ቃለ መሕትት ምስ ዮውሃንስ ፈርዲንናድ ድራር

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞም 'ስነ-አእሙራዊ ጸቕጥን ወጥርን፡ ሰብን ነብሶምን ጎዲኦም ገሊኦም ኣብ ኣብያት ማእሰርቲ፡ ገሊኦም ከኣ ነብሰ ቕትለት ፈጺሞም ሞይቶም' ዝብል ወረ ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ። ኪኢላታት ስነ-አእሙሮ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ እንታይ እዮም ዝብሉ?

ናይ አእሙሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ክልለዩን ክሕገዙን ይኽእሉ? ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ሃገረ ካናዳ ምስ ዝነብርን ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝሰርሕ ምኩር ክኢላ ስነ-አእሙሮ ሶሻል ዎርከር ዮውሃንስ ፈርዲንናድ ድራር ቃለ መሕትት ኣካይዳ ኣላ - ሰናይ ንባብ!!

ቢቢሲ ትግርኛ - ኣብዚ እዋን እዚ ሓያሎ ስደተኛታት ንሰባት ወይ ንነብሶም ጎዲኦም ዝብል ዜና ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ? እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት?

እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ስደተኛ፡ ኣብ ሃገሩ ይኹን ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ብዙሕ ስቓይ ስለዘሕለፈ፡ ቁስለ-አእሙሮ (ትራውማ) ወይ ሓያል ስምባደ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ተኣሲሩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሰራዊት ተዓስኪሩ ብዙሕ ኩናትን ሞትን ዝረኣየ ክኸውን ይኸእል። ኣብ ዓዱን ጉዕዞኡን ግፍዒ ወሪድዎ ክኽውን ይኽእል። ኣብ መንገዲ ብሸፋቱን ጨወይትን ተኸላቢቱ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ መዓስከራት ድዩ ተቐሚጡ፡ ብሲናይ ድዩ ሓሊፉ፡ ኣብ በዓል ሊብያን ጉዕዞ ማእከላይ ባሕርን እውን ብዙሕ ኣጋጢሙዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ቢቢሲ - እዚ ትራውማ ዝበልካዮ እንታይ እዩ -ዝያዳ መብርሂ እንተትህበሉ

ትራውማ ኣብ ሓንጎል ዝፍጠር ጸቕጢ ወይ ወጥሪ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ስደተኛታት ግዳይ ዘይንቡር ክስተት ወጥሪ (ፖስት ትሮማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር - PTSD) ይኾኑ'ሞ፡ ስኪዞፍረንያ ዝበሃል ሓደ ዓይነት ሕማም አእሙሮ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

(ስኪዞፎርንያ ሕማም አእሙሮ ኮይኑ፡ ሕሙም ዘይንቡር ጠባያት የማዕብል፤ ዘይልሙድ ወይ ዘደንጹ ዘረባ ይዛረብ። ምስ ክውንነት ዝጻረር ተግባራት ይገብር። ንዝኾነ ሰብ ዘይረኣዮ፡ ንዕኡ ጥራሕ ዝፍለጦን ዝመስሎን ነገራት ከምዘሎ ይዛረብ። "ሰባት ክጎድኡኒ ይከታተሉኒ ኣለው። ይስዕቡኒ ኣለው፤ ክምርዙኒ ወይ ክቐትሉኒ ይሓስቡ ኣለው" ይብል። ምትሃታዊ ድምጽታት ከምዝሰምዐ ይመስሎ። ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ይንኪ? ነብሱ የውድቕ፡ ኣይሕጸብን፡ ኩሉ ነገር ይጽለኦ።)

