ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሰራዊት ፈደራል ካብ ትግራይ ምውጽኡ ቅኑዕ'ዩ ክብል ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስሓቡ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ገምጋም ቅኑዕ ውሳነ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።

ሰኑይ ንፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲን ኩነታት ቁጠባ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ።

ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ መቐለን ካልኦት ሰፋሕቲ ቦታታትን ትግራይ ድሕሪ ምስሓቦም ንመጀመርያ እዋን'ዩ ንባይቶ'ታ ሃገር መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ክልል ድሕሪ ዝተገብረ ከበድቲ ውግኣት'ዩ እቲ ሰራዊት ካብቶም ከባቢታት ወጺኡ።

ቅልውላዉ ትግራይ

ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝበሎ፡ ሰራዊት ምስሓብ ዘገደድዎ ረቛሒታት ለበዳ ኮቪድ-19፣ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘሎ ድሌት ከምኡ'ውን ዘይተወድኡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምዝዛም ምዃኖም ጠቒሱ።

ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ መዓልቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምውሳኑ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ክበጽሕን፡ ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን ክረምቲ ሓረስቶት ሕርሻታቶም ክዘርኡ ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃብዎ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ግን፡ ሰራዊት ፈደራል ወተሃደራዊ ስዕረት ገጢምዎ ከም ዝወጽአ'ዮም ዝገልጹ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ኲናት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዘለዉ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ትግራይ ዝወጹ ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ ሃለዋት ምሩኻት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

መንግስቱ ግን፡ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት "ፖለቲካዊ ውሳነ" ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺኡ ግን፡ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት ኣቐዲሙ ዝነበረ ምዃኑን እቲ ካብ መቐለ ዝተፈጸመ ምስሓብ ሳልሳይ ዙር ምንባሩን'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

"ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግሉጽ ሓደጋ ፈጢሮም" ምንባሮምን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕሱባት ብምቑጻር ዘይምርግጋእ ብምስዓቦም ናይ ኲናት ከም ዝተኣትወ'ውን ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝልዓሉ ግጭታት ኢድ ከም ዘይብሎም ቅድሚ'ቲ ኲናት ይገልጹ ምንባሮም ይዝከር።

"ገሊኦም እቲ ኲናት ክቕጽል ምግባር ስለ ዘይተኻእለ'ዩ ይብሉ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ልቢ ክብሎ ዝደልዮ ሓደ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ን10 ወይ 20 ዓመት ኲናት ክቕጽል ምግባር ይክኣል'ዩ።

''እቲ ዘይክኣል ኣብ 5 ወይ 10 ዓመት ዕብየት ምምጻእ እዩ። ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ክልላት ጥራይ ኣብ ሰሙናት ዝሰልጠነ፣ ዝተዓጠቐን ዝተወደበን 100 ሽሕ ፍሉይ ሓይሊ፣ ፍርቂ ሚሊዮን ሚሊሻ ምውጻእ ይክኣል እዩ። 100 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዎ ሃገር'ውን ስለ ዝኾነ ካልእ ሓደ ሚሊዮን መንእሰይ ኣሰልጢንካ ምውፋርን እቲ ጎንጺ ክቕጽል ምግባርን ይክኣል'ዩ"

ፋይዳ ናይቲ ኲናት

ነቲ ልዕሊ 8 ወርሒ ዝቐጸለ ኲናት ደው ንምባል ብዙሕ ከም ዝተፈተነ ዝጠቐሰ ኣብዪ፡ ኣብ ከተማታት ውግእ ከይካየድ ልዑል ጻዕሪ ተገይሩ ኢሉ።

ሰራዊቱ ስነ-ምግባር ዘለዎ'ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዓመጽ ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊት ናብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ፡ ንዝዓነዉ ትካላት ንምህናጽን ኣገልግሎታት ንምሃብን 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝገበረ ብምግላጽ፡ መስመር ቴለፎን ንምዕራይ ጥራይ 30 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ኣበይ መዓስን ከም ዝተቐትሉ ግን ኣየነጸረን።

እንተኾነ ግን፡ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎታት ቴለፎን ኤለክትሪክን ኣቋሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኢንተርነት'ውን ካብ ነዊሕ እዋን ተቛሪጹ'ዩ ጸኒሑ።

