ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ኩባኒያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም ስግኣት ፈጢሩ

ዓብዪ ኩባኒያ ቴሌኮም ኬንያ ዝኾነ ሳፋሪኮም፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ፖለቲካን ኣብታ ሃገር ንዝገብሮ ኢንቨስትመንት ስግኣት ከም ዝኾኖን ኣብ መጻኢ ውሳነታት ንግዲ ጽልዋ ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ።

ሳፋሪኮም፡ ኣብ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየን ኣትራፍን ኩባኒያ ቴሌኮምዩኒኬሽን ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝገበረ ይዝከር።

ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታቱ ድማ ንድሕነቶም ኣብ ገዝኦም ኾይኖም ክሰርሑ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸሩ ኲናት ትግራይ ሕጂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኣምሓራ ውግኣት ዝካየዱ ዘለው ኮይኖም፤ መንግስቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀ ይዝከር።

ብዙሓት ሃገራት ድማ ዜጋታተን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ከይጉዓዙን ኣብኡ ዘለው ክወጽኡን መምርሒ የመሓላልፋ ኣለዋ።

ፈጻሚ ስራሕ ሳፋሪኮም ፒተር ንዴግዋ ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝስዓረ ኩባንያኡ ትሕተ ቕርጺ ዘርጊሑ ስራሕ ንክጅምር ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ሳፋሪኮም፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣገልግሎታት ሞባይል ስልኪ ክህብ ዘኽእሎ ጨረታ ዝስዓረ ኮይኑ፡ ሙሉእ ትሕተ ቕርጺ ምስ ተዘርግሐ ኣብ መፋርቕ 2022 ሙሉእ ስርሑ ክጅምር መደብ ኣለዎ።

ቢቢሲ ብሮቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኩባኒያኡ ብምኻድ ውሑድ ንጥፈት ከም ዘለዎን እዚ ድማ እቲ ኩባኒያ ኣብ ቀረባ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ርግጸኛ ዘይምዃኑ ዘመላኽት ከም ዘይኾነን ተዓዚቡ።

ሳፋሪኮም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ኢንቨስትመንት ንምሕጋዝ ካብ ምትሕብባር ፋይናንስ ልምዓት ኣመሪካ 500 ሚሊየን ዶላር ዝረኽቦ ዝነበረ ልቓሕ'ውን ርግጸኛ ኣይኮነን።

ዓለምለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ሳፋሪኮም ዝመርሖ ጥምረት ኩባኒያታት ኣብ መጀመርታ ሓሙሸተ ዓመት ስርሑ ድማ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ክልተ ቢሊየን ዶላር ኢንቨስት ክገብርን መደብ ነይሩዎ።

እዚ ጥምረት ሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕን ሱሚቶሞ ኮርፖሬሽንን ሲዲሲ ግሩፕን ዝተባህሉ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴሌኮም ዝሓዘ እዩ።

ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቐረባ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቑጠባዊ እገዳ ከም ዘንበረ ይፍለጥ።

እዚ ኢትዮጵያ ካብቲ ካብ ቐረጽ ናጻ ዝኾነ ንግዲ ክትገብር ዘፍቅደላ ስምምዕ ኣጎዋ ክትስረዝ ዝገበረ ውሳነ ይርከቦ።

ኢትዮጵያ ብኣጎዋ ኣቢላ ኣብ 2020 ጥራሕ 237 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ኣቕሓ ናብ ወጻኢ ሰደድ ገይራ እያ።