እዚ ሕማም ብወጥሪ አእሙሮ ወይ ብተወርሶ (ጀኔቲክ) ክመጽእ ይኽእል።

ስኪዞፍረንያ ብሕክምና ከነህድኦን ከነጉድሎን ንኽእል ኢና። ግን ምሉእ ብምሉኡ ዘይፍወስ ዓይነት ሕማም ኣእምሮ እዩ።

ስለዚ ትራውማ ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ወጥሪ እዩ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ግፍዒ ክወርዳ ይኽእል። ብሓይሊ ክትዕመጽ ትኽእል። ኣብ መንገዲ ክትጭወ ትኽእል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብብዝሒ ከምዝሰማዕናዮ፡ እዞም ደላሎን ነጋዶ ሰባትን ገንዘብ ኣምጽኡ እናበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከምዘካየዱ ታሪኽ ሰኒዱዎ እዩ።

በዚ ዘሰቅቕ ኩነታት ዝሓለፉ መንእሰያት ከኣ እዮም ንገዛእ ነብሶምን ሰባትን ናብ ምጉዳእ ዝበጽሑ።

ቢቢሲ - ብዘይካ እዚ ዝገለጽካዮ ትሮማ ካልእ ንሰባት ዘጥቅዕ ናይ አእሙሮ ሕማማት ኣሎ ድዩ?

ዓይነታት ሕማማት ስነ-አእሙሮ ብዙሕ እዩ። ከም ቅዛነት (ዲፕረሽን) ምልውዋጥ ባህሪያት (ባይፖላርዲስኦርደር) ዝኣመሰሉን ካልእ ብዙሕ ዝርዝራትን ኣሎ። ዳርጋ ኩሉ ከኣ ብነውጽን ጸቕጥን አእሙሮ እዩ ዝመጽእ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ከኣ ኣብ ዓድን ጉዕዞ ስደትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝዓለቡዎ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ዘይረኽቡ፡ ህይወቶም ኣብ ሰንፈላል ዝወደቐ ስለዘለዉ እቲ ኩነታት ነውጺ ይፈጥረሎም እሞ ይጉድኡ - ይሓሙ ከኣ።

ኣብ እስራኤል ዘለው ኣሻሓት ስደተኛታት፡ ሓንሳብ ናብ ሩዋንዳ ሓንሳብ ናብ ኡጋንዳ ክንሰደኩም ኢና እናተባህሉ ድቃስ ዝስእኑ፡ ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ዘለው ፍቓድ ዘይረኸቡ ሰባት ከመይ ዘይጭነቑ።

ገሊኦም ነቲ ጭንቀቶም ክቆጻጸሩ ክብሉ፡ ከይተፈለጦም ኣብ መስተ ይጥሕሉ፡ ኣልኮላዊ ዝንባለ የምጽኡ። ገለ እውን ድራግ (ኣፋውስ) ይወስዱ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንንብሶም ዝቐትሉ ኣለዉ። ገሊኦምውን ኣብ ናዕቢ፡ family violence ብምእታው ኣንስቶም ዝቐትሉ ኣለው።

ካልኦት ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ሆላንድ፡ እስራኤል ከም ዝተፈጸመ ንሰምዖ፡ ኣብ ኣምባጋሮ ዓይነት ባእሲ ይኣትዉ። ካብኡ ሓሊፎም ኣብ ባህልና ዘይነበረ ብጨካን ኣገባብ ኣንስቶም ዝቐትሉ እውን ኣለዉ።

ቢቢሲ - እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ስደት ጸገማት ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ ኣሎ'ዶ ወይስ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራውያን እዩ ዝረአ ዘሎ?

