እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዝርገሐ ኮቪድ ክገትእ ተስፋ እተገብረሉ ሓድሽ መድሃኒት ዓዲ-እንግሊዝ ፍቓድ ረኺቡ
ምቁጽጻር መድሃኒት ዓባይ ብሪጣንያ ካልኣይ ናይ ኮቪድ ጸረ-ቫይራል ከኒና ኣጽዲቑ።
እቲ ፓክስሎቪድ ዝበሃል መድሃኒት፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት እዩ ክወሃብ።
ብቕዓት እቲ መድሃኒት ንምፍታን ኣብ ዝተገብረ ሕክምናዊ ምርምር እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ንሕክምና ካብ ምእታው ብ89% ስለዝነከየ እቲ መድሃኒት ትስፉው እዩ ተባሂሉ።
ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ብኩባንያ ኣመሪካ ፒፋይዘር ንመድሃኒት ኤች.ኣይ.ቪ ተመርኲሱ ዝማዕበለ 2.75 ሚልዮን ዶዝ ፓክስሎቪድ ኣዚዛ ኣላ ።
ፓክስሎቪድ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ንኮቪድ ንክከላኸል ንኻልኣይ ግዜ ካብ ዝጸድቕ ዘሎ ሓድሽ ጸረ-ተሃዋስያን ከኒና እዩ። ቅድሚኡ ከኣ ሞልኖልኒራቪር ዝተባህለ መድሃኒት ጸረ ቫይራል ኣብ ሕዳር ናይዚ ዓመት ብተቖጻጸርቲ መድሃኒት ፍቓድ ተዋሂቡዎ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ ሳጂድ ጃቪድ፡ ሓድሽ ጸረ-ቫይረስ ፡ ክታበትን ንዓሌት ኦሚክሮን ዝከላኸል “ቡስተርን” ምስቲ ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ምርመራ ናይ ኮቪድ ዓባይ ብሪጣንያ ብኦሚክሮን ንዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ኣብ 2022 ንምብዳህ፡ "ዝሓየለ ተኽእሎ" ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ፕሮቲስ ኢንሂቢተር
ፓክሎቪድ፡ እቲ “ፕሮተሰ ኢንሂቢተር” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ነቲ ንምብዛሕ ቫይረስ ዝሕግዝ ምራቕ ዝዓግት ዓይነት መድሃኒት እዩ። ምስ ሪትኖቪር ዝተባህለ ጸረ ቫይራል መድሃኒት ብውሑድ ዓቐን ምስ ዝውሰደ ከኣ እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ኣካላት ሰብ ይጸንሕ።
እታ "ፕሮተሰ ኢንሂቢቶር" እትብል ቃል ንሓንቲ መድሃኒት ዘይኰነስ ንሓደ ክፍሊ ሕክምና እተመልክት እያ። ብፍላይ ከኣ ጸረ-ቫይራል ንዝኾነ ዓይነት መድሃኒት።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ሕሙማት ንኽጥቀሙ ተፈቒዱሎም ኣሎ። እዚ ድማ ማእከላይ መልከፍቲ ኮቪድ ዘለዎም ግን ከኣ ሕማሞም እናገደደ ክኸይድ ልዑል ተኽእሎ ንዘለዎም ሰባት ይወሃብ።
በቲ ቫይረስ ኣብ ዝተታሕዙ 1,219 ሕሙማት ኣብ ዝተገብረ ክሊኒካዊ መርመራታት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ካብቶም ፓክስሎቪድ እተዋህቦም ሕሙማት 0.8% ድሒሮም ናብ ሆስፒታል ክኣትው እንከለው፡ ምስቶም ከኒና ዝተዋህቦም ሕሙማት ክወዳድ እንከሎ ግን 7% ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ።
እዚ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ እተሓትመ ውጽኢት ገና ብካልኦት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን ኣይተገምገመን ዘሎ።
ዋና ኣካያዲ መድሃኒት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዶክተር ጁን ረይን፡ “ሕጂ ኣብ ክንዲ ብክታበት ጥራሕ ብኣፍ ዝውሰድ ጸረ ኮቪድ መድሃኒት ኣሎና” ኢሉ።
"እዚ ማለት ከኣ መድሃኒት ኮቪድ ናብ ከቢድ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ካብ ሆስፒታል ወጻኢ ኣብ ገዛ ክወሃብ ይከኣል እዩ"
እቲ ተቖጻጻሪ መድሃኒት ትካል፡ ፓክስሎቪድ፡ ኣብ መጀመርያ ደረጃታት ናይቲ ረኽሲ ምስ ዝውሰድ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑን፡ ምልክታት ሕማም ኣብ ዝጅምረሉ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት እቲ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዘለዎን ሓቢሩ።
ሓካይም፡ እቲ መድሃኒት ኮቪድ ሕሙማት ናብ ሆስፒታል ካብ ምምጻእን መጠን ሞት ኣብ ምንካይን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ፓክስሎቪድ፡ ኣብ ኣስታት 70 ሓደሽቲ ናይ ሆስፒታላት ዓባይ ብሪጣንያ ተዘርጊሑ ኣሎ። ነቶም ናይ ሕማም ኮቪድ ምልክት ዘርኣዩን ተነቃፊ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባትን ከኣ ክወሃብ እዩ።
ሞኑፑራቪር ዝበሃል ካልእ ናይ ጸረ ታህዋስያን ከኒና እውን ንሕሙማት መንሽሮን ናይ ኣካላት ሰባት ትራንስፕላንት ዝተገብረሎምን ክወሃብ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ 'ዚ ወርሒ' ዚ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ብኩባንያ መድሃኒት ሻርፕን ዶህመን ኣመሪካ ዝፈሪ ከኒና ብጠቕላላ 2.3 ሚልዮን ዶዝ ጠሊባ ኣላ።
እንተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰበ ስልጣን ጥዕና ፈረንሳ፡ ክሊኒካዊ ጌጋታት ኣለዎ ብምባል ንኹሉ እቲ ኣዚዞምዎ ዝነበሩ ዶዛት ሰሪዞምዎ ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ “ሶትሮቭ” ዝተባህለ ሳልሳይ ሓድሽ ኣብ ሆስፒታላት ብኢንፊዝዩን ዝወሃብ መድሃኒት ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።