትርከብ እቲ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ነገር እዩ።

ነበርቲ ከተማ ትያንጂን መርመራ ንምግባር ድሮ ሪጋ ክስርዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ከተማታት ዥያንን ይዥሁንን ናይ ቻይና ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ምስ ተራኣየን ኣብ ምሉእ ዓጽዋ ኣትየን ዘለዋ ከተማታት እየን።

ከተማ ዥያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ'ያ ኣብ ዕጽዋ ኣትያ ዘላ።