ኣብ ኩሉ እቲ ብከም ኤርትራ ዝሓለፈቶ ወይ ትሓልፎ ዘላ ኩነታት ዝርከብ ስደተኛ ከጋጥም ይኽእል እዩ። በቲ ብቐረባ እንፈልጦ ኩነታት እንተተዛረብና እዩ ዝሓሸ።

ንኣብነት እቲ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰደደ ኤርትራዊ ናይ ሰላሳ ዓመታት ስምብራት ኩናት ኣለዎ። መግዛእቲ ሃይለስላሴን ደርግን ብዙሕ ግፍዕታትፈጺሞም እዮም። ኣብ መታሕት ኤርትራ ክንደይ ህዝቢ ጠፊኡ፡ ክንደይ ተሓኒቑን ተቐቲሉን።

ኣብ ብዙሕ ካበቢታት ኤርትራ ጢዖ ድዩ ዓዲ ቐይሕን ሃዞሞን፡ ኣብ በዓል ዖና፡ በዓል ወኪ-ድባ ሕርጊጎ፡ ሽዕብ ገድገድ ብዙሕ ዓድታት ነዲዱ፡ ህዝቢ ሃሊቑ፡ እቲ ካብ ሞት ዝደሓነ ከካብ ቤቱ ነፊጹ ተሰዲዱ።

ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ገና ብመስዋእቲ ደቁ ከይተረጋግአ ናብ ካልኣይ ኩናት ናብ ካልኣይ ቁስሊ ኣትዩ። ብድሕሪኡ መንእሰያት ብንውሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተማሪሮም።

ብዙሕ ሰብ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሩ። እዝን ከምኡ ዝኣመሰለን ትራውማ ሒዙ ዝተሰደደ ሰብ ከኣ ጸገማት ስደት ምስተወሰኾ እቲ ዘይጻወር ዘበለ ክሓምም ባህሪያዊ እዩ።

ቢቢሲ - ሕማም ስነ-አእሙሮ ኣብ ሕብረተሰብናኸ ብኸመይ እዩ ዝረአ? ብኸመይከ ክልለ ይኽእል?

ሕማም ስነ አእሙሮ ከም ኩሉ ዓይነት ሕማማት እዩ። ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ከኣ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሕብረተሰባት ግን ብኸምዚ ንገልጾ ዘሎና ኩነታት ኩናትን ጸቕጢ ምሕደራን ክጋደድ ይኽእል።

ንኣብነት ኣብ ሕብረተሰብና ሕማም ኣእምሮ ክበሃል እንከሎ፡ ንስድራቤት ኮነ ነቲ ውልቀ ሰብ ዓቢይ ተጽዕኖ እዩ።

እቲ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ እቲ ቐደም፡ ንሕማም ኣእምሮ ብሃይማኖታውን ባህላዊ ኣገባብ እምበር ብስነ ፍልጠት ስለዘይርእዮ፡ ብቐሊሉ ኣይቕበሎን ኢዩ።

ምዕራባውያን ግን ድሕሪ ብዙሕ ጉዕዞ ኣብ ሳይንስን ምርምርን ስለዝኣተዉ፡ ሕብረተሰቦም ንሕማም አእሙሮ ከም ዝኾነ ካልእ ዓይነት ሕማም እዩ ዝርእዮ።

ነቲ ሕማም ከኣ ብመድሃኒትን ምኽርን እዮም ዝፍውስዎ። መብዛሕትኡ ህዝብና ግን ኣብ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ ስለዝኾነ ክሓብኦ እዩ ዝፍትን።

እቲ ሕማም ምስ በርተዐ ከኣ እቲ ሰብን ስድራ-ቤቱን ኣብ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል። ገሊኡውን ክሳዕ ኣብ ጎደናን ጽርግያን ዝነብር ግዳም ሓደር ይኸውን። እቲ ዕድል ዝገበረ ከኣ እንተ ብስድራቤቱ እንተስ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብቲ ዝርካቡ ናይቲ ኣከባቢ ሕክምና ይኣቱ።

እቶም ዕድል ዝገበሩ ከኣ ብዙሓት ተፈዊሶም፡ ሓውዮም ስሩዕ ናብራ ዘካይዱ ኣለው። እቲ ጸገም ዝኸውን ግን እቲ ሕማም ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ ነቲ ሕሙም ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምስ ኮኖ ኣብ ነፍሰ ቅትለት ወይ ቅትለት የእትዎ።

ቢቢሲ - ባህሊ፡ ስለምንታይ እዩ ሕብረተሰብና ንሕማም ስነ ኣእምሮ ብግልጺ ዘይዛረበሉ? እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት?