ገለ ካብቶም ተጓናጺፈዮም ዝበሎም ዓወታት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ "በቲ ጸገም ቀንዲ ተሓተቲ'ዮም ዝተባህሉ [ውልቀሰባት] ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣለዉ ወይ ድማ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከም ዘይዋፈሩ ኮይኖም ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ሓያሎ ፍሉጣት መራሕቲ ህወሓት ነበርን ሰብስልጣን እቲ ክልልን ኣብቲ ኲናት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝተታሕዙ ይፍለጥ።

"ናብ ባህርዳር፡ ጎንደርን ኣስመራን ዝትኮስ ዝነበረ ሚሳይል ተመሊሱ" ብምባል'ውን እቲ ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዕዉት ምንባሩ መጒቱ።

እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ተን ከተማታት ብተወንጨፍቲ ሮኬታት መጥቃዕትታት ምፍጻሞም ይዝከር።

ብሰንኪ'ቲ ግጭት፡ ኣስታት 400 ሽሕ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ከም ዝኾኑ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።

ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ተዓቚቦም ኣለዉ።

ግድብ ህዳሰ

ብዛዕባ'ቲ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ሃገሩ ትሃንጾ ዘላ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኢትዮጵያ ናይ ልምዓት ጉዕዞኣ ሰላማዊ ክኸውን ከም እትመርጽ ብምስማር "ካልኦት ነዚ ክርድኡልና ንደሊ" ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ገረብ ናይ ምግራብ መደባት ሱዳን ግብጽን ተወሳኺ ማይ ንኽረኽባ ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።

"ድልየትና ሰላምን ዕብየትን እዩ። [ነቲ ግድብ] ንምውዳእ ክንተግህ ኢና፡ ኣምላኽ ኢትዮጵያ ኸኣ ክሕግዘና እዩ።"

ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክዛዘም ተቓሪቡ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ጸዓታዊ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ህዳሰ ማይ ምምላእ ከም እትቕጽል ምግላጻ፡ ነተን ፈለማ ስምምዕ ክግበር ኣለዎ ዝብላ ሱዳንን ግብጽን ባህ ኣየበለንን ዘሎ።

ዲፕሎማሲ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኤምባሲታት ምብዝሑ ተወሳኺ ወጻኢታት ይሓትት ምህላዉ ተዛሪቡ።

ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ፡ ልዕሊ 30 ኤምባሲታት ክዓጹ ምዃኑ ጠቒሱ።

"ሕጂ ኣስታት 60 ኤምባስን ቆንስላ ቤት ጽሕፈትን ኣየድልየናን። በብቦትኡ ዶላር ካብ እንብትን ንሽዱሽተ ወርሒ ወይ'ውን ንሓደ ዓመት ዝኸውን ሕጂ ካብ ዘለው ኤምባሲታት ብውሑድ እቶም 30 ክዕጸው ኣለዎም።"

ወጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ ጌና ኣብ ዘይተፈለጠሉ እዋን'ቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መግለጺ ሂቡ።

እቲ ሓያሎ ፖለቲካዊ ስልፍታት ዝተሓሰምዎ ሃገራዊ ምርጫ፡ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ክዕወተሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ክልል ትግራይን ሓያሎ ካልኦታት ከባቢታት እታ ሃገርን፡ ብሰንኪ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ምርጫ ክካየድ ከም ዘይተኻእለ ይፍለጥ።

ብሰንኪ፡ ኲናት ትግራይን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።

ቀጠባን ናህሪ ዋጋታትን

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናህሪ ዋጋታት ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መሊሱ ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ ናህሪ ድማ፡ ኣብ መንጎ ቀረብን እናወሰኸ ዝመጸ ተጠቃምነትን ዘሎ ፍልልይ ምዃኑ መጒቱ።

ፊስካላዊ (ባጀታዊ) ፖሊሲ መንግስቲ'ውን ናይ ገዛእርእሱ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ጠቒሱ።

ነዚ ንምፍታሕ ድማ፡ መንግስቲ ንዋጋ ነዳዲ ይድጉም ከምዘሎን፡ ዋጋ መነባብሮ ንምቁጽጻር፡ 47.8 ብር ቢልዮን ወጻኢ ምግባሩ ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።

ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ብ20 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ኣገልግሎት ባንክ እናሰፍሐ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ።

ልዕሊ 66 ሚልዮን ናይ ባንክ ሕሳብ ከምዘለዎም ድማ ሓቢሩ። እዚ ድማ ናይ ምዕቋር (ሰይቪን) ባህሊ ንምፍጣር ሓጋዚ'ዩ ኢሉ።