እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓሊባባ ክሲ ጾታዊ ጥቕዓት ንዘቕረበት ሰራሕተኛ ሰጒጉ
ቻይናዊ ትካል ቐጥታዊ መሸጣ [ኦንላይን] ዓሊባባ፡ ብሓደ መሳርሕታን ሓደ ዓሚልን ጾታዊ ጥቕዓት ከም ዝተፈጸማ ንዝኸሰሰት ሰራሕተኝኡ ካብ ስራሕ ሰጒጉ፡፡
እቲ ካብ ስራሓ ከም ዝተሰጎጎት ዝገልጽ ደብዳበ እታ ሰራሕተኛ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምግፋሕ ሽም እቲ ትካል ኣጸሊማ ዝብል እዩ፡፡
እታ ሰራሕተኛ፡ ዓሊባባ ነቲ ዘቕረበቶ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ዝገልጽ ክሲ ግቡእ ስጉምቲ ኣይወሰደን ብምባል እያ ነቲ ጉዳይ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ገይራቶ፡፡
ንሳ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን እቲ ጥቕዓት ከም ዝተፈጸማ እያ እትገልጽ፡፡ ክሲ ዝቐረቦ መሳርሕታ ካብ ስራሕ ዝተሰጎገ ኮይኑ ዝቐረበሉ ክሲ ገበን ግን ውዱቕ ተገይሩ፡፡
እቲ ዓሚል ግና ክሳብ ሕዚ ምርመራ ይካየደሉ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡
እቲ ብኣገባብ ዝተሰነደ ክሲ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ትንኮያ ዘቃለዐ እዩ ተባሂሉ፡፡
ዓሊባባ እታ ሰራሕተኛ ብዛዕባ እቲ ጾታዊ ጥቕዓትን እቲ ትካል ነቲ ጉዳይ ዝሓዘሉ መገድን ኣመልኪቱ ዝምቡዕ ሓበሬታ ዘርጊሓ ክብል እዩ ዝኸስስ፡፡
"ከቢድ ማሕበራዊ ሻቕሎት ኣስዒባ፤ ኣብቲ ትካል እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢራ" ኢሉ፡፡
ዝኾነ ጥፍኣት ከም ዘይብላ እትገልጽ እታ ሰራሕተኛ ግና ‘‘. . . ነዚ ውሳነ እውን ኣይቅበሎን፤ ብቐጻሊ ድማ ሕጋዊ መገዲ ተኸቲለ ድልየተይን መሰለይን ከኽብር እየ’’ ኢላ፡፡
እታ ሰራሕተኛ ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጎገት ጠበቓኣ ንኒው ዮርክ ታይምስ ኣረጋጊጻ፡፡
ዝዓበየ ቻይናዊ ትካል መሸጣ ኦንላይን፡ ዓሊባባ ነቲ ጉዳይ ኣመልቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፡፡
እቲ ክሲ እንታይ እዩ?
እታ ሰራሕተኛ ኣብ ዘቕረበቶ 11 ገጽ ዝሓዘ ክሲ፡ መሳርሕታ ክሰትዩ ድሕሪ ምምሳዮም፡ ዓርሳ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት ኣብ ዝዓረፈትሉ ናይ ሆቴል መደቀሲ ከም ዝዓመጻ እያ ትገልጽ፡፡
እቲ ሓበሬታ ምስ ተዘርገሐ ወይቦ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ማሕበራዊ መራኸቢ ቻይና ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡
ንሳ እቲ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዝርከብ መሳርሕታ፡ ምስ ሓደ ዓሚል ካብ ቤት ጽሕፈት ዓሊባባ 900 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጂናን ናብ ዝግበር ኣኼባ ኣገዲዱ ከም ዝወሰዳ ትዛረብ፡፡
ኣብ ድራር ድማ ሓለፍታ ምስ መሳርሕታ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ ከም ዘገደድዋ ትኸስስ፡፡
ኣብ 27 ሓምለ ኣጋግዘ እቲ ዓሚል ከምዝሰዓማ እትገልጽ እታ ሰራሕተኛ፡ ብጽባሒትኡ ንባዕላ ኣብ መደቀሲ ክፍላ ዕርቃና ደቂሳ ከም ዝረኸበትን ኣብቲ ምሸት ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከም ዘይትዝክርን ትዛረብ፡፡
እቲ መሳርሕታ ኣማስዩ ኣርባዕተ ግዘ ናብ መደቀሲ ክፍላ ከም ዝተመላለሰ ኣብ ምስጢራዊ ካሜራ እቲ ትካል ምርካባ እውን ወሲኻ ገሊጻ፡፡
ናብ ስራሕ ቦታኣ ምስ ተመለሰት ንምምሕዳር ሓይሊ ሰብን ኣመሓደርትን ዓሊባባ ከም ዘፍለጠት እትገልጽ እታ ከሳሲት፡ እንተኾነ ኣድላዪ ስጉምቲ ኣይተወሰደን ትብል፡፡
እቲ ትካል እንታይ ኢሉ?
ህዝባዊ ነቐፌታ ዝበዘሖ ዓሊባባ ነቲ ዋንግ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ጸኒሑ ካብ ስርሑ ሰጒጉዎ፡፡
ስጉምቲ ዘይወሰዱ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ እውን ካብ መዝነቶም ከም ዝወረዱ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ብግዲ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ምግባር ከም ዝቃወም ዝሕብር መግለጺ እውን ሂቡ፡፡
ኣይተ ዋንግ እታ ብጺቱ ሰኺራ እናሃለወት ከም ዝተተናኸፉ ምእማኑ ዓሊባባ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ፡፡
ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳርሕታ ዝተጀመረ ክሲ ከም ዘይቅጽል እንተተገለጸ እቲ ዓሚል ግን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ፡፡
እቲ ዛንግ ዝተባህለ ዓሚል እውን ካብቲ ዝዓየሉ ትካል ተባሪሩ እዩ፡፡
ቻይናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብሓደ ገጽ እታ ከሳሲት ፍትሒ ኣይረኸበትን ብኻልእ ድማ እኹል መረዳእታ ኣየቕረበትን ኣብ ዝብል ተኸፊሎም ይካትዑ ኣለዉ፡፡
ምስጓግ እታ ሰራሕተኛ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተርኣየ ተቓውሞ ‘ሃሽታግ ሚ ቱ’ ከልዕል ከም ዝኽእል ይግመት፡፡