ኣብ ኤርትራዊ ባህሊ ብሓፈሻውን ኣበቲ ከባቢ ዘሎ ባህሊ ናይ ሓበሻ፡ ሕማም ኣእምሮ ብባህላውን ሃይማኖታውን ኣገባብ እዩ ዝርአ። ነዚ ሕማም ብስነፍልጠት ስለ ዘይንፈልጦ፡ ብሰንኪ ሰይጣን ንብሎ። ሓሓንሳብ'ውን ምስ ትምህርቲ ይተኣሳሰር እዩ - ትምህርቲ ኣብዚሑ ይበሃል።

ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ዝበዝሑ ሕብረተሰባት ብባህላውን ሃይማኖታዊ ኣገባብ'ዩ ክፍውሶ ዝፍተን። ንኣብነት ኣብ ኣድባራት ኣብ መሻይኽን ደብተራን ብማይ ጸሎት ክፍውሶን እዩ ዝፍትን።

ካብ ሃገር ምስ ወጻእና እውን እቲ ባህሊ ናብ ስደት ሒዝናዮ ስለ ንመጽእ፡ ብዙሓት ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት፡ 'ከይብሉኒ ወይ ንሕና ዝተረገምና ክፉኣት ስድራ ቤታት ኢና' ኢሎም ንበይኖም ይሳቐዩ።

ስለዝኾነ እቲ ሰብ ንበይኑ ይሳቐ፡ ኣብ መወዳእታ'ውን ኣብ ዘየድልዮ ሓደጋ ይወድቕ - ነፍሰ ቕትለት ወይ ቅትለት የካይድ። ስለዚ፡ ነቲ ዘሎ ኢንታ ወይ መንቅብ (stigma) ንምእላይ፡ ብዝተፈላለዩ ክኢላታት፡ ሓካይምን ሳይክያትሪስትን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሶሻል ዎርከርስ ክሰርሕሉ ይግባእ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ኣብዚ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ስለዘለው ንደረጃ ንቕሓት እቲ ሕብረተሰብ ክብ ንምባል ክሰርሑ ይግባእ። በዚ መሰረት'ዚ ውን ንነፍስና ንኻልኦት ኣብ ከባቢና ዘለው ኣሕዋትን ክነድሕን ንኽእል።

ቢቢሲ - ስለምንታይ'ዩ ባህልና ንሕማም ኣእምሮ ብኣሉታ ዝርእዮ?

ብዙሕ ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ። ሓደ ኣፍልጦ ካብ ዘይምህላው'ዩ። ካልኣይ፡ ሕማም ኣእምሮ ከም ሓደ ኣካላዊ ሕማም፡ ሰዓል ድዩ ካንሰር ወይ ካልእ ሕማም እዩ። ግን እቲ ሕብረተሰብና ከምቲ ዝግባእ ስለዘይነቕሐ፡ እቲ ዝሓመመ ሰብ፡ "እከለ መጺኡኒ፡ እከሊት ክትቀትለኒ እያ። እከለ ደድሕረይ ይኸይድ ኣሎ " ክብል ምስ ሰምዑዎ፡ ንሱ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ ሰይጣን ሒዝዎ ይብሉ።

ካብኡ ሓሊፎም እዞም ስድራ ቤት ጽሉላት እዮም እውን ይብሉ። ክሳብ መውስቦ እውን ይኽልክል እዩ ነይሩ።

'ኣነ ተፈዊሰ እየ ሰብ ይቐንኣለይ እዩ፡ ሕማም ኣእምሮ መጺኡኒ ተረጊመ፤ ኣምላኽ ኮኒኑኒ' ዝብል ካልእ ማሪታት እውን ስለ ዘሎ፡ ሰብ ነቲ ሕማም ክሓብኦ ይደሊ።

