ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ንዝእግድ ውሳነ ክታሙ ኣንቢርሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንኢትዮጵያ ሓዊስካ ካልኦት 3 ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ኣጎዋ’ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምዕባለን ንግድን ንኽስረዛ ዝቐረበሉ ውሳነ ክታሙ ኣንቢርሉ።

እቲ ኣጎዋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስርሕ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለዩ ፍርያት ናብ ኣመሪካ ካብ ቀረጽ ናጻ ኣእትየን ዝርባሓሉ መገዲ’ዩ።

እቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊሲታት ንግዲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣምባሳደር ካትሪን ታይ’ዩ ብወግዒ ቀሪቡ።

መንግስቲ ኣመሪካ ናብዚ ውሳነ ዘብጽሖ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ምምሕያሻት እንተተርኣዩ ግን እቲ ውጥን ተግባራዊ ከምዘይኸውን ኣፍሊጣ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ብፕረዚደንት ባይደን ዝተፈረመ ውሳነ ሓሳብ ካብ 2022 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ እትርብሖ ነገር ደው ዘብል ከምዝኾነ ተረጋጊጹ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ኣመሪካ ፍትሓዊ ዘይኮነ ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ሓሳብ ብናይ ኣጎዋ መስርሕ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝጎድእ’ዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ልዕሊ ዒስራ ዓመታት ዘቑጸረ መስርሕ ኣጎዋ ተረባሕቲ ካብ ዝኾና 38 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ዝነበረት ኮይና፡ በብዓመቱ 150 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም ፍርያት ዓለባን ቆርበትን ሰደድ ክትገብር ጸኒሓ።

በቲ ናይ ኣጎዋ መስርሕ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ምርካቦም ይፍለጥ። በቲ ዕድል ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ስራሕ ዝረኸቡ ኮይኖም፡ እተን 80 ምኢታዊት ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ብዛዕባ ፍትሓውነት እቲ ውሳነ ተሓቲቱ “ብናይ ኣጎዋ ስምምዕነት መሰረት ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፈት ሃገር ካብቲ መስርሕ ተጠቓሚት ከምዘይትኸውን ይጠቅስ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

“እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ዝቕጽል እንተኾይኑ ብመሰረት እቲ ውዕል ኣጎዋ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዕድል ደው ክነብሎ ኣለና” ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዝኾነ ምምሕያሽ እንተድኣ ኣርእያ ግን ካብ ኣጎዋ እትርብሖ ነገር ክቕጽል ምዃኑ ካትሪን ተዛሪባ ነይራ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ብዘሎ ኵናት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ፍርያታ ካብ ቀረጽ ናጻ እተእትዎ ዕድል ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዝኣተወ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ከኣ እቲ ውሳነ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ኢንዱስትሪ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰባት ግዳያት ክኾኑ እዮም ብዝብል ክካትዑ ጸኒሖም።

ኣብ ቀረባ ግዝያት ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ጆ ባይደን ኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ዘግልል ውሳነ ንኸይጽድቕ ደብዳበ ከምዝጸሓፉ ተገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ዝሰረዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፣ ማሊን ጊኒን እየን።

ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቪዛ እገዳ ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ ውሳነ ንናይ ትግራይ ሓይልታት ዘሻረወ’ዩ ክብል ተቓውሞ ከስምዕ ጸኒሑ’ሎ።