ቻይና እቲ ለበዳ ካብ ዝተራእየሉ እዋን ጀሚራ ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ምምዕባል ተጸሚዳ ጸኒሓ እያ።

ቻይና እቲ ለበዳ ካብ ዝተራእየሉ እዋን ጀሚራ ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ምምዕባል ተጸሚዳ ጸኒሓ እያ። ኣብ ክረምቲ 2020 ክታበት ንገለ ክፋል ህዝባ ክትህብ ዝኸኣለት ናይ ፈለማ ሃገር ኮነት። ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝርከቡ፡ 16 ዓይነታት ክታበት ኮቪድ-19 ኣለውዋ። እቶም ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ግና ብሳይኖቫክን ሳይኖፋርምን ዝማዕበሉ እዮም። ቻይና ነቶም ክታበታት ንምዝርጋሕ ምስ ልዕሊ 20 ሃገራት ስምምዕ ከቲማ ኣላ።