ብክታበታት ኮቪድ-19 ኣባጭዩ ኮሮናቫይረስ ዝቐተሎ ኣመሪካዊ

ኣብ ቤተክርስትያን ሂልሶንግ ሜጋች ኣባል ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ስቴፌን ሃርመን ንክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ምቅዋም ብተወሳኺ ነቶም ክታበታት ኣልዒሉ የባጩ ከምዝነበረ’ዩ ተገሊጹ። እቲ ወዲ 34 ዓመት ን7 ሽሕ ሰዓብቱ “ዋላ’ኳ 99 ሚኢታዊት ጸገም እንተዝህልወኒ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግን ካብኣቶም ሓደ ኣይኮነን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ጥቓ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ኒሞንያን ኮሮናቫይረስን ሕክምና ክግበረሉ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ’ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ብህይወት ንምንባር ዘካየዶ ቃልሲ ኣብቲ ደቂስሉ ዝነበረ ክፍሊ ስእልታት ብምጥቃዕ ገሊጹ ነይሩ።

“በጃኻትኩም ኩላትኩም ጸልዩለይ፣ ክትንፍስ ብዘይምኽኣለይ ብናይ መተንፈሲ መሳርሒ ክሕግዙኒ’ዮም” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ ምንባሩ ተገሊጹ። ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ትዊተር ጽሕፍቱ ብናይ መተፈንሲ መሳርሒ ተሓጊዙ ከስተንፍስ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

“መዓዝ ከምዝኾነ’ኳ እንተዘይፈለጥኩ ግን ክነቅሕ እየ፣ በጃኻትኩም ጸልዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። ሃርመን ዋላ’ውን ምስ ኮሮናቫይረስ ይቃለስ ኣብዝነበረሉ ግዜ’ውን እንተኾነ “እምነተይ ከድሕነኒ’ዩ” ብዝብል ክታበት ከምዘይቕበል ተዛሪቡ ነይሩ።

ቅድሚ ምሟቱ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኮነ ክታበት ኮሮናቫይረስ የላግጽ ዝነበረ ኮይኑ ካብ ኣብ ኣመሪካ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምና ዝኾነ ዶ/ር ኣንተንዮ ፋውቺ ንላዕሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እምነተይ ክብል መስሓቕ ስእልታት ጠቒዑ ምንባሩ ይፍለጥ።

መስራቲ ቤተ ክርስትያን ሂልሶንግ፡ ብርያን ሂዩስተን: ሃርመን ከምዝሞተ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣረጋጊጹ’ሎ። ሂዩስተን “ኣዚና እንፈትዎ መሓዛና ስቴፈን ሃርመን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሟቱ ዘሕዝን ዜና’ዩ” ኢሉ። ንኣመንቲ እታ ቤተክርስትያን ድማ “መምርሒ ሓካይሞም ከተግብሩ” ኣበረታቲዕዎም’ሎ።

ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመና ዝወሰኸ ኮይኑ ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝተወሰዱ እቶም ዝበዝሑ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይተኸተቡ ከምዝኾኑ ይግለጽ’ሎ።