ግን ከኣ ምስላ ኣቦታት'ውን 'ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ' ከምዝብልዎ፡ እዚ ሕማም ክፍወስ እምበር ክሕባእ ኣይግበኦን እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራብ፡ ኣብ ዳያስፖራ እንርከብ፡ እኹል ዝኾነ መወከሲ ትምህርቲ ሕክምና ስለዘሎና፡ እቲ ሕማም ብቐሊሉ ክፍወስ ይኽእል'ዩ።

ኣነ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ዓቢይ ሆስፒታል ናይ ስነ ኣእምሮ 'የ ዝሰርሕ ዘለኹ። ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ነቲ ስነ-ፍልጠታዊ ሕክምና ምዕራብ ተጠቒሞምሉ ኣብ መስመር ናይ ጥዕንኦም ተመሊሶም ቀጻሊ ህይወቶም የካይዱ ኣለው።

ቢቢሲ - ስነ ፍልጠት'ከ ንሕማም ኣእምሮ ብኸመይ እዩ ዝርእን ዝገልጾን?

ካብ ክፍልታት ኣካላትና እቲ ኣእምሮና ወይ ሓንጎልና ብዘይ መጠን ዝተሓላለኸ እዩ። ሓደ ወዲ ሰብ ምሉእ ጥዕና ኣለዎ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ኣእምሮና ሞቶር ናይ ኣካላትና ስለዝኾነ፡ ኣካላውን ኣእምሮንኣውን ጥዕና ክህልዎ ኣለዎ።

እቲ ማሪታዊ ኣተሓሳስባን እምነትን ኣብ ምዕራብ ዓለም ድሕሪ ነዊሕ ምርምርን መጽናዕትን ብስነፍልጠት ተሳዒሩ እዩ። ስለዚ ሳይንስ ንሕማም አእሙሮ፡ ሓደ፡ ብትውልዲ ማለት ብጂንስ ክመጽእ ይኽእል፡ ካልኣይ ብወጥሪ አእምሮ (ብስትረስ) ክመጽእ ይኽእል ኢሉ እዩ ዝኸፋፍሎ።

ንኣብነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘየቋርጽ ኩናትን ከልበትበትን ብዙሕ ዝተወጸዐ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ብዘለና ጸቕጢ፡ ኣብ ዓድን ስደትን ንሕማም አእሙሮ ክንቃላዕ ንኽእል ኢና።

ስለዚ እቲ ሓደ ባዮሎጂካዊ ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ሓንጎሉ ብዝፍጠር ናይ ኬሚካል ምዝንባል (ኬሚካል ኢምባላንስ) ይመጽእ።

ንኣብነት ወዲ ሰብ ሓሙሽተ ህዋሳት'ዩ ዘለዎ። ኣብዘን ህዋሳት ናይ ከሚካላት ወይ ሆርሞንስ ምስዝንባል ምስ ዝፍጠር ብዝሒ ዶፖሚን ይኽሰት'ሞ፡ ሳይኮሲስ ወይ ሰኪዞፍረንያ፡ ካልእ ዓይነት ናብ ጽላለ ዘድሃበ ጸገማት የምጽእ።

ኣብ ቤቱን ሓዳሩን ከባቢኡን ሰላም ዘይብሉ ሰብ እውን ብሕማም አእሙሮ ክጥቃዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ዘጋጣም ወጥሪ ንኩነታትካ ክቕይር ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ ሓዳር፡ ንብረት ክህልዎ ይኽእል። ሓዳሩ እንተተበቲኑ፡ ካብ ምዉቕ ቤቱን ንብረቱን እንተተመዛቢሉ፡ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ሰባት ክቕተሉን ክህደኑን እንተርእዩ፡ ይስምብድ እሞ ክሓምም ይኽእል እዩ።