ኮሮናቫይረስ፡ ጥልያን ኣብ እዋን በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዕጽዋ ኣዊጃ

ጥልያን፡ ብምኽንያት ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ በዓል ልደት ክሳብ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ዝጸንሕ ሙሉእ ዕጽዋ ኣዊጃ።

በዚ መሰረት፡ ኣብያተ መስተን መግብን ክዕጸው'ዮም።

ኢጣላውያን፡ ካብ ገዝኦም ምውጻእ ዝፍቀደሎም ናብ ስራሕ ወይ'ውን ንሕክምና እንተኾይኑ ጥራሕ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጁሴፔ ኮንቴ፡ ኣብ እዋን በዓላት ገደብ ምንቅስቓስ ምግባር "ቐሊል ውሳነ" ኣይነበረን ኢሉ።

"ኣብዚ እዋን፡ ምንቅስቓስ ሰባት ክውስኽ እንከሎ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስኽ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ብምህላው" ነዚ ውሳነ ከሕልፍ ከም ዝተገደደ ኣረዲኡ።

እዚ "ቀይሕ መስመር" ብዝብል ተመሓላሊፉ ዘሎ ውሳነ ዕጽዋ ጥልያን፡ ካብ 24 - 27 ታሕሳስ ከምኡ'ውን ካብ 31 ታሕሳስ ክሳብ 6 ጥሪ 2021 ዝጸንሕ'ዩ።

ኣብዚ ግዜ፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ካብ ክልተ ንላዕሊ ጋሻ ከተኣናግዱ ከም ዘይኽእሉን እቲ ኣዋጅ እቶ እቶ'ውን ብዘለወሉ ከም ዝቕጽልን ተገሊጹ።

ጥልያን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝስዓበ ሞት ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘመዝገበት ኮይና፡ ኣስታት 68 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ንነብሱ ወሺቡ ይርከብ።

ድኻም፣ ሕማም ርእስን ደረቕ ስዓልን ከም ዝነበሮ'ውን ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫኪያ ኢጎር ማቶቪች'ውን በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ቤልጅም፣ ስፔንን ፖርቹጋልን'ውን ንነብሶም ፈልዮም ከም ዝጸንሑ ኣፍሊጦም።

በዓል ልደት ይመጽእ ብምህላው ድማ ብዙሓት ሃገራት እቲ ዞባ ጥቡቕ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ የተኣታትዋ ኣለዋ።

ኔዘርላንድስን ጀርመንን ንዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዕጽዋ ክእውጃ እንከለዋ፡ ኦስትርያ ብወገና ድሕሪ በዓል ልደት ምንቅስቓስ ዜጋታታ ከም እትግድብ ኣፍሊጣ።

ሰብ መዚ፡ ኣብ ማእከል ከተማን ብዙሓት ሰባት ዝእከቡሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክዝውተር ምዒዶም።

ኣብ ኣብያተ ብልዒ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰብ ከፍ ከይብል ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ ከይሽየጥ'ውን መምርሒ ሂቦም።