መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ወተደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ትልሚ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Foreign Affairs

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንህወሓት ንምጥቃዕ ሰፊሕ ወተደራዊ ወፍሪ ናይ ምግባር ትልሚ ከምዘይብሉ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን እዚ ዝበለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ኣምባሳደራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ከምዝኾነን፡ ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ዝለቐቑ ስለዝተስዓሩ እዮም ድማ ኢሉ።

ብመራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ ግና፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልጽ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገስጋስ ምስተዓግተ፡ ናብቲ ደጀኖም ዝኾነ ክልል ትግራይ ክስሕቡ'ዮም ጸኒሖም።

ኣማባሰደር ሬድዋን፡ "መንግስቲ ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ንምህዳን ኣብ ትግራይ ኣብ ሕድሕድ ከባብታትን ከተማታትን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ድሌት የብሉን" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ሓድነት እታ ሃገር ንምኽባር ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ከባብታት ሰራዊት ፌዴራል ናይ ምውፋር መሰሉ ከምዘኽብር ገሊጹ።

አምባሳደር ሬድዋን ኣብ መግለጺኡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ኮሚሽን ምጥያሹ ነቒፉ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ መጀመርታ እዚ ሓሳብ ዝተቓወመት ኮይና፡ "ተቐባልነት ዘይብሉን ኢትዮጵያ ምስቲ ጉጅለ ኣይትተሓባበርን" ብምባል ደጊሙ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ክበጽሕ ዝኽእሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሓይልታት ትግራይ እምቢተኝነት ንምኹናን ሸለልትነት ከምዘርአየ ተዛሪቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንጥሜት ተቓልዖምላ ዘለዉ ትግራይ፡'ዕላዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ንሱ ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ምስ ወሰደ፡ ሓይልታት ትግራይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ስዒቡ ዝመጽአ ጸገም ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ወራር ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን መሰረተ ልምዓትን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፤ ኣብ ልዕሊ ታሪኻዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ ኣብቶም ረድኤት ዝሓልፈሎም መንገድታት ቁጥዐ ኣልዒሉ እዩ ይብል።

ከምኡ'ውን ልዕሊ 1010 ናይ ጽዕነት መኪና ብሓይልታት ትግራይ ተወሲደን ከይተመልሳ ከምዝተረፋን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስቅታ ምምራጹ፡ ኣብ ረድኤት ኣወሃህባ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ሰራዊት ንምምራሕ ናብ ግንባር ኲናት ምዃዱ ይዝከር።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታትን ገለ ከተማታትን ትግራይ ሓያል ደብዳባት ከካይድ ምጽንሑ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዓመት ዝሓለፎን ኲናት ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።