ኮቪድ-19፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ለበዳ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2022 ከኽትም ዝብል ሸቶ ኣውጺኡ

ሃገራት ዓለም ብሓባር እንተሰሪሐን ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ 2022 ክግታእ ከምዝኽእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ተዛሪቡ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጸቢብ ሃገራውነትን ክታበት ምብሓትን" ከይህሉ ኣጠንቂቑ።

እቲ ውድብ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ሽዑ ስሙ ዘይተነጸረ ቫይረስ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መጠን መልከፍቲ 287 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ነቲ ለበዳ ኣብ ግምት ዘእተወ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ይካየድ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ዓቢ ምትእኽካባት ከይህሉ ዝተፈላለየ መምርሒታት ኣውጺአን ይርከባ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኮቪድ-19 ኣካል መዓልታዊ ሂወት ሰብ ኮይኑ'ሎ። ብሰንኩ ዶባት ተዓጽዮም፡ ስድራቤታታት ተፈላልዮም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ቦታታት ብዘይ መሸፊኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተንከስ ኢልካ ከይትወጽእ ዝገብር ኩነታት ፈጢሩን።

ምስ ኩሉ'ዚ ግን፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ መሳርሒታትን ኣገባባትን ተፈጢሮም ብምህላዎም ክንቆጻጸሮ ከምእንኽእል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ'ሎ።

ብተመሳሳሊ ግን፡ ኣብ ምምቕራሕ ክታበት ዘሎ ዘይምዕሩይነት እቲ ሕማም ኣብ ምቕጻል ሳዕቤን ከምዝህልዎ ከየጠንቀቐ ኣይሓለፈን።

"ጸቢብ ሃገራውነትን ገለ ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ክታበት ናይ ምዕቋር ስጉምቲ፡ ንምዕሩይነት ዝሃስን ንምቕልቃል ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ምቹእ ኩነታት ዝፈጠረን'ዩ። ዘይምዕሩይነት እንተቐጺሉ፡ እቲ ቫይረስ ብዘይተጸበናዮን ክንከላኸሎ ብዘይንኽእለሉ መንገድን ናይ ምቕያር ሓደጋ ኣለዎ" ኢሉ።

"ዘይምሩይነት [ክታበት] ደው እንተ ኣቢልናዮ፡ ነቲ ለበዳ ደው ከነብሎ ንኽእል ኢና" ክብል'ውን ተስፍኡ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡

  • ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ ሞት ዓቢ ወሰኽ ከይርኣየ ጥርዚ ናይ ራብዓይ ማዕበል ሓሊፋቶ ከምዘላ ገሊጻ'ላ። ኦሞክሮን ፈለማ ኣብታ ሃገር ከምዝተራእየ ይዝከር።
  • ፈረንሳ፡ ዓሌት ኦሚክሮን ኣብታ ሃገር ካብ ዝተራእዩ ዓሌታት ናይቲ ቫይረስ እቲ ቀንዲ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢራ'ላ። መዓልታዊ ልዕሊ 2000 መልከፍቲ ናይቲ ዓሌት ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣመዝጊባ'ላ።
  • ጀርመን፡ ፍሉጥ ቫይሮሎጂስት ክርስትያን ድሮስተን፡ ኦሚክሮን ኣዝዩ ሓደገኛ ብዘይምዃኑ፡ "ብተዛማዲ ንቡር" ሓጋይ (ዊንተር) ክህሉ ምዃኑ ተስፋ ሂቡ'ሎ።
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ በረራታት ኣየር ብሰንኪ መልከፍቲ ሰራሕተኛታት ተሰሪዞም ኣለዉ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብኦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጠመ'ዩ።
  • እስራኤል፡ ሓንቲ ካብተን ራብዓይ ደረጃ ክታበት ምሃብ ዝጀመራ ሃገራት ኢኮይና'ላ።
  • ቻይና፡ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኣትያ ዘላ ከተማ ዢያን ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ነበርቲ ኣማሪሮም። ሰብመዚ ግን እኹል ኣረብ ኣሎ ይብሉ ኣለዉ። ኮሮናቫይረስ ፈለማ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ከምዝተቐልቀለ ይዝከር።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ዞባታት ዓለም ዘሎ ትሑት መጠን ክታበት ከምዘሻቕሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን፡ ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ እንተወሓደ ሓደ ክታበት ዝረኸበ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ 2021 ኩለን ሃገራት ብውሕዱ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝበን ክልተ ክታበት ክወስድ ዝብል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ ወጥን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ንኣብነት፡ ኤርትራ ክታበት ዘይሃበት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ። ኣብ ዝበዝሓ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን መጠን ክታበት ኣዝዩ ትሑት ከምዘሎ ይግለጽ።

ገለ ሃገራት ሓደ ክታበት ከይሃባ ሃብታማት ሃገራት፡ ንቀረብ ክታበት ኮሮናቫይረስ "ውሒጠን" ንህዝበን ምሉእ ክታበት ሂበን ክብል ዶ/ር ቴድሮስ ቅድሚ ሕጂ ነቒፉ ነይሩ'ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2022፡ 70 ሚእታዊት ህዝቢ ኩለን ሃገራት ክኽተብን እቲ ለበዳ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ከኽትምን ዝብል ሓድሽ ሸቶ ኣውጺኡ'ሎ።