በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን 10 ኣባላት ስድራ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን ዝሕተት ኣመሪካዊ ወታሃደር የለን- ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ኣፍጋኒስታን 10 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን ዝሕተት ወታሃደር ይኹን በዓል ሰልጣን ከምዘየለ ገሊጻ፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ጣሊባን ንብዙሓት ከባቢታት ምቁጽጻሩ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ መወዳእታ መዓልቲታት መስርሕ ምግዓዝ እዩ ተፈጺሙ፡፡
በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤትን ሸውዓተ ህጻናት ዝርከቡዎም 9 ኣባላት ስድርኡን ተቐቲሎም፡፡
ኣባላት ድሕነት ኣመሪካ እታ እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ዝጥቀመላ መኪና ምስቲ ኣይኤስ-ኬ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝንቀሳቐስ ጨንፈር ኣይኤስ ርክብ ኣለዋ ኢሎም ብምሕሳብ እዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡፡
ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ከኔት ማኪንዜ፡ ነቲ 29 ነሓሰ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ‘‘ዘሕዝን ስሕተት’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝሓተመ ውሽጣዊ ሰነድ ኣመሪካ ግና ፡ ዝተጥሓስ ሕጊ ስለዘየለን ሸለልትነትን ጉድለት ተገዳስነትን ስለዘይተርኣየን ስጉምቲ ምውሳድ ኣየድልን ኢሉ፡፡
እቲ ሰነድ ትማሊ ሰኑይ ብጸሓፊ ምክልኸል ኣመሪካ ልሎይድ ኦስቲን ከምዝጸደቐ መራኸብቲ ብዙሃን ኣመሪካ ገሊጸን፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ነብሰ ቕትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣስታት 170 ሰላማውያንን 13 ወታሃደራት ኣመሪካን ምስቀተለ እዩ ተፈጺሙ፡፡
ሓይልታት ኣመሪካ ነታ ናይ ሰራሕተኛ ረድኤት ዛማሪ ኣሕማዲ መኪና ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኡ ኣጥቂዖምዋ፡፡
እታ መኪና ኣብ ቀጽሪ ምስ ኣይኣስ-ኬ ምትእሳሳር ኣለዎ ዝተባህለ ገዛ ተራእያ ዝነበረት ኮይና፡ እቲ ግብረ ሽበራዊ ንኻልእ መጥቃዕቲ ይገብሮ ምስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ተካይድ ምንባራ ተገሊጹ፡፡
ኣብታ መኪና መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዝተሰምዐ ተወሳኺ ነትጒ ኣብ ፈለማ ሰብመዚ ኣመሪካ ነታጒ ጽዒና ነይራ ዝብል ሓሳብ ክሕዙ ገይሩዎም ነይሩ፡፡
እንተኾነ እቲ ነትጒ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነበረ ፕሮፔን ዝሓዘ ታንከር ክኸውን ከምዝኽእል ምርመራታት ገሊጾም፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







