ቅልውላው ትግራይ፡ ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ማዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ

ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ነበርቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተዛሪቦም።

እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ንሰበስልጣን እቲ ከባብን ንመሰኻኽር ዓይንን ጠቒሶም ንሮይተርስ ከምዝበልዎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ብዙሓት'ውን ቆሲሎም እዮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ደደቢት ን56 ሰባት ሞት ምኽንያት ዝኾነ ኣብ ማዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ መትቃዕቲታት ዛጊድ ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ቅድሚ ሕዚ ግን ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም።

ትማሊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተዘራረብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዝቕጽል ዘሎ ተጻብኦታት፡ እንኮላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹሉ እዩ።

ካልኦት እንታይ ኢሎም?

በቲ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመን መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ጎንጽን መጥቃዕቲታት ኣየርን ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥን ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስን ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

ነዞም ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣየር ስዒቡ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፁ ገሊጾም ኣለዉ።

በቲ ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ንAFP ዝሓበረ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ "ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን፡ መዳርግቲ ትካላት ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ከቋርፁ ተገዲዶም" ኢሉ።

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት- ዩኒሴፍ፡ ብወገኑ ነዚ "ኣብ ትግራይ ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ዝኾነኖ ኮይኑ በቶም ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከምዝተቖጠ'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ ከምዘሎን ይግለፅ።