መንግስቲ፡ መስመር ወልድያ-ቆቦ ቆሪጸዮ ይብል፡ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ጸረ-መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ይገልጹ

ሰራዊት መንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ኣምሓራን ብዝኸፈትዎ ሓበራዊ መጥቃዕቲ፡ ካብ ወልድያ ናብ መቐለ ዝወስድ ቀንዲ መስመር ከምዝቖረጽዎ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ከባቢ ጋሸና ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ገሊጾም።

ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ 2 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ግእዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ልዑል ወተሃደራዊ ረብሓ ኣለዎም ዝበሎም ከም ድሬ ሶዳማን ሮቃን ግድሚታት [በረኽቲ ቦታታት] ከምዝተቖጻጸረን ናብ ከተማ ሓራ የምርሕ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

ከምኡ ድማ ኣብ ግንባር ምብራቕ መንግስቲ ስትራተጂካዊ ክብል ዝገለጾም ሰንሰለታዊ ግድምታት ከምኡ’ውን ኣርጆን ፎኪሳን ዝበሃሉ ከተማታት ክምዝተቖጻጸረ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ብግንባር ውጫሌ ውን ገለ ከባብታት ተቖጻጺሩ ናብ ከተማ መርሳ የመርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ቆቦ-ወልድያ ዋና መስመር ስለዝተዓጸዎም ብጋሽና ላሊበላ ከምልጡ ፈቲኖም ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ብጋሸናን ላሊበላን መስመር ከምኡ'ውን በኮን ጋሸና መስመር 11 ስሩዕ ክፍለ ሰራዊታት ዝተሳተፍሉ፡ ንሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚሊሻን ፋኖን ጥምረት ሓይሊ ከምዝሰዓሩ ሎሚ ብቴሌቪዥን ትግራይ ክልል ኣብ ዘውጸእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝተውሃበ መግለጺ ብምንጻግ፡ “ውዕሎ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጋሸናን ኣምባሰልን ኣብ ቀጻሊ ክምለሶ እየ” ክብል ብድፍኑ ትማሊ ሓበሬታ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ጸብጻባት ብነጻ ኣካል ምጽራይ ኣይተኽኣለን።

እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ለሐዂ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንብዙሓት ቦታታት እናተቐጻጸሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ብምሓዝ ናብ ሰሜን ሸዋ በጺሖም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ግና እቲ ኲናት ኣንፈቱ እናቐየረ መጺኡ፤ ኣብቲ ኣብ ዓፋር ዝተኻየደ ውግእ ካብ ጂቡቲ ናብ ዘእትው መስመር ንምኻድ ዋሳኒት ዝኾት ከተማ ጭፍራ ብስሙር መጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ናጻ ከምዝወጸት ተሓቢሩ።

ስዒቡ ድማ ሸዋ ሮቢትን ካልኦት ኣብ ሰሜን ሸዋ ዝርከባ ቦታታትን ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተመንዝዓ፤ ስትራቴጂካዊት ዝኾነት ጋሸና እውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝኣተወት ምስተገለጸ፡ ብተመሳሳሊ እታ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ከምዝተትሓዘት ተሓቢሩ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ግን፡ ሰራዊቶም ካብቶም ተቖጻጺርዎም ዝጸንሐ ከባቢታት ዝወጽእ ዘሎ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ብዝበጽሖ ስዕረት ዘይኮነስ ብስልታዊ ውሳነ ገዲፎምወን ከምዘንሳሓቡ ይሕብር።