እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓሊባባ፡ ትካሉ ዝኽተሎ ቴክኖሎጂ ንዓሌት ኡግሁርስ ዒላማ ዝገበረ ከምዘይኮነ ሓቢሩ
ብቻይናዊ ቢልየነር ዝውነን ዓሊባባ ዝተሰመየ ኤሌትሮኒካዊ ኣገባብ ንግዲ ንዝተወሰኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ዒላማ ከም ዘይገብር ተገሊጹ።
ትካል ዓሊባባ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቻይና ተነጽሎታት ዘጋጥሞም ዘሎ ዓሌት ኡግሁርስ ኣድልዎታት ይገብር ኣሎ ዝብል ጸብጻባት ምስ ወጽአ’ዩ እቲ ትካል ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ኣሰንቢድና’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ብዓሊባባ ዝተመሃዘ ገጽ ደቂ ሰባት ዘላሊ ቴክኖሎጂ ንውሱናት ሕብረተሰብ ንምንጻል ዓሊሙ ዝተመሃዘ ከም ዘይኮነ ኣብሪሁ።
“ኣብ ፍርያትና፡ ንዝኾነ ብሄር ወይ ሕብረተሰብ ዝፈሊ ኣገባብ የብልናን” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ቴክኖሎጂ ብሄር ሰባት ኣብ ምፍላጥ ክውዕል ኢሉ ከም ዘይተሰርሐ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣይፒቪኤም ዝተብሃለ ትካል መጽናዕቲ ብሮቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ብዓሊባባ ዝተማህዘ ‘ሶፍትዌር’ ንዓሌት ኡግሁርስ ፈልዩ ከም ዘለልዮም ገሊጹ።
ዓሊባባ ብወገኑ እቲ ብትካሉ ዝተመሃዘ ‘ሶፍትዌር’፡ ንጽሑፍ፣ ስእሊ፣ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ከምኡ’ውን ፖሊቲካ፣ ግብረ ጽዩፍ፣ ግብረ ሽበራዊ፣ ስኑዕ ሓበሬታን ካልእን ዝሓዘ ድምጽታት ዘለሊ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር።
ኣይፒቪኤም ግን እቲ ዊጎርስ ዝብል መላለዩ፡ እቲ ጸብጻብ ምስ ወጽአ ካብቲ ሶፍትዌር ከም ዝተኣለየ እዩ ዝሕብር።
ትካል ዓሊባባ ኣብ ኒውዮርን ሆንግኮንግን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ትካል ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ኣብ ራብዓይ ዝስራዕ ብኤለትሮኒካዊ ኣገባብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ትካል እዩ።
ክሲ ግዱድ ዕዮ
ጸብፋብ ኣይፒቪኤም፡ ቻይና ኣብ ምዕራብ ሃገራ ግዱድ ዕዮ ተካይድ ከምዘላ ኣብ ትኽሰሰሉ ዘላ እዋን እዩ ዝወጽእ ዘሎ።
ቢቢሲ’ውን ዓመታዊ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብግዱድ ዕዩ ብመንግስቲ ቻይና ጡጥ ኣብ ምእራይ ከም ዝዋፈሩ መርትዖታት ረኺቡ እዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሚልዮናት ኣብ መዓስከራት ሃጕራ ኣብ ስርሓት ፋብሪካታት ዓለባ ተስርሖም ኣላ ዝብል ካልእ ክሲ እዩ።
መንግስቲ ቻይና፡ ነቲ ክሱ ግዱድ ዕዩ ከምዘይውዓሎ ብምሕባር፡ ነቶም ኣብ ሓደ መዓስከር ተሃጕሮም ኣለዉ ዝብሃሉ ከኣ፡ ሞያዊ ትምህርቲ ንኽውሃቡ ብወለንተኦም ዝተኣከቡ ምዃኖም’ዩ ዝሕብር።
ቢቢሲ ድሕሪ ዝገብሮ መርመራ፡ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከቡ ጸለውቲ ኣባላት ባይቶ፡ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ቻይና ተምጽኦ ጡጥ ብግዱድ ዕዮ ዝተኣረየ ከይከውን እተጻሪ ኮሚቴ ክትቐውም ምምሕጻኖም ይዝከር።
መንግስቲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ቻይና ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ንሙስሊም ኡግሁርስ ብግዱድ ዕዩ ጡጥ ተእርዮም ኣላ ብምባል ካብ ቻይና ናብ ሃገሩ ጡጥ ከይኣቱ ምኽልካሉ ይዝከር።