እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦስትርያ ብፍቓድ ዝፍጸም ብሰብ-ሞያ ዝተሓገዘ ነፍሰ-ቅትለት ሕጋዊ ገይራ
ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ፡ ዝኾነ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ፡ ብዝተፈላለየ ዘይድሕን ሕማም ዝሳቐ እንታሃልዩ’ሞ ክመውት እንተደልዩ፡ ብሰብ-ሞያ ዝተሓገዘ ነፍሰ ቅትለት ክፍጽም ዘፍቕድ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጸዲቑ።
ኣብቲ ጉዳይ ብዙሕ ክትዕ ምስተኻየደሉ እዩ እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ጸዲቑ።
እቲ ውሳነ፡ ብጥንቃቐ ዝትግበርን፡ ሓደ በዓል ሞያ መድሓነት ዝርከቦም ክልተ ዶኳትር ነቲ ጉዳይ ምስ መርመርዎን እዩ ዝፍጸም ተባሂሉ።
አንተኾነ፡ ነቲ ስቓይ ዝንኪ መንገድታት እንተሃልዩ ብህይወት ምንባር ቀዳምነት ክወሃቦ ምእታን መንግስቲ ነዚ ዕላማ ተወሳኺ ገንዘብ መዲቡ ኣሎ ተባሂሉ።
ብፍቓድን ብሰብ ሞያ ተሓጊዙን ዝፍጸም ነፍሰ-ቅትለት ኣብ ጎሮቤት ሃገር ስዊዘርላንድ ሕጋዊ እዩ። ኣብ ከም ስፔን፣ ቤልጂምን ኔርላንደስን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ድማ ዳርጋ ሕጋዊ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ ተባሂሉ።
ኣብ ኦውስትርያ፡ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ብመድሓኒት ዝግበር ቅትልት ዘይሕጋዊ ኾይኑ ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ድማ፡ ንትሕቲ ዕድመን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎምን ኣይምልከትን።
እንተኾነ፡ ዓቕመ ኣዳም ኮይኖም ብዓርሰ-ወነኖም ህይወቶም ከጥፍኡ ዝወሰኑ፡ ካብ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ መረጋገጺ ክረኽቡ ይግደዱ።
ካብ ክልተ ዶኳትር ፍቓድ ምስ ረኸቡ’ውን እንተኾነ፡ ንዓሰርተ ክልተ ሰሙነት ደጊሞም ክሓስብሉ ክጽበዩ ይግደዱ፤ ኣዝዩ ቃንዛ ዝተመልኦ ሕማም ዝሳቐዩ ድማ ክልተ ሰሙን ጥራይ ክጽበዩ ይግደዱ።
እዚ ምስ ኣማልኡ፡ ንዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ኣፍሊጦም እቲ ቃታሊ መድሓኒት ካብ ፈርማሲ ወሲዶም ንባዕሎም ከጥፍኡ ክፍቀደሎም እዩ።
እቲ ሕጊ ኣብ ዘይምዓሉ ከይውዕል፡ እዚ ዓይነት ኣፋውስ ዝሓዙ ቤተ መድሓኒት፡ በቶም ዶኳትር ጥራይ እዮም ክፍለጡ። እቲ መድሃኒት ክወዓዋዕ ድማ ኣይክፍቀድን ተባሂሉ።
ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕዚ ሓደ ንንፍሰቅትለት ዝተሓባበረ ወይ ድማ ዘመቻቸወ ዝኾነ ሰብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ ነይሩ።
ሕዚ’ውን እቲ ከይዲ ብጥብቂ ዘይተኸተለን ኣብ ጸቕጢ ኮይኑ ክመውት ንዝፈቅድ ዝተሓባበር ሰብ ብሕጊ ዝሕተት ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ኣዘራራቢ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣካቲዑ ምንባሩ እዩ ዝንገር።