እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ: መንግስቲ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳታታትን መምርሒታትን ኮቪድ-19 ኣውጺኡ
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ተወሳኺ እገዳታት ኣዊጁ።
ብመሰረት እቲ ብሰሉስ 3 ጥሪ ዝወጸአ መምርሒ፡ "ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም ወይ ምክራይ ክልኩል" ክኸውን'ዩ።
"ከም'ቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ እቲ ለበዳ ስለዝነሃረ ዝርአ ዘሎ ሸበድበድን ዳግማይ ምጽናዕ ተላዒሉ ዝጸንሐ ተሪር ስጒምቲታትን ሃሳዪ ጐድንታት ዘለዎ ምርጋጥን ንምውጋድ እምበኣር፡ ዜጋታትን ትካላትን፡ ነቶም ቅጥዕታት ብምልኣትን ብዕቱብነትን ከተግብሩ ኣለዎም" ክብል'ውን እቲ ሓይሊ ዕማም ኣጠንቂቑ'ሎ።
ክሳብ ሎሚ 77 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 8128 በጺሑ'ሎ። ዝበዝሑ ካብዚኦም ሓውዮም ናብ ገዝኦም ዝተፋነዉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 232 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ናብዪት ይግብረሎም ኣሎ።
ኤርትራ እታ እንኮ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ዘይጀመረት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይግለጽ። መርመራታት'ውን ብስሩዕ ከምዘይካየድ ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ሓይሊ ዕማም "ካብ ዳግማይ ተሪር ስጉምቲ ንምድሓን . . . ኣብ መርዓ፡ ቀብሪ፡ ሓዘንን ሃይማኖታዊ በዓላትን፡ ኩሎም'ቶም ኣቐዲሞም ዝተኣወጁ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት፡ ብዕቱብነትን ብምልኣትን ክትግበሩ ግድነታዊ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤርትራ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ኣውጺኣ ምንባራ ይዝከር።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ተለኺፎም ዝተረኽቡ "ብናታቶም ወጻኢ" ኣብተን ብሰብመዚ ዝተሓርያ ሆቴላት ክውሸቡ ምዃኖምን ሓቢሩ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብዚ ትማሊ [4 ጥሪ 2021] ዘውጽኦ መግለጺ "ብፍላይ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማስክ ምጥቃም ግዴታ'ዩ" ክብል ኣነጺሩ'ሎ።
ኣብ ፈለማ ናይቲ ለበዳ ኤርትራ ዝኣወጀቶ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ተሪር እገዳታትን ናይ ምርጋጥ ስጉምትን ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ኣስዒቡ ነይሩ'ዩ።
"ምስናይ'ቲ ከቢድ ቊጠባውን ማሕበራውን ጸገማቱ - ብኣጋኡ፡ ብቕጽበትን ንዝተናውሐ ግዜን ሳላ ዝተወስደ፡ ዝርግሐ ናይ'ቲ ቫይረስ፡ ብኹሉ ዓለማዊ ይኹን ዞባዊ መዐቀኒታት፡ ኣብ ደሓን ደረጃ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ንኣድማዕነትን ሃስያን ናይቲ ዕጽዋ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ሚኒስትሪ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ ሓበሬታ፡ ሓንቲ ጓል 86 ዓመት ኣደ ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ከምዝተፈልያ ኣፍሊጡ። ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት ድማ 65 ዜጋታት ከምዝተለኽፉ ሓቢሩ።
እቶም ብሰሉስ 4 ጥሪ ዝወጹ ተወሰኽቲ መምርሒታት፡
- ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም ወይ ምክራይ ክልኩል ኰይኑ፡ ኩሎም ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ሃይማኖታዊ ጽንብላትን፡ ብዝተኻእለ መጠን ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪን ንኹሉ ዘድሊ ቅጥዕታት ምክልኻል ዘማልኡን ክዀኑ ኣለዎም።
- ኣካላዊ ምርሕሓቕ፡ ከምኡ'ውን ጽሬት ኣእዳውን ምምካን ኣቚሑን ብጥብቂ ክዝውተር ይግባእ።
- ብፍላይ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማስክ ምጥቃም ግዴታ'ዩ።
- ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን መነጻጽሂ ምቕራብን ምጥቃምን ግዴታ'ዩ።